ኣብ ባጽዕ ዝርከብ ባንክ ኤርትራ ተሰሪቑ

2017-04-01 06:41:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2855 times

ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ዝርከብ ባንክ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት 2017 ብራሻይዳ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ከም ዝተሰርቀ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ ደንጉዩ ዝበጸሓና ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ዕሉላት ሰረቕቲ ካብ ራሻይዳ ኮይኖም፤ ብለይቲ ኣብቲ ባንክ ኣብ ተረንሸዋታት (መሸመዓት) ተቛጺሩ ዝነበረ ሓድሽ ናቕፋ፡ ናይቲ ባንክ መስትያት ብጥንቃቐን ፍሉይ ጥበብን ሰይሮም ኣብ ኣይስዙ ዝዓይነተን ካይን ምስ ካልእ ንረት ጽዒኖም ከምዝወሰድዎ ተፈሊጡ።

እዞም ራሻይዳ ካብ ምጽዋዕ ብሽዕብ ሓሊፎም ብወገን ግርማይካ ናብ ሱዳን ከእትዉዎ መደብ ስለዝነበሮም፤ ምስቲ ኣብ ዓንቀጽ ግርማይካ ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ዝነበሮ ናይ ኮለነል መዓርግ ምስ ዝነበሮ ኣዛዚ’ውን ኣቐዲሞም ኣብ ረብሓ ዝተሰረተ ስምምዕ ነይርዎም። እንተኾነ እዚ ውዲታዊ ሓበሬታ ኣቐዲሙ ኣብ ኢድ ካለኦት ናይ ጠቕሚ ተወዳደርቲ ሓለፍቲ ወዲቑ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ብጠቕሚ ተዓዲ ኣብቲ ውዲት ዝነበረ ኣዛዚ ኣወጊዶም ባዕላቶም መንገዲ ዓጽዮም ጸኒሖም፡ ነተን ሰዓተን ሓልየን ዝመጻ መካይን ክኽልክልወን ምስ ፈተኑ ካብተን ገንዘብ ጽዒነን ብኻልእ ንብረት ሸፊነን ዝነበራ ሰለስተ መካይን እታ ቀዳመይቲ ነቶም ኣብቲ ሓለዋ ዝነበሩ ብተኹሲ ኣወጊዳ ምስ ጽዕነታ ናብ ሱዳን ክትሓልፍ እንከላ እተን ክልተ ግና ከም ዝተታሕዛ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳናዊት ከተማ ከሰላ ዶላር ሂብካ ከም ድላይካ እቲ ሓድሽ ናቕፋ ተሽርፈሉ ድንኳናት ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ናቕፋ ኣብ ኤርትራ ብኣዝዩ ጸቢብ መቑነን ንደቂ ሃገር ኣብ ዝወሃበሉ ኩነታት ኣብ ሱዳን ግን ከም ድላይካ ምዃኑ ንብዙሓት ዘገርም ኮይኑ፡ እቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተልዎ እዚ ኣብ ከሰላን ካኦት ከተማታት ሱዳንን ናቕፋ እንዳሃበ ዶላር ዝእክበሉ ዘሎ ድንኳናት ዋናታቱ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓላፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኖም የረጋግጹ። ባንክታት ኤርትራ ነቲ ተራ ኤርትራዊ እምበር፡ ንውሱናት ሓለፍቲ ግና ክፉት ምዃኑ እውን እቶም ተዓዘብቲ የረጋግጹ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠቕ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ብናቕፋ ክሽረፍ ዝግበኦ ዶላራት ኣብ ሱዳን ከሰላ ይኽተር ከም ዘሎ ከም ዝተኣመነ እውን ዝዝከር እዩ።

Last modified on Saturday, 01 April 2017 08:45