ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2017-08-21 20:38:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2659 times

ሻሙናይ  ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 26 ነሓሰ 2017 ክጅምር ኢዩ።ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (ካብ ክፍላ 2016 ክሳብ ክፍላ 2017) ናይ ዘካየዶም ንጥፈታት፡ ሃለዋት ህዝብን ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ጸብጻብ ክሰምዕን ክመያየጥን ኢዩ።

 

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣኼባ ዝዛረበሎም ጕዳያት፡ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ሓይልታትን ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዝካየድ ልዝብን፡ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፍን ጕዳይ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።

 

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ከም’ቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመታዊ ኣኼባኡ ዝገብሮ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣቦ መንበርን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክመርጽን ንውጽኢት ኣኼባ ዝምልከት መግለጺ ከውጽእን ኢዩ።

Last modified on Monday, 21 August 2017 22:56