እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ

2017-06-04 10:35:58 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 3859 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን 26 ዓመታት ናጽነት ንህልውናኡ ኣብ ዝፈታተን ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ዕንወትን ኣትዩ ይርከብ። ጠንቂ እዚ ኩሉ ጸገማት ከኣ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ጠቕሊልካ እቲ ሽግር እቲ ስርዓት ጥራሕ ገርካ ምቕራቡ ንውሽጥኻ ተመሊስካ ክትምርምርን ቅኑዕ ሚዛናት ከተንብርን ሕጽረታትካ ክትእርምን ኣይሕግዝን እዩ። ደምበ ተቓውሞ እውን ሽግራት ህዝብን ሃገርን ንኽሓጽር ዝገበሮ ኣበርክቶ ዝናኣድ ብዘይምንባሩ ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ክነውሕን ስቅያትን ምብትታንን ህዝብና ቀጻሊ ክኸውንን ሓጊዙ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ጉድለታቱ፡ ህላውኡ ኣረጋጊጹ በብዝኽእሎ ዓቕሚ ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ይምክት ምህላው ብኣወንታ ክረአ ዘለዎ እዩ። ከምኡ’ውን፡ ንሽግራቱ ንምፍታሕ ከካይዶም ዝጸንሐ ጻዕርታት፡ ክገብሮም ዝጸንሐ ምጽንባራትን ከቝሞም ዝጸንሐ እተፈላለዩ ጽላላትን ብኣውንታ ክረኣዩ ዘለዎም እዮም። ኣብ’ዚ ንደምበ ተቓውሞ ንምሕያል እተገብረ ጻዕርታትን ምትእኽኻባትን እንተወሓደ ኵልና ዘይንፈላለየሎም ወይ እንሰማምዓሎም መትከላት ከነረጋግጽ ምኽኣልና እውን ከነስምረሉ ዝግባእ እወንታዊ ስጕምቲ ኢዩ። እዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሰነዳት ደምበ ተቓውሞ ዝርከባ ኰይነን፡ ኣብ ዘለናዮ እዋን ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀና ዝኽእላ ምዃነን ምግንዛብ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንሳተን ከኣ፦

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤

4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።

ንሕሉፍን ህሉውን ተሞክሮ ሓባራዊ ስራሕ ዝርዝር ኣቢልና ክንርእዮ ከለና፡ ክሳብ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ምትእኽኻባት፡ ዋላኳ ኣውንታዊ ጐኒ ከምዘለዎ ንኣምን እንተዀና፤ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ክእከብ ከምዘይከኣለ ግን ክንእመነሉ ዘለና ሓቂ እዩ። ንደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ዝሰራሕናዮ ምጽንባራት ይኹን ጽላላት ሎሚ ንቐጻሊ ሓባራዊ ስራሕና ኣሳላጥቲ እምበር ዓንቃፍቲ ክዀኑ ኣይግብኦምን።

ሎሚ እቲ እዋን ካብ ዝጸናሕናዮ ጸበብቲ ዓንኬላት ወጺእና ንዝለዓለ ሓባራዊ ስራሕ ክንጥምት ይጠልበና ኣሎ። እቲ ኣብ ንኡስ ጽላላት እተኣከበን ዘይተኣከበን ኣብ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ዝእከበሉ መደረኽ ብህጽጽ ይድለ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮና ተማሂርና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝርከብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከም መበገሲና ወሲድና ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ናብ ኣድማዒ ጸረ ምልኪ ሓይሊ ንምቕያሩ ኣብ ተግባራዊ ሓባራዊ ስራሕ ምእታው የድሊ ኣሎ።

እቲ ኣሉታዊ ጐድኒ እቶም ክሳብ ሕጂ ክንሰርሖም ዝፈተና ጽላላት፡ መንፈስ ውድድር ኣብ ዝዓብለሎ ሃዋህው ንሰርሖም ምንባርና እዩ። ነቶም ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ክፍጸሙ ዝግብኦም ዕማማት ሓዋዊስና ነቶም ቀዳምነታትና ኣብ ዕግርግር ከነእትዎም ወይ ጽልግልግ ክብሉ ክንገበሮም ስለዝጸናሕና ኢዩ። እቲ ቀንድን እዋናውን ዕማምና፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምልጋስ ኢዩ። ነዚ ኣነጺርናን ኣተኲርናን ብኹሉ ዓቕምና ኣብ ክንዲ ንሕዞን ንሰርሓሉን፡ ብጽባሕ ክፍጸሙ ዘለዎም ዕማማት ዕንክሊል ክንብል ጸኒሕና ኢና። እቶም ዘቕረብናዮም መደብ ዕዮታት ይኹኑ፡ ዘዳለናዮም ቅርጽታት፡ ቀዳምነታት ብዝሰሓተ መንፈስን ውድድር ብዝዓብለሎ ሃዋህውን ተዋሒጦም ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ኣይከኣሉን። በዚ ሒዝናዮ ክንከይድ ዝጸናሕና ኣገባብ ክንቅጽል እንተደኣ ኰይና ድማ ዕድመ መላኺ ስርዓት ክነውሕ ስቅያት ህዝብና ድማ ክብእስ ኢዩ።

