ጨንፈር ኖርወይ መበል 7ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣካዪዱ

2017-10-15 18:39:29 Written by  ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3108 times

ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 14 ጥቕምቲ 2017፣ 7ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብዓወት ኣካይዱ። ጉባኤ ጨንፈር ኣብ ቲሕቲ ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፣ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ! ዝብል ጭርሖ እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ ንመበል 7ይ ግዜ ዝተጋበአ ጨንፈራዊ ጉባኤ ምስ ሓያለይ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ኣባላት ጨንፈር ክልተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማገለ ሰልፊ ተጋደላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ወደባዊ ጉዳያትን ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያትን ተረኺቦም ነይሮም። 

ጉባኤ ብዝኽረ ሰማዕታት ድሕሪ ምጅማር፣ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝጊ ኣብ ምኽፋት ናይቲ ጉባኤ ፍሉይ ናይ ዕንቋዕ ብደሓን መጻእካ ሰላምታ ንተጋደላ ተስፋይ ወልደሚካኤል ብምቅዳም፣ ንኹሎም ተጋባእቲ እውን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን እንቋዕ ናብ መበል 7ይ ጉባኤ ኣብቐዓናን ቃል ኣስሚዑ፣ ጉባኤ ብዕሊ ከፊቱ።     

ኣስዒቡ’ውን ኣቦ መንበር ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ድሕሪ ምሕባር፣ ጨንፈር ኖርወይ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ካሳብ ሎሚ ንቋዋማዊ መደባቱ ብንጥፈት እንዳ ኣሰላሰል፣ ካብ ውሽጢ ሰልፊ ኮነ ካብ ደገ ንሓድነት ሰልፊ ኽበታትን ንዝደናደን ወስታታው እውን ብጽንዓት እንዳ መከተ ዝኸይድ ዘሎ ጨንፈር ምዃኑ ገሊጹ። ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ንሓድነትና ክዘርግ ንዝሃቐነ ተሪእዮታት፣ ጨንፈር ኖርወይ ብትሪ ከምዝኹንኖ ሓቢሩ፣ ንምምካቱ መሪሕነት ሰልፊ ንዝኽተሎ ሕጋውን ልቦና ዝመልኦ ኣገባብን እውን መጎሱ ገሊጹ።

 ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ ኸሊፋ ዓብደላ፣ ካብ 6ይ ክሳብ 7ይ ጉባኤ ጨንፈር ንዝተዓሙ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረሰብኣዊ፣ ዲፕሎማስያዊ መደባት ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዝርዝራውን ጸብጻብ ኣቕሪቡ።  ንሱ ኣብ ጸብጻባቱ ጨንፈር ኖርወይ ኣብ ዘካየዶ ፖለቲካዊ መደባት ኣብ ውሽጢ ኖርወይ ጥራይ ከይተደረተ፣ ኣብቲ ከቢድ ባጀትን ግዜን ዝሓትት ኣብ ካብ ኖርወይ ወጻኢ ብደረጃ ዞባ ኤውሮጳን ስካንዲነቭያን ኣብ ዝተኻየደ መደባት ሰልፊ እውን እንተኾነ ብንጥፈት ከምዝተሳተፈ፣ ምስ ፖለቲካዊ መደባቱ ድርብ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሓላፍነት ብምስካም እውን ኣብ መደባት ሓገዝ ናይ ርሑቕ ወላድን ኣካለ ጽጉማንን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ሓቢሩ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ጨንፈር ኖርወይ ብቀዳምነት ምስ ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ሓቢርካ ምስራሕ ቀዳምነት ሂቡ ብተወፋይነት ክሰርሓሎ ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ተዓዊትና ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ዋላ እንተዘይተበጽሐ ዘተስፉ ውጺእት ከምዘሎ ግን ሓቢሩ። 

ቀጺሉ ተሓዝ ገንዘብን ንብረትን ጨንፈር ብጻይ ሙሴ ዓማር፣ ንምጣኔ ሃብታዊ ጸብጻባቱ ኣብ ናይ ሰልፍን ጨንፈርን ወገናት ከፋፊሉ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ብምቕጻል ተሳተፍቲ ጉባኤ ብኽልቲኡ ሸነኻት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ተመያዪጦም።

ስዒቡ ንጉባኤን ከይዲ መረጻ መሪሕነትን እትመሪሕ 3 ዝኣባላታ ሰክረታር ጉባኤ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጻ። መስርሕ መረጻ እውን እንተኾነ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተኻይዱ። ኣብ መወዳእታ ብመሰረት ቁዋም ሰልፊ  3 ሽማገለ ጨንፈርን 2 ተጠባበቕትን ዘለውዋ መሪሕነት ጨንፈር ቆይማ።

ቀጺሉ መድረኽ ንኣቦ መንበር ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ተጋደላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ተዋሂቡ። ተጋደላይ ተስፋይ ኣብ ናይ ኖርወይ ብጽሖቱ ዝተሰምዖ ደስታ ድሕሪ ምግላጽ፣ ጨንፈር ኖርወይ ብኹሉ መዳይ ካብቶም ሰልፊ ዝሕበነሎም፣ ኣዕሙድ ሰደህኤ ዝኾኑ ጨናፍር ሓደ ምዃኑ ሓቢሩ።

Tesfai Public Meeting Norway 14.10.2017

 

 ኣስዒቡ ተጋደላይ ተስፋይ፣ ኣብ ጽባሕ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ   ተጋደላይ መስፍን ሓጎስ ዝወሰዶ ካብ መሪሕነት ናይ   ምስሓብ ስጉምትን፣ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ዝፈጠሮ   ምስሕሓብን፣ ምስኡ ብምትእስሳር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ   ብገለ ኣባላት መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበር ተፈጢሩ፣   ኣብ ጉዕዞ ሰልፊ ዕንቅፋት ኮይኑ ንዝጸንሐ ጸገማትን   ብዝምልከት ንኣባላት ዝርዝራዊ መብሪሂ ሂቡ። ምስዚ   ወሲኹ ብጻይ ተስፋይ፣ ካብቲ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ናይ   ምስሓብን መሰረት ዘይብሉ ክስታትን ናይ መስፍን ሓጎስ   ኣትሒዙ፣ ክሳብዚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ   ብገለ መሪሕነት ዞባ ነበር ተፈጢሩ ንዝጸንሐ ጸገማትን እውን   ከይተረፈ፣ መሪሕነት ሰልፊ ንናይ ምርድዳእን ልዝብን   ኣገባባት ቀዳምነት ሂቡ ድሕሪ ምፍታን፣ ንሱ ክዕወት ምስ   ዘይከኣለ እዩ፣ ቁዋም ሰልፊ ተኸቲሉ መዕለቢ ክገብረሎም   ከምዝተገደድ ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋንዚ ድማ መሪሕነት   ሰልፊ  ኣብ መደባት ምሕዳስ ሰልፍን እማመ ሓባራዊ ስራሕ   ምስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራትን ኣተኲሪ     ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

  ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ!

  ሰላምን ፍትሕን ንውጹዕ ህብና!

Last modified on Sunday, 15 October 2017 21:00