ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ

2016-08-23 17:11:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 12349 times

ኣብ ዋዕላ ምህናጽ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዝቐረበ መደረ

10-12 ነሓሰ 2016

ፍራንክፈርት፡ ጀርመን

ኣስገደት ምሕረትኣብ እበሃል። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካሊፎርኒያ ዝነብር ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እየ።

ክቡር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መግስተኣብ ኣስመሮም

ክቡራት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ክቡራት ወከልቲ ዕዱማት ውድባት

ክቡራት ኣቕረብቲ መጽናዕቲን ተሳተፍቲ ዋዕላ ብሓፈሻን

ኣቐዲመ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ሓባራዊ ዘተ ተረዲኡ ነዚ ኮንፈረስ‘ዚ ከዳሉ ምብቅዑ ከሞግሶ እደሊ። ቀጺለ ኣብ‘ዚ ኮንፈረንስ‘ዚ ተረኺበ ኣስተዋጽኦይ ከበርክት ዕድል ዝሃበኒ ብልቢ አመስግን። ዕዉት ዋዕላ ክኾነልና ድማ እምነ። ምልኪ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እንከሎ፣ ሓይሊ ተቓውሞ ተጠርኒፍና ፍትሓዊ ስርዓት ክንተክል ካብ ዘየኽእሉና ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ ኣብ መንጎና ምትእምማን ዘይምህላዉ እዩ። እሞ እዚ ዋዕላ‘ዚ „ዋዕላ ምህናጽ ሓድሕዳዊ ምትእምማን“ ብዝብል ኣርእስቲ ምክያዱ ለባም ውሳኔ እዩ።

ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ „ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ“ ዝብል እዩ።

Workshop 11

ኩልና ከምእንፈልጦ እዚ ኣርእስቲ‘ዚ ኣዝዩ ዓቢ ከምምዃኑ መጠን፡ ብዙሕ ክዝረበሉ ይኽእል‘ዩ። ብዝተኻእለ መጠን ኣሕጽር ኣቢለ መበገሲ ምይይጥ ክኾነና ይኽእል ዝበልኩዎ ከቕርብ‘የ።

ብቐዳምነት ስለምንታይ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክንዛረብ ምትእምማን እንታይ ማለት‘ዩ ክንብል የድልየና።

ሚርያም ወብስተር መዝገበ ቃላት ንእምነት

Trust is assured reliance on the character, ability, strength or truth of someone or something. ማለት ኣብ ጠባይ ክእለት ሓይሊ ወይ ሓቅነት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ነገር ምሉእ እምነት ምንባር ክብል ይገልጾ።

ምትእማምን ክህሉ ይኹን ንኸይህሉ፡ ብናይ ደገን ውሽጥን ረቋሒታት ዝግዛእ‘ዩ። ኣብ ኩነታትና እንተተመልከትና‘ውን፡ ክልቲኡ ረቋሒታት ብብሩህ ንርእዮ።

ግዳማዊ ረቋሒ፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ዝተኻየደ ጽዑቕ ናይ ጸለመ ወፈራ እዩ። እዚ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሎም መለኽቲ ዝጥቀሙሉ ሜላ‘ዩ። ንዓመታት እዚኦም ኣይጠቕሙን‘ዮም፣ ከዳዓት‘ዮም ዝተበሃልናዮ፣ ህዝብና ኣብ ልዕሌና እምነት ከምዘጉድል ጌሩዎ‘ዩ።

Workshop 6

 

