ኣብ ከተማ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ጉጅለ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-10-06 18:52:40 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 3063 times

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ሎንዶን ዝርከአብ ጉጅለ ሰዲህኤ፡ ትማሊ ረቡዕ 05/10/2017 ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መምበር ጨንፈር ተረኺቡ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ዝኾኑ ኣባላት ንተሳትፎኣኦም ኣሞጉሱ። ካብ ዝበኾሩ ኣባላት፤ ክልተ ኣባላት ብርዱእን ቅቡልን ምኽንያታት ክኾኑ ኣንከለዉ፡ እቶም ካልኦት ግን ዘቕረብዎ ምኽንያትን ሓበሬታን እውን ስለዘይነበሮም ብሓባር ክረኣኤ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ዝተታሕዩ  ኣጀንዳታት ኣኼባ ብምዝርዛር‘ዩ ከፊትዎ።

ኣኼበኛ ነቶም ኮንፈረንስ ሰልፊ ኣብ ውርሒ ሰለስተ ናይዚ ዓመት እዚ ዘረጋገጾም ዕማማትን መደባትን ደጋጊሙ’ውን ከስተብህለሎም ዝጸንሐን፡ ንቅዋማውን ሕጋውን ቅርጻ ሰልፊ ክፈታተኑ ዝኸረሙ ወስታታት ብጽንዓት ደጊሙ ወጊድ ኢሉዎም።

ኣባላት እዋናዊ ሓበሬታታት ብፍላይ ኣብ ወሽጣዊ ንጥፈታታት ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞን እንካን ሃባን ብዝመልኦ ኣስፊሖም ተመያይጦሙሉ።

ኣኼባ ጉጅለ ብሓፈሻኡ ንጨንፈርና ዘጋጥሙዎ ሕጽረታትን ድኻማትን ኣሪሙ ስፍሕ ዝበለ ዕማማት ከዐውት ተር ኣቢሉ መደባቱ ብምስራዕ‘ዩ ኣኼብኡ ደምዲሙ።

 

ዓወት ንደላይ ፍትሒ ብሓፈሻ፤ ንስሩዕ ቃልዲ ድማ ብፍላይ

ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና

Last modified on Friday, 06 October 2017 21:18