ህንጸት ምትእምማን

2016-08-23 18:20:37 Written by  Published in EPDP News Read 4029 times

Frankfurt, Germany
10 August 2016

ብኣምባሳደር ዶክተር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ

ክቡራን ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን

ኣቐዲመ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ከቕርብ እፈቱ። ኣስዒበ፡ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ ብምውዳብ፡ ነዚ ደሞክራስያዊ ምትእኽኻብ’ዚ ክዉን ብምግባሩ፡ አመጕስ። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ምሳኹም ክሳተፍ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ደስታ እስመዓኒ። ስለ’ቲ ዚቐረበለይ ዕድመ ድማ፡ ብልቢ አመስግን።

ኣብዚ፡ ኣብ ትሕቲ ህንጸት ምትእምማን ብዚብል ቴማ ዚተዳለወ ኣገዳሲ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ፡ ብዛዕባ ዕርቂ እየ ክዛረብ። ዕርቂ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ምትእምማን ኢዩ። ነዚ ናይ መእተዊ ዘረባይ፡ ብዛዕባ ትርጉም ዕርቂ ሓጺር መግለጺ ብምሃብ ክጅምሮ እየ። ኣስዒበ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕርቂ ኣብ ህሉው ኵነታት ሃገርና ኤርትራ ክዛረብ’የ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ዕርቂ ንምስፋን ዘካይዶ ጻዕሪ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ’የ።

Workshop Adhanom 2

1. ትርጉም ዕርቂ

በቲ ዚሓጸረ ትርጉሙ፡ ዕርቂ ባእሲ ወይ ጽልኢ ምውጋን ማለት ኢዩ። ንክልተ ብኡሳት ሰባት፡ ጉጅለታት፡ ውድባት፡ ሃገራት፡ ወዘተ.፡ ምትዕራቕ ወይ ናብ ንቡር፡ ዕርክነታዊ ዝምድና ምምላስ ማለት’ዩ። ኣብ መንጎ ሓዳር፡ ውሽጢሓንቲ ስድራቤት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ማሕበር፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ወይ ኣብ መንጎ ክልተ ማሕበራት፡ ክልተ ሰልፍታት፡ ክልተ ሃገራት፣ ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ተጻራሪ መርገጺታት፡ ተገራጫዊ ኣረኣእያታት ኣብ ዚህልወሉ፣ ዕርቂ ኪግበር ይከኣል። ዕርቂ፡ ምቍራጽ ባእሲ፡ ምውጋን ፍልልያት ወይ ምምላስ ናብ ንቡር ዝምድናታት የምልክት።

ቃል ብቓሉ፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ነገራት፡ ሰባት፡ ሃገራት፡ ሓሳባት፡ ስኒት ወይ ስምምዕ ምፍጣር ማለት ኢዩ። በቲ ፖለቲካዊ መዳዩ እንተወሰድናዮ ድማ፡ ኣብ ፍልልያት ናይ ኣተሓሳስባ፡ ኣረኣእያ፡ መርገጺ፡ ንዚምርኰስ ጽልኢ ኣሊኻ፣ ናብ ንቡር ዝምድናታት ብምምላስ፡ ዋላ ኣብ ኵሉ ጕዳያት ኣይትሰማማዕ፣ በቲ ዚተሓተ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ማለት በቲ ዘሰማማዓካ ነጥብታት፡ ምእንቲ ናይ ሓባር ዕላማ፡ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ንምስራሕ ምስምማዕ ማለት’ዩ።

ብመልክዕ’ዚ ኣጠማምታ’ዚ፡ ዕርቂ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ሓሳባት፡ እምነታት፡ ኵነታት ብመንገዲ ልዝብ ባእሲ ኣደቂስካ፡ ንጽልኢ ብስኒት ምትካእ ማለት ኢዩ። ዕርቂ ብዕዉት መደምደምታ ኪወጽእ ድማ፡ ፖለቲካዊ ድሌት ይሓትት። እቶም ተዋሳእቲ፡ ንዅሉ’ቲ ዘሰሓሕቦም ጕዳያት ንምፍታሕ፡ ኣብ መኣዲ ልዝብ ቀሪቦም፡ ገጽ ንገጽ ብምዝርራብ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምብጻሕ ድሉዋት ኪዀኑ የድሊ።

