ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፍታሕ ጸዊዑ!

2017-07-07 06:47:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2474 times

ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፍታሕ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣንጻር ደቂ-ሰባት ውን ኮኒኑ። እቲ ባይቶ ነዚ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፡ ጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣብቲ ባይቶ ድሕሪ ምልዓሉ ኮይኑ፡ ኣብቲ ባይቶ ተወኪሎም ዝርከቡ ሽወደናውያን ፖለቲከኛታት ነቲ ጉዳይ ብልዕል ዝበለ ድምጺ ኣልዒለምዎ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ገበናት ኣየኽተመን ትብል; ኣባል ሚልዮ ፓርቲ ሽወደን ዝኾነት ቦዲል ቫሌሮ። ኣባል ሰልፊ ፈሚንስታዊ ተበግሶ ሽወደን ዝኾነት ሱራያ ፖስት ብወገና፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣርማ ሰብኣዊ-መሰላት ኮይኑ`ዩ ትብል። ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ ሽወደን ዝኾነት ሰሲልያ ቪክስትሮም’ውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ እገዳታት ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዓ። እዛ ስጉምቲ ክውሰድ ዝጸውዐት ቐጺላ፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ስርዓት ናይ መገሻ እገዳታት ክግበር፡ ዘይሕጋዊ ምኽፋል ቀረጽ ደው ክብልን ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበርን ክንጠልብ ኣለና ትብል።  ኣብ መወዳእታ፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ተሸላሚ ናይቲ ብፓርላማ ኣውሮጳ ዓመታዊ ነቶም ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዕዙዝ ተራ ዝጻወቱ ሰባት ዝወሃብ (ሽልማት ሳቻሮቭ) ክኸውን ውን ረቊሓቶ።

ሃገረ ሽወደን፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንኽፍታሕ ዘርኣየቶ ጻዕሪታት ከምቲ ዝድለ ከምዘይነበረን እቲ ጉዳይ ብትሑት ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ`ያ ሒዛቶ ክብሉ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝግደሱ ወገናትን ክወቕሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ዝእሰር ኣስታት 16 ዓመታት ሓሊፊ ኣሎ። 

Last modified on Friday, 07 July 2017 08:58