ጨንፈር ቁ. 2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገር ሽወደን ዓመታዊ ጉባኤ ኣካይዱ።

2017-07-08 06:21:11 Written by  ክፍሊ ዜና ጨንፈር Published in EPDP News Read 2663 times

ብዕለት 01 07 2017 ዓ.ም.ፈ. ጨንፈር ቁ. 2 ሃገረ ሽወደን ስሩዕ ዓመታዊ ጉባኤኡ ብልዙብ ስጡም ሓድነትን ፡ ሙሉእ ዕግበት ሰልፉን መሪሕነቱን ናይ 3 ሰዓታት ዝወሰደ ብመራኸቢ ብዙሓን ጉባኤኡ ብዓወት ኣሳላሲሉ። እዚ ጨንፈር እዚ ኣብ 8ተ ከተማታት ሃገር ሽወደን ዝርከቡ ኣባላቱ ብምልኣት ተሳተፍነት ኮይኑ፡ ዝነበረት ሽማገለ ጨንፈር ዘቅረበቶ ፖሊቲካዊ፡ ስሪዒታዊ፡ ገንዘባውን ጸብጻብ ንጥፈታት ዓመተ 2016/ 2017 ተካቲዑ ብሙሉእ ድምጺ ኣርገኦ። ቀጺሉ ብሓጻይት ሽማገለ ዝቀረቡ ሕጹያት ሓዳስ ሽማገለ ንዓመተ 2017/2018 ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብሙሉእ ድምጺ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማገለ መሪጹ። እቲ ጉባኤ ንዝነበረት ኣካያዲት ሽማገለ ኣመስጊኑ ብኣዝዮም ኣገደስትን እዋናውያንን ዝኾኑ ለወባታትን ውሳኔታትን ኣመሓላሊፉ። ብፍላይ ከኣ ሓድነት ሰልፊ ብትካላዊ ኣሳራርሓን ፡ እማማ ሰልፊ ንሓድነት ደምበ ተቃዉሞን እንኮ መዔወቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዃኑ ብድጋመ ኣስሚሩ ብዝኽሪ ስዉኣት ብጉባኤኡ ዛዚሙ።

 

 

Last modified on Saturday, 08 July 2017 08:33