ውሽጣዊ ረቋሒታት ብዙሕ ጨናፍራት ኣለዎ። ገለ ነጥብታት ክጠቅስ

  1. ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሽግራትና፡ ነቲ ብጸላእትና ኣብ ልዕሌና ዝተኻየደ ጸለመ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ተቕቢልና ምቅልሑ እዩ። እቲ መላኺ ስርዓት ኣይጥቕሙን‘ዮም ይብለና፡ ንሕና ድማ ኣይንጠቅምን ኢና ክንብል ንውዕል። ኣብ ክንዲ ክንጥርነፍ ንኽእል ኢና ኢልና ንብገስ፡ ኣይንኽእልን ኢና ብምባል ንጅምር። እቲ ጸገም ንዓቒ ክንዕቕ ኣይኮነን። እቲ ጸገም እቲ ዝነዓቕ ክቕበሎ ከሎ እዩ። ኤለኖር ሮዘቨልት ዝበለቶ ውሩይ ጥቕሲ ኣሎ። „No one can make you feel inferrior without your consent“ ማለት ብዘይ ስምምዕካ ትሑት ዝገብረካ የሎን ትብል። ካልእ‘ውን፡ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኢሎሞ ዝበሃል ኣዘራርባ ኣሎ። ንሱ ድማ „ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና“ ዝብል‘ዩ። ከም ዝዝንቶ፡ ኣብ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ ከምኡ ክብሉ ከለዉ፡ ጓሂኦም ክገልጹ ዝበሉዎ‘ምበር፤ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንዘልኣለም ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና ማለቶም ኣይነበረን። ምስ ግዜ ምንዋሕ ግን፡ እቲ ዘበገሶም ምኽንያት ተረሲዑ ኣሉታዊ ትርጉም ሒዙ ከይዱ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓይሊ ተቓውሞና ንምጥርናፍ ኣብ እንካይዶ ዘሎና ቓልሲ፡ እዚ ትርጉሙ ዝቐየረ ኣበሃህላ‘ዚ ኣዝዩ ጎዳኢ ይኸውን ኣሎ። እምበኣር ቅድሚ ኵሉ ኣተሓሳስባና ከነመዓራሪ ንኽእል ኢና ብምባል ክንብገስ የድልየና። ትሒቱ ወይ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ነብሰ ተኣማምነትና ክብ ክነብል ቅጽበታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ክንጥርነፍ ዓቕሚ ከምዘሎና ምእማን የድሊ።

  2. ኣብ ሕሉፍ ምንባር፡- ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምስ ኩነታት መርገጻት ክቀያየር ንቡር‘ዩ። ኣብ ተመኩሮና ግን፡ ምስ ሓድሽ ኩነታት ንኽንጉዓዝ ኣረኣእያና ክንቅይር ንጽገም። ሓድሽ መድረኽ፡ ሓድሽ ዝምድናታት እዩ ዝፈጥር። ኣብ ሓደ መድረኽ ኣንጻር ዝነበረ ሓይልታት፡ ኣብቲ ዝስዕብ መድረኽ ክራኸብ ይኽእል። ብመጠኑ ሓይልታት ተቕዉሞና ሓድሽ ዝምድናታት ክፈጥሩ ፈቲኖም‘ዮም። ግን እቲ ኣተሓሳስባ ስለዘይቅየር እቲ ዝፍጠር ሓድሽ ዝምድናታት ነዊሕ ከይከደ ይፍንጣሕ። ፖለቲካን ቂምን መኻይዲ ኣይኮኑን። ኣባና ግን፡ ኣብ ሕሉፍ ስለእንነብር ቂምን ቅርሕንትን ሒዝና ኣብ ውዕላት ስለንኣቱ እዩ ዘይቕጽል። ኣይተበድልናን ማለት ኣይኮነን። ቂምን ቅርሕንትን ሒዝና ምንባር ግን ንቕድሚት ዘየሰጉም ናይ ሓንጎል መቑሕ ምኻኑ ተረዲእና ሓዳጋት ክንከውን ይግባእ። ሕድገት ነቲ ዝሕደገሉ ዘሎ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝሓድግ ዘሎ እዩ፡ ካብ ናይ ሓንጎል መቑሕ ሓራ ዘውጽእ። እቲ ናይ ልሳን መቑሕ ዝሰበርናዮ ንመስል። ሎሚ ኩሉ‘ቲ ክንገብሮ ዘድልየና ንብሎ ኣሎና። ናብ ተግባር ክንሰጋገር ግን ካብ‘ቲ ናይ ሓንጎል መቑሕ ኮይኑ ኣሲሩና ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክንላቐቕ የድልየና።

