ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣኼባ ኣካይዱ

2017-06-14 20:39:29 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2407 times

ብዕለት 11.06.2017 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብሰናይ ምንዮት ብኣቦ መንበር ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሰዓት 14፡00 ኣኼባ ተጀሚሩ ኣብቲ ኣጀንዳታት ተኣትዩ። ዝነበሩ ኣጀንዳታት ድማ፡-

1 - እማመ ሰደህኤ፤

2 - ሰልፍኻ ምፍላጥ፤

3 - ዲሞክራሲ ኣብ ሰልፍኻ ይጅምር፤

4 - ግፍዕታት ህግደፍን ፖሊሲኡን፤ ዝብሉ ኔሮም።

ኣኼበኛ ነቲ ብ4 ሰነ 2017 ብሰደህኤ ዝወጸ “ እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ድሕሪ ምንባብን ኣብ ትሕዝቶኡ ምርድዳእን፡ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ሓይልታት ንስርዓት ህግደፍ ዕድሜኡ ዘሕጽርን፡ ራህዋ ህዝብና ዘረጋግጽን ምኻኑ ብምእማን፡ ደገፌታኡ ገሊጹን ብወገን ተቓወምቲ ሓይልታት ድማ ኣወንታዊ መልሲ ክረክብን፡ ኣገዳስን ቅድመ-ተደላይነትን ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑን ኣስሚሩሉ።

ብድሕሪ‘ዚ ሰልፍኻ ምፍላጥን ዲሞክራሲ ኣብ ሰልፍኻ ክጅምር ከም ዘለዎን ዝብሉ ኣርእስትታት ኣልዒሉ፡ ስርዒታዊ ቅርጻ ሰልፍና ከመይ ከም ዝመስል ብፍላይ ሓደስቲ መንእሰያት ክፈልጡዎም ዘለዎም ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ብስክሪን ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺ ብሓው ንጉሰ ጸጋይ ተዋሂቡ። እዚ ቅዋምን ስርዒታዊ ቅርጻን ከምኡ‘ውን ሰልፋዊ መደብ-ዕዮን ድማ መሰረት ናይቲ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ልዕልነት ሕግን ኣብቲ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክንሃንጾ እንደሊ ዘሎና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ብቐዳምነት ሰልፍና ኣብ ውሽጡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምዃኑ ተዘርዚሩ። ስለዚ ዲሞክራስያውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ኣብ ሰልፍኻ ክጅምር ስለ ዝግብኦ፡ ነዚ ኣሰራርሓዚ ድማ ክንከላኸለሉ ምዃንና ኣኼበኛ ተመባጺዑ።

IMG 20170611 153325

 

ቀጺሉ‘ውን ኣባል ጨንፈር ሽማግለ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም፡ ብስክሪን ዝተሰነየ ኩሉ ግፍዕታትን ናይ ሓሶት ወፈራን ህግደፍን፡ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ውሽጣውን ወጻእን ፖሊሲታቱን ብሰፊሕ ገሊጹ። ኣብ መግለጺኡ፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቡ ኣርዒዱን ኣሳቕዩን ብምሓዝ ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ድማ ንህዝቢ ምግፋዕን ምእሳርን፡ ምስዋርን፡ ምቕንጻልን፡ ኩሉ ዝከኣሎ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ተጠቒሙ ንህዝቡ ምምዝማዝን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ካብ ዝነብሩ ህዝብና ብ2% ይኹን ካልእ ዘይሕጋዊ ምዝመዛን ወዘተ . . . ምኻኖም ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታትን ቃለ መሓትታትን ባዕሎም ኢሳያስ ይኹን የማነ ገ/ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታትን ናይ ሓሶትን ምድንጋራትን ብስክሪን ኣሰንዩ ኣብሪሁ። በዚ ግፍዕታት‘ዚ መሰረት፡ ኣብ ወርሒ ካብ 3-4 ሽሕ ህዝብና እስደድ ከም ዘሎ‘ውን ንሕሱም ስደት ዘርኢ ስእልታት ኣቕሪቡ። ኣብ ደርጊ ይኹን ኣብ ካልኦት ወጻእተኛታት ገዛእቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ መልክዕ ጭቆና ከም ዘዘውትር ድማ ኣብሪሁ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ናይ ሜሮን እስቲፋኖስን፡ ክብሮም ዳፍላን፡ ከምኡ‘ውን ካልኦት ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ዝመጹ ዝሃብዎ ሓበሬታታትን እውን ብስክሪን እናኣርኣየ ብዝርዝር ገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ መግለጺኡ ድማ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራኸ ነዚ ንምምካት እንታይ ክንገብር ኣሎና? ትም ኢልና ዲና ከምኡ ኢልና እናጠፋእና ክንነብር ወይስ ክንቃለሶ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ድማ፡ ብከመይ ጌርና ክንቃለሶን ከም ህዝቢ‘ውን እገዳታት ክንገብረሉን ንኩሉ ረብሓታቱን ናይ ምዝመዛ መሳርሒታቱን እምቢ ብምባል፡ ፍርሒ ኣወጊድና ብትሪ ክንቃለሶን ተላብዩ።

በዚ ድማ ልክዕ ሰዓት 16፡30 ኣኼባ ብዝክረ-ሰማእታት ተደምዲሙ።

 

   

Last modified on Wednesday, 14 June 2017 22:46