ህሉው ኩነታት ክቕየር፡ ዕድመ መላኺ ስርዓት ክሓጽር፡ ስቅያት ህዝብና መወዳእታ መታን ክህልዎ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብ’ቲ ዕንክሊል ዘበለና ተሞክሮ ወጺእና ብሓዲሽ መንፈስ ክንብገስ ንኹሎም ንስርዓት ህግዲፍ ዝቃወሙ ሓይልታትን ዜጋታትን ይጽውዕ ኣሎ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ’ዚ ንቐዳምነታት ዘየማሳቕልን ንኣሉታዊ መንፈስ ውድድር ዘየተባብዕን መረዳእታ ተበጊሱ፡ ኵላትና ክንዓስሎ ዝግብኣና እማመን መጸዋዕታን የቕርብ እንሆ። ምስ’ቶም ንኣድላይነትን ህጹጽነትን ምቛም ሓደ ኤርትራዊ ጽላል ተቓውሞ ዝኣምኑ ኣካላት ከኣ፡ ብተግባር ምስራሕ መተካእታ ዘይርከቦ መንገዲ ዓወት ምዃኑ ኣሚኑ ንምዕውቱ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ተበጊሱ ኣሎ።

እቲ ዝቐውም ጽላል ኵሉ ዓቕሚ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ንኽውዕል ቀዳማይን ቀንድን ኣጀንድኡ ክኸውን’ዩ። ኩለን ኣብ ውሽጢ እቲ ጽላል ዝጥርነፋ ኣካላት ከኣ ቀዳማይን ቀንድን ኣጀንድአን ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ኮይኑ ነቲ ዝቐውም ጽላል ብኹሉ ዓቕመን ይሕግዝኦን ይተሓባበርኦን። መምዘንን መዓቀንን ዝኾነ ኣብ ውሽጢ እቲ ጽላል ዝርከብ ኣካል ከኣ፡ ክንደየናይ ዝዀነ ዓቕሚ ኣብ ምዕዋት ሓባራዊ ስራሕ የበርክት ምህላው ክኸውን እዩ።

ሰሪሕናዮ ዘለና ሰልፍታት ይኹን ጽላላት ንሓባራዊ ስራሕ ደምበ ተቓውሞ ዝሕግዝ እምበር ዝዕንቅፍ ክኸውን ኣይግብኦን። በዚ ምኽንያት፡ በቶም ኣቝምናዮም ዘለና ውድባት ይኹን ጽላላት ከይተዓንቀፍና ነቲ ዘቕረብናዮ ዕላማ ዝያዳ ትዅረት እናሃብና ኣብ ዕቱብ ልዝብ ክንኣቱን ሓደ ንመላእ ደምበ ተቓውሞ ዝጥርንፍ ኣድማዒ ኣካል ከነቕውምን መጸዋዕታና ነቕርብ ኣለና።

ዝቐውም ጽላል ይኹን ኣካል ብቐዳምነት ነዚ ዝስዕብ ዕማማት ኣብ ምርግጋጽ ክጽመድ እዩ።

1-  ምቛም ሓደ ብስም ደምበ ተቓውሞ ክዛረብ ዝኽእል ልኡኽ ወጻኢ

በበይንና እንገብሮ ዘለና ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ኣድማዒ የለን። ኵሎም እንረኽቦም ኣካላት ከኣ፡ ደምበ ተቓውሞ ብሓባር ክሰርሕ እዮም ዝምዕዱ። በዚ ምኽንያት ሓደ ብስም ደምበ ተቓውሞ ክዛረብ ዝኽእል ልኡኽ ወጻኢ ምግባር ንስራሕና ኣድማዒ ክገብሮ እዩ። ውድባት ክሳብ ሕጂ ፈጢረንኦ ዘለዋ ዝምድናታት ደው ከብልኦ ኣይኮናን። ግን ነፍሲ ወከፍ ውድብ ንምዕዋት ሓባራዊ ስራሕ ብኹሉ ዓቕማ ከተበርክት ክትሕተት እያ።

