ኤርትራውያን ሰብ ጽሩራ ኣብ ናይ ስለያ ስግኣት

2017-05-17 08:42:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3653 times

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሰብ ማእከላይ መዓርግ ወተሃደራት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ስግኣት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።  ነቲ ኩነታት ብቤተሰባዊ መልክዕ ዝተኸታተልዎ ወገናት ካብ ኣስመራ ከም ዝሓበርዎ ስግኣት ናይዞም መኮነናት መንግስቲ ክኣስረና ይሓስብ ኣሎ ካብ ዝብል ከምዝነቅል ተጠቒሱ። በዚ መሰረት መህግደፍ ኣንጻርዞም መኮነናት ብዙሓት እሙናት ሰለይቱ ኣዋፊሩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ኣብያተ መስተን ካልእ መዘናግዒ ቦታታትን ተተከኺቦም ኣብ ዘየድሊ ቦታ ተረኺብኩም ተባሂሎም ከይእሰሩ ስለ ዝሰግኡ መብዛሕትኦም ኣብ ገዛውቶም ተዓጽዮም ክውዕሉ ከም ዝመርጹ እዚ ካብ ቤተሰብ እዞም ወተሓደራት ዝተረኽበ ሓበሬታ  የረድእ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጋሽ ቃጨሮ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዳወባሉ ከባቢ ኣብ መንጎ ገዳይም ናይ ህግደፍ ናይ ስለያ ኣካላትን ኣብቲ ቦታ ዝዓስከሩ ወተሃደራትን ዝለዓለ ምስሕሓብ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ሓቢሮም። እቲ ምስሕሓብ ናብ ምልውዋጥ ተኹሲ  ከይማዕበለ፡ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ነቶም ተተፋኒኖም ዝነበሩ ሓላፊ ስለያን ወተሃደራዊ ኣዛዝን ኣቀራሪቦም ነቲ ኩነታት ንግዜኡ ከም ዘህደእዎ እዞም ምንጭታት ገሊጾም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ንስለያዊ መርበባቱ ዝያዳ የስፈሖ ኣሎ። በዚ መሰረት እቲ ናይ ስለያ መርበባት፡ ኣብ እንዳ ሻህታት፡ ኣብያተ-ብልዒ፡ እንዳ ኣውቶቡሳት፡ ስድራ ቤታት፡ ኣብያተ-መስተ፡ እዳ መርዓን እንዳ ሓዘዝንን ብጻዕቂ ይሰርሓሉ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብ ገጠራት ኣብ ዝርከብ ባይቶታት ዓዲ እውን ሰለይቲ ከም ዝዋፈሩን ህዝቢ ኣማሪሩ ከይዛረብ ብኣፉ ንምሓዝ ይሰርሕ ከም ዘሎን በዚ ዝተማረሩ ወገናት ገሊጾም። ኣብ መብዛትኦም ኣብዚ ስረሓት ስለያ ዝዋፈሩ ወተሃደራት ህግደፍ ነይሮም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዓዲ ዝወዓሉ እዮም። እዞም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ እዞም ኣብ ስለያ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ነበር፡ ከከም መዓርጎም፡ ኣብ ወርሒ ካብ 1300 ክሳብ 250 ናቕፋ ዝኽፈሎም እዮም።

Last modified on Wednesday, 17 May 2017 10:51