ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ

2016-11-08 09:45:49 Written by  ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 3726 times

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ትማሊ 6 ጥቅምቲ 2016 መበል 5ይ ጉባኤኡ  ኣብ ከተማ ኦስሎ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ንልዕሊ 7 ሰዓታት ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንኹሎም ተጋባእቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ኣሚዑ፣ መደባትን ኣጀንዳታትን ጉባኤውን ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ብምቅጻል፣ ናይ ደገፍ ቃሉ ከስምዕ ዝተዓደመ ኣቦ መንበር በርገሳዊ ማሕበር ሕብረት ኤርትራውያን ሓው ወልደኣብ ፍሰሃጼን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ናይ ዮውሃናን፣ ሰናይ ድለትን፣ ሓቢርካ ንምስራሕ ድልውነት ንሱ ዝመርሖ በርገሳዊ ማሕበርን ኣስሚዑ። ሓው ወልደኣብ 5ይ ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ ብሓደ ወገን፣ ኩነታት ህዝብና ኣብ ውሽትን ዋጻእን ሃገር ኣብ ዝገደደ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣብ ዝርከበሉ ህሞት፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ከርሲ ደምበ ደለይቲ ፍትሒውን እንተኾነ፣ ንእዋናዊ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ከምዘየሎን፣ ከምዘየድምዕን ገሩ ንኽገልጽ፣ ንናይ ናጽነት ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ጀግንነታዊ ታሪኹን ምስ ሽፍትነትን ገበንን ኣዛሚዱ ብምግላጽ ንዝተኸፍለ ረዚን ናይ ህይወት ዋጋውን እንተኾነ ብኮንቱነት ዝገልጽ፣ ንናጽነትን ልዑላውነትን ሃዝብን ሃገርን  ኤርትራውን ዘይቅበልን ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት ኣብ ዝብል ማኣዝን ዝስሕብ ብደረቱ ዝሓስብ ሓይልታት ተቀልቂሉ፣ ንማኣዝን ሃገራዊ ቃልስና ኣንፈት ንምስሓት ህርድግ ኣብዝብለሉ ኩነታት ይከየድ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ጸኒዑን ሓዪሉን ክሰርሕ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ ክብል ኣተሓሳሲቡ። ብምቅጻል ብጻይ ወልደኣብ፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቤ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ኮነ ብደረጃ ጨንፈር ኖርወይ፣ ንዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ሓይልታት ኣብ ምውህሃድን ኣብ ምቅርራብን ክጻወቶ ዝጸንሐ ታራ ዓቢይ ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ሕጅውን እንተኾነ ከይተሓለለ ክቅጽሎ ብምልባው፣ መቃልስቲ ኣሕዋት ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ሰልፍን ጽኑዓት ኣባላቱን ምዃን ድማ የሐብነናን የዅርዓናን እዩ እንክብልውን ምስጋኑኡን ኣድናቆቱን ገሊጹ።

ኣባል ፈጻሚት ሽማገለን ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝግውን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ፣ ብቀዳምነት ብሽም ኣቦ መንበር ሰልፊ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ኢሳቅ ወልደማርያምን ንተጋባእቲ ምዉቅ ሰላምታን ናይ ዕዉት ጉባኤ ሰናይ ምንዮትን ቃል ኣስሚዑ፣ ብምቅጻል ድማ ጉዕዞ ሰልፍን ዓወታቱን ድኽመታቱን ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ኣብ ዝብል ኣተኲሩ መብሪሂ ሂቡ። ኣብ መደረኡ ብፍላይ ኣብቲ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ኣብ 7ይ ዓመታዊ ኣኼባኡ ግቡእ ግምገማ ሰልፊ ብምክያድ፣ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ሰልፊ ናይ ምሕያልን ምሕዳስን መደባትን ዕማማትን ናይ ስራሕ ኣከፋፍላን ብዝምልከት ሰፊሕ መብሪሂ ብምሃብ፣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ድማ ብማዕረ ሓላፍነትን ዓቅሙ ዘፍቅዶ ኣበርክቶን ብምግባር ንትግባረ ናይዚ መደባት ዕዉት ክገብሮ ኣተሓሳሲቡን ተላቢዩን።

ብምኽታል ንጨንፈር ካብ ራብዓይ ጉባኤ ክሳብ 5 ጉባኤ ብዓቢይ ሓላፍነት መሪሑ ዘብጸሐ መሪሕነት ዓመታዊ ጸብጻባቱ ንተጋባእቲ ኣስሚዑ፣ ተጋባእትውን ዘትዮምሉን ተመያዪጦምሉን።

ድሕሪ ጸብጻባት ምስማዕን ምምይያጥን ጉባኤ ሰክረታር ጉባኤ ብምምራጽ፣ ንነውሕ ግዜ መደባትን ዝቅጽል ዓመተ ስራሕ  ክዕመሙ ዘለዎም መደባት ኣብ ምምዳብን ናይ ስራሕ መምሪሒታት ኣብ ምንዳፍን ኣሕሊፉ። ዲሕሪ ምንዳፍ ናይ ስራሕ መምሪሒታትን ምድላው ዓመታዊ መደባትን ምክፍፋል ስራሕን፣ ጉባኤ ሓዲሽ መሪሕነት ኣብ ምምራጽ ሰጊሩ፣ ኣብ ዝሕለፈ ዓመት ብሓላፍነት ንዘገልገሉ ግቡእ ምስጋና ድሕሪ ምቅራብ ድማ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪሕነት ጨንፈርን ተቆጻጻርቲ ጨንፈርን መሪጹ፣ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Tuesday, 08 November 2016 11:01