እቲ ልኡኽ ካብ ውድባት ኤርትራ ይኹን ወጻኢ ካብአን ብዝርከቡ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ብቕዓትን ተሞክሮን ዘለዎም ኣካላት ይቐውም። ንደምበ ተቓውሞ ሞራላውን ማተርያላውን ሓገዝ ንምርካብ ከኣ ምስ መንግስታትን ዘይመንግስታዊ ትካላት ዓለም ይራኸብ። ብስም ደምበ ተቓውሞ መግለጽታት የውጽእን ኣብ ዓለማዊ መጋባእያታት ንደምበ ተቓውሞ ወኪሉ ይዛረብን። እዚ ኣካል’ዚ ተሓታትነቱ ነቲ ዝቐውም ጽላል ኮይኑ ንስርሑ ኣድማዒ’ዩ ዝበሎ ስጉምታት ክወስድ ናጽነት ይህልዎ። ሓፈሻዊ መምርሒ ካብ መሪሕነት ጽላል ይረክብ ጸብጻቡ ንመሪሕነት ጽላል የቕርብ።

 

2-  ምቛም ሓደ ብስም መላእ ደምበ ተቓውሞ ክዛረብ ዝኽእል ሚድያ

በበይንና እንሰርሖ ዘለና ዜና ከም’ቲ እንብህጎ ኣድማዒ ኣይኰነን ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ንደምበ ተቓውሞ ብመላኡ ዝውክል ትካላት ዜና ከም ዝህሉ ምግባር። ነቲ ስራሕ ዘካይዱ ኣካላት ከኣ ክኢላታት ካብ ውድባት ይኹን ካብ ውድባት ወጻኢ ኰይኖም፡ ተሓታትነቶም ነቲ ዝቐውም ጽላል ይኸውን። እቲ ዝቐውም ትካል መተካኣታ ነቲ በብወገንና ንሰርሖ ዘለና ዜናዊ ስራሕ ኣይኮነን። ግን ኵሉ ዓቕምና ኣብ ምሕያል ሓባራዊ ስራሕ ከነውዕሎ ዝሓትት እዩ።

 

3-  ህዝባዊ ስርሓት ዝከተተልን ዘካይድን ኣካል

ህዝባዊ መሰረት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ምዕባይን ምስፋሕን ዝሰርሕ ሓባራዊ ኣካል ምቛም። ቀንዲ ዕማም ውድባት ኤርትራ ንህዝቢ ምምሃርን ምውዳብን ንኽቃለስ ምትብባዕን ክነሱ፡ ግቡእ ትዅረት ስኢኑ’ዩ ጸኒሑ። በዚ ምኽንያት፡ ህዝቢ ብተበግስኡ ነብሱ ክውድብ ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑ ኣሎ። ይኹን እምበር እዚ ጻዕርታት’ዚ ውን፡ ካብቲ ውድድር ዝፈቱ ሕማም ናጻ ክኸውን ኣይከኣለን። ተመሳሳሊ ስራሕ ንምስራሕ ኣብ ክንዲ ምድግጋፍ ምቁርቛስ ይርአ ኣሎ። ነዚ ኣሉታዊ ኣንፈት እናነቐፍና፡ ነቶም ብተበግሶኦም ከተማዊ ባይቶታት ኣቑሞም፡ ንዅሉ ኣብ’ታ ከተማ ዝርከብ ደላይ ለውጢ ኣኪቦም፡ ክቃልሱን ከቃልሱን ዝፍትኑ ዘለው ኣካላት ከነለልዮምን ከነተባብዖምን ይግብኣና። ኣብ’ቲ ባይቶታት ዘየቖመ ቦታታት ውን ንደምበ ተቓውሞ ዝውክል ባይቶታት ክቐውም ነተባብዕ። በዚ ኣቢልና፡ ህዝብን ውድባቱን ሓቢሩ ነዚ ኣብ እዋንና ዘሎ ቀንዲ ዕማም፡ ምውዳቕ መላኺ ስርዓት ህግድፍ ቀንዲ ውራዩ ገይሩ ክሕዞን ብዘለዎ ዓቕሚ ክቃለሰሉን ንጹር መደባት ንሓንጽጽ። እቲ ንህዝባዊ ስርሓት ዝከታተልን ዘካይድን ኣካል ካብ ውድባት ኤርትራ ክቐውም ይኽእል እዩ። ግን ምስቶም ድሮ ብተበግሶታቶም ቦታዊ ባይቶታት ኣቑሞም ዝሰርሑ ዘለው እናተሓባበረ ይሰርሕ። ተሓታትነቱ ከኣ ንመሪሕነት ጽላል ይኸውን።

 

እቲ ዝቐውም ጽላል በዞም ሰለስተ ዕማማት ይብገስ። ቀስ ኢሉ ድማ ነቲ ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝሕተት ዕማማት ከማዕብል ይኽእል ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሎም ንመጸዋዕታና ብኣወንታ ዝተቐበሉ እሞ ምሳና ክላዘቡን ኣብ ምቛም ሓደ ኤርትራዊ ጽላል እጃሞም ከበርክቱን ዝወሰኑ ኣካላት ግዜ ከይወሰደ ክላዘብን ሓቢሩ ክሰርሕን ድሉው ምህላው ድማ የረጋግጽ።

 

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!!!

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዕለት 4 ሰነ 2017

Last modified on Sunday, 04 June 2017 12:45