ሰደህኤ ንሆላንድ የመስግን፡ መንግስታት ኤውሮጳ ኣሰራ ክስዕቡ ይጽውዕ

2017-04-30 08:03:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2969 times

ሰልሲ ደሞክራሲ ህዝቢ  ኤርትራ (ሰደህኤ) ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተራት ኢውሮጳ ኣብ ዝለኣኾ ተደጋጋሚ መዘክራት፡ መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ 2016-2017 ነቲ ፓርላማ፡ ቤት ምኽሪ ሚንሲተራትን ናይ ፍርዲ ኣካላትን ሆላንድ ክወስድዎ ዝጸንሑ መርገጻትን ናይ 14 ማዝያ 2017 ውሳነ ከንቲባ ከተማ ቨልደሆቨን ንምእጋድ ኮንፈርንስ ደገፍቲ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ኤርትራ እንተላይ እቶም ኤሪ-ደም ዝብል መለልይ ዝለጠፉ መንእሰያት እገዳ ኣስዒቡ እዩ። እዚ ኮንፈረንስ ብላዕለዋይ ኣማኻሪ ዲክታቶር ኢሳይያስን ካብቶም ብተደጋጋሚ ሰብኣዊ መሰል ብምግሃስ  ብሕቡራት መንግስታት ብገበን ካብ ዝኽሰሱ ሓደ ከም ዝኾነ ዝግመትን የማነ ገብረኣብ ክምራሕ ዝተመደበ እዩ ነይሩ። 

ሰደህኤ ናይ ኩሉ መዘክራቱ ቅዳሕ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሆላንድ ብርት ኮየንደርስ ካብ ምስዳድ ሓሊፉ፡  ንኹሎም ብዘይምስልካይ ንወጻዒ ተግባራት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገሮም መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ክንፊ መንእሰይ ህግደፍን ክቃወሙ ንዝጸንሑ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣመስጊኑ። 

  “ብኽብረትኩም ንኣካላት ወጻዒ ኣካል ኤርትራ ኣብ ሃገራትኩም ዕድል ኣይትሃቡ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝተዳለወ፡ መዘክራት  ሰደህኤ፡ ናብ እዞም ዝስዕቡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤውሮጳ ተላኢኹ እዩ። ወ/ሮ ዋርጎት ዋልስትሮየም ናይ ሽወደን፡ ሲግማር ጋብርኤል ናይ ጀርመን፡ ቦሪስ ጆንሶን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ላዩረንት ፋቡይስ ናይ ፈረንሳ፡ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ናይ ጣልያን፡ ዲዴር ረይንደርስ ናይ በልጅም፡ ቦርጅ ብረንደ ናይ ኖርወ፡ ኣንድረስ ሳሙየልሰን ናይ ደንማርክን ዲዴር ቡርካልተር ናይ ስዊዘርላንድ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እዚ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ኤሪ-ደም እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣካል ኮንፈረንሳት ከካይድ ክፍቀደሉ ዝጸንሐ ዕድላት ብዝምልከት፡ ሰደህኤ ኣብ መዘክራቱ እዚ መደብዚ ኣተሓሳስባ ኤርትራ ዝመበቆሎም ኤውሮጳውያን መንእሰያትን ስደተኛታትን  ንምብልሻውን ንምምራዝን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጻዒ ጉጅለ ግጉይ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ምዃኑ ከመልክት ጸኒሑ እዩ።

29.04.2017 Eriblood

ኣብ ክንፊ መንእሰይ ህግደፍ ጉጅለታት ኤሪ-ደም ወርትግ ንህውከት ቅሩባት እዮም

 ከምቲ ኩሉ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ፡ እዚ ናይዚ ቀረባ ግዜ ናይ ሆላንድ ፈስቲቫል መንእሰያት ህግደፍ ብኤርትራውያን ተሓለቕቲ ደሞክራሲ ተቓውሞ ከጋጥሞ ጸኒሑ እዩ። ደገፍቲ ህግደፍ ኩሉ ግዜ ንዕግርግርን ህውከትን ዝተሰለፉ ምዃኖም ብምርዳእ፡ ደገፍቲ ደሞክራሲ ብኣንጻሩ ወትሩ ሰላማዊ ኣገባብ ተቓውሞ እዮም ዝመርጹ። እቲ መዘክራት ናይ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ደሞክራሲ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብዚ እዋንዚ በቲ ብንግስነት ሆላንድ ዝተወስደ ስጉምቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ብዙሕ ምኽንያታት ዝተባብዕ  እዩ።  

  • ተስፋ ዝህብ መርገጽ መሪሕ ሰልፍታት ሆላንድ ኣብ ፓርላማ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኤምባሲ ኤርትራን ከም ክንፊ መንእሰያት ዝኣመሰሉ መሳርሕታቱን ስጉምቲ ክውሰድ ምጽውዖም።
  • ቤት ፍርዲ ሆላንድ ኣንጻርቶም እዝንን ዓይንን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጻዕን ጸረ-ህዝብን ጉጅለ ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ምእንት ሲቪላዊ መሰል ዝተሕለቑ ሆላንዳውያንን ኤርትራዊ ስደተኛታትን ብዝፈጠርዎ ስግኣት ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ስጉምቲ።  
  • ኣገዳሲ ተዓቅቦ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሆላንድ ብዛዕባ ምክያድ ኮንፈረንስ መንእሰያት ህግደፍ 2017ን ብሓፈሻ ብላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ዝተዋህበ መፍትሒ ክሳብ ናብ ምዕጻው ኤምባሲ ኤርትራ ዝመጣጠር መጠንቀቕታን። እዚ ዝተጋህደ ድማ ኣባላት እቲ ኤምባሲ ካብ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ዘይምኽኑይ ምውጻእ ገንዘብ ካብ መበቆል ኤርትራን ስለ ዘየቋረጽዎን እዩ።
  • ናይ 14 ማዝያ 2017 ውሳነ ከንቲባ ቨልድሆቨንን እዚ ውሳነኡ ብናይ ሆላንድ ናይ ፍትሒ ቤት ፍርዲ ደገፍ ምርካቡን።

መልእኽቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ኣብ መዛዘሚ፡  መንግስታት ኤውሮጳ ንምንቅስቓስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራተን ብተገዳስነት ክከታተላን ንኤርትራውያን ተሓለቕቲ ደሞክራሲ ክሕግዛን ኣትሪሩ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ንጉጅለ ህግደፍን ናይ ህውከትን ጽልእን ኣካላቱን ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምግባእ ዕድል ከይረኽቡ ጸዊዑ። 

Last modified on Sunday, 30 April 2017 10:20