ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ፍሉይ ጉባአ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጀርመን ተሳቲፉ

2017-06-30 08:05:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3798 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ25 ሰነ 2017 ኣብ ከተማ ዶርትሙንድ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባአ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀርመን ተሳቲፉ። ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀርመን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 24 መስከረም ዝካየድ ናይ ቻንስሎር ምርጫ ዓብይ ደገፍ ዘለዎ እዩ።

ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብልዑል ደረጃ እትነጥፍን ነቲ ሓደ ናይ ሰልፍና ናይ ቀረባ ፈታዊ ዝነበሮ ልኡኽ መሪሓ። እዚ ልኡኽ መልእኽቲ ምሕዝነት ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብ ሓለፍቲ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ጀርመን ኣረኪቡ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መልእኽቱ “ንሕና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስም እቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሰላምን ዕቤትን ከምኡ እውን ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ጉባአኹም ኣገዳሲ ዓወት ከመዝግብ ሰናይ ትምኒትናን ናይ ምሕዝነት መልእኽትናን ከነቕርብ እንከልና ሕጉሳት ኢና።” ኢሉ።.

ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣቶ መንግስተኣ ሰዲህኤ፡ ብ2013 ኣብ ሊያፕዚግ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጀርመን ምስ ዝርከቦም ካለኦት መሓዙት ኮይኑ መስራቲ ኣባል ምሕዝነት ገስገስቲ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ጉባአ  ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ምስታፉ ብሓጐስ ዘኪሩ፡ ቅድሚ 4 ዓመት ኣብ መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጀርመን ተሳቲፉ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ኣቶ መንግስተኣብ ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ኤርትራ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀጻልን ንጹር ደገፍ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጀርመን፡  ነተን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘለዋ ነቲ ግፍዐኛ ስርዓት ዝቃወማ ፖለቲካውን ሲቪላውን ተዋሳእቲ  ኣብ ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰል፡ ደሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣቶ መንግስተኣ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብቲ መጻኢ ምርጫ ንዓወት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራስን ሕጽዩ ማርቲን ስቹልትዝን ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

EPDP Attends SPD Congress in Dortmund 2ኣብ ዶርትሙንድ ዝተኻየደ ጉባአ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ 600 ኣባላትን 5,000 ኣጋይሽን ተሳቲፈምዎ።

ኣብዚ ጉባአ ኣቶ ማርቲን ስቹልትዝ ሕጹይ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ንቻንስለርነት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናብ ናጻ ትምህርቲ፡ ምንካይ ናይ ግብሪ ጽዕነት፡ ማእከላይ እቶት ጀርመን፡ ወፍሪ ኣብ ትሕተ ቅርጽን ደገፎም ንውህድቲ ኤውሮጳን ዘተኮረ መጻኢ መደባቶም ሓቢሮም።

 “ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት ኢና ንነብርን ዘለና። ሎሚ ኤውሮጳ እንደጋና ክትፍጠር ይግበኣ” ዝበሉ ኣቶ ማርቲን ስቹልትዝ፡ ንኣገዳስነት ሰብኣዊ መሰል፡ምውጋድ ዓመጽን ኣብ ረብሓ ዝህብ ምውፋርን ብምጥቃስ “ኣብ ህይወተይ ምእንቲ እዚ ሓሳባት ተቓሊሰ እየ። መጻኢ መንግስቲ ነዚኣቶም ንክትግብር ብሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ዝምራሕ ንክኸውን ከኣ በዚ ጐደናዚ ምቕጻል ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግብራዊ ንክኸውን ልባዊ ቃልሲ ምክያድ ዋጋ ዘለዎ እዩ” ኢሎም

Last modified on Friday, 30 June 2017 10:21