4 ኤርትራውያን ተረሽኖም፡ 3 ኣብ ግጭት ተቐቲሎም

2017-05-11 19:56:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3887 times

ኣብ ዞባ ደቡብ ብ28 ሚያዝያ 2017 ኣርባዕተ ሰባት ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተረሸኑ ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ። እቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተረሸኑ ማዓሾ ገረላሰ፡ ኢብራሂም መንሱር፡ ያቆብ ኣረጋን ተስፋልደት ገብረክርስቶስን ዝተባህሉ እዮም። እቲ ምንጪ ከም ዝገለጾ እዞም ዜጋታት ዝተኸስሉ “ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ሰባት ዘሳግሩ ዝነበሩ እዮም” ዝብል ኮይኑ፡ እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ነብሶም ናይ ምክልኻል ዕድል ከም ዘይረኸቡ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ህግደፍ ባዕሉ ከሳሲ፡ ዓቃብ ሕግን ዳኛን ኮይኑ ዝወሰዶ ምዃኑ እቲ ካብ መድረኽ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ጋሽ ባርካ ዒላ ዓብደላ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ከባቢ ኣብ ሕድሕድ ግጭት 3 ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ቤት ጽሕፈት ዜና ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ሓቢሩ። እቲ ናብዚ ሞት ዘብጸሓ ምኽንያት ኣብ መንጎ ናይቲ መንግስቲ ኣባላት ስለያ ዶብን ህዝባዊ ሰራዊት ዝበሃሉ ሰብ ብረትን ዝተፈጥረ ምስሓሓብ እዩ። ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝኸውን ሕድሕድ ተኹሲ ዝተኻየደሉ፡ እቶም ኣባላት ስለያ ዶብ፡ ዓብዱ ሽፋ ብዝበሃል ካብ እትምራሕ ጋንታ ህዝባዊ ሰራዊት ሰባት ክኣስሩ ምስ ፈተኑን እታ ጋንታ ህዝባዊ ሰራዊት ኣይነእስርን ብዝብል ምስተኸላኸለት እዩ። ድሕሪ እቲ ኩነታት እቶም ኣባላት ጋንታ ህዝባዊ ሰራዊት ተበታቲኖም ካብ ሃገር ከም ዝወጹ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።

እዚ ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ብዝፈጥሮ ምፍልላያት ኣብ ውሽጢ እሙናተይ ዝብሎም እውን ምብትታንን ምድኻምን ይፍጠር ከም ዘሎ እዩ።

Last modified on Thursday, 11 May 2017 22:06