ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያን ጨንፈር ሽወደን ብዓወት ተዛዚሙ።

Friday, 06 October 2017 20:45 Written by  ወኪል ድምጺ ሓርነት Published in EPDP News Read 165 times

ብዕለት 30 መስከረም 2017 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን፡ ብተሳታፍነት ላዕለዎት ኣባላትን፡  ኣቦ ወንበራት ጨፈር ሰዲህኤ፡ ሓያሎ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤነበርን፡ ብዙሓት ደልይቲ ለውጢ  ህርኩታት መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ብዓወት ተዛዝሙ። ጉባኤ ብኣደ ወንበር ማሕበር ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅ ተኸፊቱ ልክዕ ህልዊ ኩነታት ጽጉማን ኣሕዋት ኣብ መደበር ከሰላ ገሊጻ

ተወሳኺ ኣላት ቦርድ ናይቲ ማሕበርዝኾኑ፡ ሓው ጸሃየ ቀለታን ሓውቲ ገርጊስ ነጋሽን  ጨንፈር ሽወደን ንማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብፍላይዘበርከቶ ኣገዳሲ ሓልዮትን ተወፋይነትን ብዝርዝር ሓቢሮም። ቀጺሉ ተሓዝ ገንዘብ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ብጠቅላላ ተቋጻጻሪ ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ኣቅረበ። ስዒቡ ኣብ ምምራሕ ዝጸንሐት ሽማገለከተካይዶ ብዝጸንሐት ዕዉት ስራሕ፡ ንዓመተ 2017 2018 እውን ዝነበረት ምምሕዳር ሽማግለ ንክትቅጽል ብግባኤኛታት ንዝቐረበላ ሕቶ፡ ብተወፋይነት ስለዝተቐበለቶ ብሙሉእ ጉባእተኛ ድማ ምስጋና ቀሪቡላ

ብድሕሪኡ  በተን ዘይሕለላ ዉፉያት ክልተ ዋዕሮታት ኣልጋነሽን ገርጊስን ዝተዳለወ ሙቁር መግብን ቅጫን እናተኣንገደ፡ ብሓቂ ብዘደንቅ ሙዉቅ ሃብታም ምሽት ናይ ልዝብ ኣስተምህሮ ክትዕን ኣብ  ብህኩነታት ሃገርናን ህዝብና ክሳብ ሰዓት 22.00  ከም ዘምሰየ ወኪል ድምጺ ሓርነት ካብ ስቶኮልም ሓቢሩ።

Last modified on Friday, 06 October 2017 20:52