Workshop 3

ኣብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ኣብ ክፍለ-ዓለምና ድማ ብፍላይ፡ እቲ ከምቲ ዚዓበየ ዘመናዊ ፍጻሜ ናይ ዕርቂ ዚጥቀስ ኣብነት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ኣብ 1994 ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብቂዑ፡ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተተክአ፡ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ቈይማ ከም ዝነበረት ኵላትና ንዝክር። ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ውጽኢታት ስራሕ ናይታ ኮሚሽን፡ መዓልቲ ዕርቂ (Day of Reconciliation) ዚበሃል ሃገራዊ በዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ምእማም ነይሩ። በዚ መሰረት’ዚ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 16 ታሕሳስ ከም ሃገራዊ በዓል፡ በብዓመቱ ንዅሉ ግዜ ኪትኽበር ወሲኑ። ይዅን’ምበር፡ 16 ታሕሳስ ንመጀመርያ እዋን ኣይኰነን ከም ሃገራዊ በዓል ኪትኽበር ጀሚራ። ከም ሃገራዊ በዓል ነዊሕ ታሪኽ ጸኒሑዋ ኢዩ። ምናልባት ብዙሓት ነቲ ታሪኽ ትፈልጡዎ ትዀኑ። ናይ ሓባር መረዳእታ መታን ኪህልወና ግን፡ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣበጋግሳ መዓልቲ ዕርቂ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘረባይ ኣመግየ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገክጽ እየ።

ኣብ ትሕቲ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ 16 ታሕሳስ ካብ 1838 ኣትሒዙ፡ ከም ሃገራዊ በዓል ትኽበር ነይራ። ስለምንታይ፧

ኣብ 1838፡ ውግእ ፈልግ ንኮመ (Ncome River) ተኻይዱ። ኣብቲ ውግእ’ቲ፡ 464 ወረርቲ ኣፍሪካነርስ ወይ ባወርስ (Afrikaners/Boers) ኣንጻር ልዕሊ10,000 ተዋጋእቲ ዙሉ (Zulu warriors) ገጢሞም። ውጽኢቱ፡- ዝያዳ 3,000 ዙሉ ተቐቲሎም፡ 3 ባወርስ ቈሲሎም። እቲ ሬሳታት ኣብቲ ፈለግ ዛሕ ኢሉ፡ ንሕብሪ ናይቲ ውሕጅ ስለዚቐየሮ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ፈለግ ንኮመ፡ ፈለግ ደም ተሰይሙ። መሬት ዙሉ ብኣፍሪካነርስ ተታሒዙ። እቶም ኣፍሪካነርስ ኣብቲ ውግእ ቅድሚ ምእታዎም፡ ንእግዚኣብሄሮም ብምምህላል መብጽዓ ኣትዮምሉ ነይሮም። ኣብቲ ውግእ እንድሕሪ ስዒሮም፡ ኣብታ ቦታ ከም መዘከርታ እተገልግል ቤተ-ክርስትያን ኪሰርሑ፡ ነታ ዕለት’ቲኣ ድማ ዓመት-ንዓመት ብወግዒ ከብዕሉዋ ምዃኖም። ከምታ ዚኣተዉዎ መብጽዓ ድማ፡ ካብ 1838 ክሳብ 1994፡ 16 ታሕሳስ፡ ከም መዓልቲ መብጽዓ፡ ከም መዓልቲ ምስጋና (Day of Vow or Day of Thanksgiving)፡ ን156 ዓመታት ተኸቢራ።

Workshop 9

16 ታሕሳስ 1838፡ ነቶም ባወርስ መዓልቲ ዓወት፡ ትእምርቲ ሓበን፣ ነቶም ዙሉ ግን መዓልቲ ስዕረት፡ ትእምርቲ ውርደት; ትእምርቲ ምሕዳግ ወይ ምዝራፍ መሬቶም፡ ኢያ ነይራ። ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ድማ፡ ዓወት መግዛእታዊ ወራር፡ ስዕረት ሃገራዊ ተቓውሞ ተመልክት። ደበስ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብሳር፡ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጕባኤ (African National Congress) ኣብ 16 ትእሕሳስ 1961 ስርዓት ኣፓርታይድ ንምእላይ፡ ብረታዊ ተቓውሞ ኣበጊሱ። እቲ ወግዓዊ ማዕርነት ኵሎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ዚኣወጀ ሓድሽ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ፡ ንእማመ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ብምጽዳቕ፡ 15 ታሕሳስ መዓልቲ ዕርቂ ኪትከውን ወሲኑ፡ ዛጊት ን12 ዓመታት ዓመት-ዓመት ኪትበዓል ጸኒሓ።

