ኣብ 4ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱዛ እቲ ሞት ቀጺሉ ናይ ሽዑ ሬሳታት ከኣ ኣብ ትሕቲ መሬት’ዩ ተቐሚጡ ዘሎ

2017-10-02 20:44:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3131 times

3 ጥቅምቲ 4ይ ዓመት ናይቲ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱዛ ዝያዳ 360 ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ዝኽሪ ምዃኑ ረሲዕናዮ ዲና? ኣብቲ ግዜቲ ንሕና ኮነ ዓለም ሰንቢዳ እያ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ገበነኛ ገዛኢ ግና ኣይገደሶን። ነቶም ግዳያት ኤርትራውያን ክንሶም “ገለ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” እዩ ኢልዎም።

 

እዚ ናይ ላምፓዱዛ ህልቂት ብዙሓት ማሕበራትን ውድባትን ንክምስረታ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። (ከም ኣብነት፡ ባርነት ይወገድ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኮሚተ ዶ/ር ተወልደ ቫካሮ፡… ወዘተ)። ከምቲ ናይ 1971 ህልቂት ዕና-በሲክድራ ኣብ ክልተ መዓልታት ከባቢ ሓደ ሺሕ ሰባት ዝሃለቕሉ እሞ በቲ ዘጋጠመ ህልቂት ዝሓረቑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን “ኤርትራውያን ንናጽነት” ዝተባህለ ምንቅስቓስ ንምምስራት ዝተላዕልሉ ማለት እዩ።

4th Anniversary of Lampedusa Tragedy 2

ካብቶም 368 ኤርትራውያን ግዳያት ላምፓዱዛ፡ ሄለንን ደቃ፡ ኢስሮም፡ ደሊናን ቢለንን ይርከብዎም

 

ድሕሪ 4 ዓመታት ኣሰቃቒ ዝኽሪ ላምፓዱዛ ኤርትራውያን ከም ቀሊል ጉዳይ ዝወሰድዎ ይመስሉ። እቲ ብናይዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣሕዛኒ ኩነታት  ዝሕተት ገበነኛ ጉጅለ፡ ኣብ ኤርትራ ኣራጢጡ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልዕልና ክረክብ ዝደናደን ዘሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ተቓወምቲ፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ኣብ ወጻኢ ዝተሓተ ግምት ዝህብዎ እዮም ዝመስሉ።

 

ድሕሪ ተረኽቦ ህልቂት ላምፖደዛ ሕብረት ኤውሮጳ ህጹጽ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ኣብ ሴሜናዊ ገማግም ባሕሪ መዲትራንያን ሞት ጠጠው ንምባል ጻዕሩ ቀጻሊ ኣሎ። እንተኾነ ነቲ ተረኽቦ ከም ቀሊል ነገር ክወስድዎን እቲ ናይቲ ጉዳይ መሰረታዊ ጠንቂ ንከይጽናዕ ስቕ ኢሎም ክርእይዎን ጀሚሮም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ነቲ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ገበነኛ ጉጅለ ናይ ምሕያል ዝንባለ ከም ሜላ ይረአ ኣሎ። እንተኾነ ከምቲ ናይ 3 ጥቅምቲ ኣሰቃቒ ተረኽቦ ላምፓዱዛ ቀጻሊ ኣሎ።

 

ድሕሪ ናይ ላምፓዲዛ ኣሰቃቒ ተረኽቦ ዝተመስረተ ትካል፡ “መደብ ዝጠፍኡ ስደተኛታት” ይበሃል። እንተኾነ  እዚ ኣካል ኤርትራውያን ግዳያት ክንደይ ምዃኖም’ኳ ኣየነጸረን። ኣብ ክንዳኡ ናብ 2000 ተመሊሱ ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ግዳይ ባሕሪ  ዝኾኑ ሰባት  46 ሺሕ ምዃኖም ይጠቅስ።

 

ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ መዓሙቕ ባሕርን ምድረበዳን ዝሃለቑ ኤርትራውያን  ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ንርደእ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብንጹር ናይ ዝሞቱን ዝጠፍኡን ንጹር ቁጽሪ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን። ኣብ 2013 ኣብ ባሕሪ ሚዲተራንያን ግዳያት ዝኾኑ ሰባት 600 እዮም። ካብዚ ኣሃዝ ኤርትራውያን ካብ ክልተ ሲሶ ዘይውሕዱ ምንባሮም ፍሉጥ እዩ።. ባሕሪ መዲተራንያን ኣብ 2014፡ 3, 279 ህይወት ቀዚፉ። ኣብ 2015፡ 3, 700 ህይወት በሊዑ፡ ኣብ 2016 ዝያዳ 3,500 ህይወት ወሲዱ ኣብ 2017 ከኣ ልዕሊ 2,654 ሰባት ኣጥፊኡ። እንተኾነ ካብዚኦም አርትራውያን ክንደይ ምዃኖም ኣይንፈልጥን ኢና።

 

ናይቶም ብዙሕ ዝተዘርበሎም ግዳያት ላምፓዱዛ ኣስከሬን ኣብ ትሕቲ መሬት እዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ናይ መብዛሕትኦም መንነት’ውን ኣይተነጸረን። ኣብዚ ዝሓለፈ 4 ዓመታት እውን ብዙሕ ሬሳታት ተወሲኽዎም እዩ። ንሕና ግና ኣይኮነንዶ ሓቢርና ነቲ ጉዳይ ጠጠው ከነብል ክንበቅዕ ቁጽሪ ዝሞቱ ወገናትና ብትኽክል ክንፈልጥ’ኳ ኣይከኣልናን።

 

4th Anniversary of Lampedusa Tragedy 3

ጳጳስ ፍራንሲስ ንኤርትራውያን ህሉዋት ኣብ ላምፓዱዛ እንዳጸናንዑ።

Last modified on Monday, 02 October 2017 22:53