ኣብ ስቶኮልም ሽወደን ሽበራዊ ቅትለት ዝፈጸመ ተኣሚኑ

2017-04-13 17:38:01 Written by  ወኪል ዜና ሰ.ዲ.ህ.ኤ. Published in EPDP News Read 3246 times

ብዕለት 07.04.2017 ኣርባዕተ ነፍሳት ዘጥፍኤን 15 ድማ ዘቁሰለን ኣሸባሪ፡ ሽዑ ንሽዑ ብጭቡጥ ምንትያት ተታሒዙ፡ ብ11 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ብኣኽባር ሕጊ ተከሲሱ ኣብ ፍርዲ ድሮ ቀሪቡ። እቲ  ወዲ 39 ዓመት ኣሸባሪቤት ፍርዲ ብዝቀረቦ ጭቡጥ መረጋገጺ ማለት ናይ ቅትለት መደቡ ቅድሚ ፍጻሙን ድሕሪ ምፉጻሙን ብቋንቋ ሩስያ ብተለፎን ካብ  ዘማሓላለፎ መልእኽትታት ዝተጠልፈ ዝርዝርብ "ክሳብ 4ተ ሰባት ቀቲለ ዕጉብ እየ ብዉጺኢቱዝብል ከምዝነበሮ ቀሪቡ። በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ  ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ወሲኑ።

ናይዚ ግብረ እከይ ኣሸባሪ ጥበቃ ድማ፡ ብዕሊ ከም ዝኣመነ ንመራኸቢ ብዙሓን ሃገር ሽወደን ብወግዒ ሓቢሩ። እቲ መርመራ ግና ጌና ምንጩን ተሓበርቱን ንምፍላጥ ቀጻሊ ምዃኑን ጊዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ። ድሮ ከኣ ሓደ ተሓባባራይ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከም ዘሎ ይፍለጥ። እዚ ወዲ  ኡዝበኪስታን ኣቦ 4ተ ቆልዑት ኮይኑ ብጸጥታ ሃገር ሽወደን  ፍሉጥ ከም ዝነበረን ኣድራሽኡ ኣብ ካልእ፣ ዝቅመጠሉ ኣብ ካልእ ኮይኑ ፡ ኣብ 2016 ዕቅባ ሓቲቱ ከም ዝተነጽገን ተሓቢኡ ይነብር ከምዝጸንሔ  ንሃገሩ ክጥረዝ ይድለ ከም ዝነበረን ፖሊስ ሓቢሩ። ናይዚ ግናይ መጥቃዕቲ ግዳይን  ሂወቶም ዝሰኣኑን  4ተ ከኣ ጓል 11 ዓመት ሽወደናዊት፡ ጓል 31 ዓመት በልጂካዊት፡  ወዲ 31 ዓመት እንግሊዛዊ ጓል 69 ዓመት ሽወደናዊት እዮም። ድሕሪ እዚ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከኣ መበል 39 ዓመት ጉባኤ ደሳዊ ዲሞክራስይዊ ሰልፊ ሃገር ሽወደን ንዉሑስ ሂወት ህዝብን ሃገርን ሽወደን ንምሕያል ክሳብ  ዓመተ 2024  ክልተ ቤት ትምህርቲ ምልመላ ፖሊስ ክኽፈት  ኣስታት 10.000 ፖሊስ ክዉሰኽ ኣሎዎ ዝብል ወሳኔ ትማሊ ዕለት 11.04.2017 ብምሉእ ድምጺ ኣሕሊፉ።

Last modified on Thursday, 13 April 2017 19:54