ብኸምዚ ድማ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣፓርታይድ ንመብዛሕትኦም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ግናይ መዘከርታ ስዕረትን ውርደትን ትበዓል ዚነበረት ዕለት፡ ኣብ ደሞክራስያዊት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዚተኻየደ መስርሕ፡ ዛጊት ተዓዊቱ ዶ ኣሎ ኣይተዓወተን ብዘየገድስ፡ ሓድሽ መንፈስ ናይ ዕርቂ ከስፍን ሓሊኑ። በዚ መሰረት ድማ፡ 16 ታሕሳስ ከም ናይ ሓባር ሰናይ ትእምርቲ ዕርቅን ሃረርታ ሃገራዊ ንሓድነትን ዓሌታዊ ስኒትን ትኽበር ኣላ። ንሕና ካብዚ ተመክሮ’ዚ እንታይ ምህሮ ንቐስም፧ ነናይ ገዛእ ርእስና መደምደምታ ክንግበር ንኽእል። ብውሑዱ ግን፡ ዕርቂ ኣብ ፍትሒ ኪምስረት ከም ዚግባእ፣ ገበን ዚፈጸመ፡ ብጭብጢ ምስ ዚረጋገጽ፡ ፍርዱ ከልዕል፡ ኪናሳሕ፡ ኪኽሕስ፡ እቕሬታ ኪሓትት፣ ዚተበደለ ፍትሒ ኪረክብ፡ ኪከሓስ፡ ምሕረት ኪገብር፣ ኣድላዪ ምዃኑ ክንግንዘብ፡ የድሊ። ዕርቂ ዚዕላምኡ፡ ፍትሒ ዘመሓድር ፍርዳዊ መስርሕ ድማ፡ ኣራምን መሃርን’ምበር፡ ቅርሕንቲ ንምውጻእ ዚካየድ ፈዳይ ሕነን ቀጻዕን ኪኸውን ኣይግባእን።

Workhsop Andebrhan 1

 

ዕርቂ ኣብ ህሉው ኵነት ኤርትራዊ ዳያስፖራ

ኣብዚ ብዛዕባ ዕርቂ ክንዛረብ እንከሎና፡ ብደረጃ ሃገር፡ ብደረጃ ውድባት፡ ብደረጃ ሓፈሻዊ ፖለቲካ ኣልዒልና ክንዝቲ ንኽእል ኢና። ይዅን’ምበር፡ ኣነ ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዕርቂ ኣብ ዳያስፖራ ኣተኲረ እየ ክዛረብ።

ዚተፈላለዩ ኣሃዛዊ ግምታት፡ ሎሚ ኣስታት ሓደ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ስደት ወይ ኣብ ዳያስፖራ ከም ዚነብር ይሕብሩ። መብዛሕትኡ ድማ፡ ብጕዳይ ሃገሩ ሕሙም፡ ብኵነታት ህዝቡ ሕዙን፡ ብድሌቱ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሕቡር ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ዛጊት፡ ሓድሕዳዊ ዝምድናታቱ ኰነ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ብስኒት፣ ኣተሓሕዛኡ ንፍልልያት ኣረኣእያ ኰነ መርገጺ፡ ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ምጽውዋርን ዚልለ ኣይኰነን።

መብዛሕትኡ (the silent majority) ኣብ ገዛእ ጕዳዩ፡ ኣብ ውራይ ሃገሩ ዳርጋ ተዓዛቢ ኰይኑ ጸኒሑ። እቲ ኣዝዩ ውሑድ፡ ኣብ መንጎ ደጋፍን ተቓዋምን ምልካዊ ስርዓት ተመቓቒሉ ንጡፍ ተራ ኪጻወት ጸኒሑ። ንግዜኡ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ተዓዛብን ደጋፊ ምልካዊ ስርዓትን ኰይኑ ዚጸንሐ ንጐድኒ ገዲፍና፡ ንኵነታት ናይቲ ተቓዋሚ ወገን ንመርምር። እቲ ምርምር መታን ኪቐለልና፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዜናዊ ማዕከት ነጻጺልና ክንርእዮ ንፈትን። ከመይ ዚኣመሰለ ስእሊ ንረክብ፧ በብመዳዩ ተሳንዩ፡ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ፡ ብናይ ሓባር ራእይ ንናይ ሓባር ዕላማ ዚሰርሕ ወይስ ንሓድሕዱ እናተጠቓቐዐ፡ ጐድናዊ ፖለቲካዊ ቍርቍስ እናካየደ ብተናጸል ዚሰርሕ፧

