ናብ መንግስትን ህዝብን ሽወደን
2017-04-10 21:42:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3269 timesሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃትን ፈተውቲ ሰላምን ዝዀኑ ዜጋታት ሽወደን፡ ብ7 ሚያዝያ 2017፡ ኣብ ሕምብርቲ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን፡ እተወስደ 4 ዝሞትሉ ብዙሓት ድማ ዝቈሰልሉ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዝሰንበደን ከምዝጉሃየን ይገልጽ።
ሰዲህኤ፡ ነዚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ’ዚ ብትሪ እናዀነነ፡ ንህዝብን መንግስትን ሽወደን ብሓፈሻ፡ ንስድራ ቤት ምውታት ድማ ብፍላይ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቱ የመሓላልፍ። ነቶም ቍሱላት ድማ፡ ምሉእ ጥዕና ይምነ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
10 ሚያዝያ 2017
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290