ዋዕላ መንእሰያት ህግዲፍ ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ፈልደሆቨን፡ ብዕሊ ተኸልኪሉ

2017-04-14 18:11:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2337 times

እቲ ትማሊ ዕለት 13-04-2017 ብመንእሰያት ኤርትራውያን ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ዝተመደበ ዋዕላ ስርሑ ብምኽንያት ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ደምበ ተቓውሞ ከይጀመረ ተቋሪጹ። እቲ ውሳኔ ከኣ በቲ ከንትባ ናይታ ከተማ ዝሃቦ ውሳኔ እዩ። በዚ ውሳኔ እዚ ዘይዓገበ ስርዓት ህግዲፍ ክሲ ኣቕሪቡ ሎሚ ዕለት 14-04-2017 ስዓት 15:00 ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ቤት ፍርዲ እቲ ከንቲባ ዝወሰኖ ውሳኔ ኣጽድቑ። እቲ ዋዕላ ብዕሊ ከምዝተከልከለ ተፈሊጡ ኣሎ። ከምኡ እውን እቶም ናብዚ ዋዕላ ዝመጹ ድማ ሎሚ ክሳብ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ካብቲ ሆተል ግዒዞም ክሓድሩ ከምዘለዎም ተነጊርዎም ኣሎ። ነዚ ንምክትታል ድማ ናይ ፖሊስ መኻይን ኣብ ቀጽሪ ናይ’ቲ ሆቴል ይርኣያ ኣለዋ።

 

ተሳተፍቲ ዋዕላ ነዛ ናይ ገለ ሰዓታት ዕድል ዝረኸብዎ ህዝቢ ንምድንጋር ግን ዓዲ ኣይወዓሉ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆተል ኮይኖም ኣይተኸልከልናን ንመበሊ ዝከውን ብፈስ ቡክ ኣቢሎም እናሳዕስዑ ከርእዩ ፈቲኖም። እዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ ግን፡ ንንጥፈታት ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኣውሮጳ ኣስጋኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓቢ ክስራን እዩ።

 

 

 

Last modified on Friday, 14 April 2017 20:46