ኤርትራዊ ፖለቲካ ዳያስፖራ፡ ብብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዜናዊ ማዕከናት ኢዩ ዚልለ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ኰነ ዜናዊ ማዕከናት፣ ኣብ ክንዲ ብተናጸል፡ ኣብ ብውልቃዊ ቅርሕንቲ ዚድፋእ፡ ፍረ-ኣልቦ ሓድሕዳዊ ቍርቍስን ምጥቕቓንን፡ ናብ ናይ ሓባር ዕላማ ዚቐንዐ፡ ኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ፤ ኪብገሱ ይግባእ። ምስቲ ኵሉ ፍልልያቱን ከሰንዮ ዚጸንሐ ሓድሕዳዊ ቍርቍስን ምጽልላምን፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምቅላዕን ንቑሕ ሃገራዊ ተቓውሞ ኣብ ምዅስኳስን፡ ዛጊት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ። እዚ ዅሉ ግን እኹል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ እቲ ቀንዲ ዕላማ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ደሞክራስያዊ መተካእታ ምምጻእ ስለዚዀነ።

ምልካዊ ስርዓት ቀይሩ፡ ብቅዋም እትመሓደር፡ ንዅሎም ዜጋታታ ማዕረ ናጽነታት፡ ማዕረ መሰላት፡ ማዕረ ዕድላት እተረጋግጽ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት ዘኽእል ኣድማዒ ምጥራይ ዕርቂ ይሓትት። ዕርቂ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፧ ዕርቂ ኣብ መንጎ ዜናዊ ማዕከናት። ከም ውጽኢት ናይዚ ዕርቅታት’ዚ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ውህደት ሓባራዊ ጻዕሪ ናይ ኵሉ ተዋህሊሉ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚካየድ ቃልሲ መላእ ህዝብና ተደሚሩ፡ ናብታ ኵላትና ሃረር እንብላ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ከብጽሓና ይኽእል።

Workshop 4

 

እቲ ስዒቡ ዚለዓል ሕቶ፡ ዕርቂ ብኸመይ ኣገባብ፡ በየናይ መንገዲ ዚብል ኢዩ።

  1. ጻዕሪ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ንዕርቂ ኣብ አርትራዊ ዳያስፖራ

እቲ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ጀሚሩዎ ዘሎ መስርሕ ምህናጽ ጥርኑፍ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት፡ ኣብ ናይ ሓባር ራእይ ዚተመስረተ ናይ ሓባር ሸቶ ንምውቃዕ ተበጊስና፣ ብናይ ሓባር ዋንነትን ጻዕርን ተበጊስና እንተድኣ ሰሪሕና፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ብዚሰለጠ መንገዲ፡ ዓወትና ከነረጋግጽ ዚከኣል እመስለኒ።

    1. ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እታ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ዚተኻየደ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ዚቘመት Ad-Hoc Contact Group፡ ዅለን ፖለቲካዊ ውድባት፡ እንተላይ እተን ብዚተፈላለየ ምኽንያታት፡ ኣብቲ ዋዕላ ዘይተሳተፋ፡ ዚሓቍፍ፡ ዳግማይ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ንምስልሳል ምድላዋቱ ኣብ ምጽፋፍ ይርከብ። ኵሉ’ቲ ኣድላዪ ተክኒካዊ ምቅርራብ ምስ ተማልአ ድማ፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ኪጋባእ ኢዩ። ስዒቡ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናይ ዕርቂ ምስፋንን፡ ብዚሓሸ ጥርናፈ፡ ዚተወሃሃደ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንምክያድን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡-

    1. ዓውደ-መጽናዕቲ በርጌሳዊ ማሕበራት፣

    2. ዓውደ-መጽናዕቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣

    3. ዓውደ-መጽናዕቲ ዜናዊ ማዕከናት፣

    4. ሓባራዊ ዋዕላ ናይ ኵሉ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት፣

በብምድቡ ኪከየድ መደባት ተታሒዙ ኣሎ። እዋኑ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ኣብ ግዜኡ ኪሕበርን ኪሰላሰልን ኢዩ።

ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ አመስግን!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

 

Last modified on Tuesday, 23 August 2016 20:59