  3. ቅድመ ፍርዲ ምሃብ፡- እዚ‘ውን ሓደ ካብቲ ዓቢ ሽግራትና እዩ። ዉልቀ ሰብ ይኹን ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ከይተዛረበ ኣቐዲምና ንፈርዶ። መብዛሕቲኡ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ክኸይድ ከሎ፡ ክሰምዕ ዘይኮነ ክምክት ወይ ክጻረር እዩ ዝመጽእ። ንባዕሉ እቲ ቋንቋ እንጥቀመሉ‘ውን ዘለፋ ዝመልኦ ኮይኑ፡ ንዘተን ምቅርራብን ዝዕድም ኣይኮነን። ነዚ ዝገልጽ ካብ ተመኩሮና ክጠቅስ እደሊ። ድሕሪ‘ቲ ናይ 1981 ኲናት ሓድሕድ ኣብ ኮሮኮን ምስኣቶና፡ ዶር ሃብተ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣነ‘ኳ ኣይተሳተፍኩዎን ግን፡ ኣብ‘ቲ ከባቢ ነይረ ከምዝሰማዕኩዎ፡ ዶር ሃብተ ኣኼባኡ ወዲኡ ኣብ ሕቶን መልስን ምስተኣትወ፡ ናህሪ ብዝነበሮ ብዙሓት ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም። ክልተ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ኣባላት ናይ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ዝኸደ ምፍንጫል ነንበይኑ መርገጻት ዝወሰዱ፡ ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም። ዶር ሃብተ ነቲ ሓደ ንስኻ ኢሉ ክዛረብ ዕድል እንተሃቦ፡ ቅድም ንሱ ይዛረብ ኢሉ መሊሱሉ። እዚ ኣንታይ እዩ ዘርእየና፡ እቲ ብጻዩ ካብ ናቱ ዝተፈልየ መርገጽ ስለዝነበሮ፡ ከይተዛረበ እንከሎ ክቃወሞ ምውሳኑ እዩ። ከይሰምዖ እንከሎ ቅድመ ፍርዲ ብምሃብ ክቃወሞ ወሲኑ።

Workshop Asghedet 1

እቲ ናይ ሃዲእካ ምምይያጥን ሽግርካ ምፍታሕን ባህልና ናበይ ከይዱ? ወለድና ዋላ ነንበይኑ ርእይቶ እንተነበሮም „ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር ትጋገዩ ኣለኹም“ ወይ „ለባም ከምዚ ከማኹም፡ ትሕሽዎ ደኣ“ እናበሉ ዶ ኣይኮኑን ዝካትዑ ዝነበሩ? ናበይ ከይዱ እዚ ባህሊ‘ዚ ኢለ ክሓስብ ከለኹ፡ ቀንዲ ካብ‘ቲ ምኽንያታት እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎና ዘእተናዮ „ሰውራዊ ባህሊ“ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓደ ኣብነት ክጠቕሰልኩም። ብ1978 . . . ምስ ሓንቲ ብጸይተይ ናብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ንኣቱ ኔርና። ኣብኡ ትፈልጡዎም ትኾኑ ኣቦይ ኣብርሃ ዝበሃሉ ተቓላሳይ ኔሮም። ሓደ ማንጆስ ንብሎ ከኣ ወዲ 15 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ኔሩ። ናብ‘ቲ መደበር እና ኣቶና „ኣብርሃ ተራኻ‘ዩ ማይ ውረድ ክብሎም ሰሚዕና“። ብጣዕሚ ሰንቢድና ከመይልካ ከምዚ ትብሎም? ኣቦኻ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብሓጎኻ ክኾኑ ይኽእሉንድዮም ንብሎሞ „ክሊ ግደፍና። ዴስነት እኳ‘ዩ። ኩልና ሓደ ኢና“ ክብል መሊሱልና። ብዙሕ ኣብነታት ክጠቅስ ምኸኣልኩ። ከይነውሓና ግን ክገድፎ‘የ። እቲ „ሰውራዊ ባህሊ“ ዝበሃል ነቲ ክቡር ባህልና ኣብ ምጥፋእ ዓቢ ግደ ነይሩዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

  1. ርእይቶ ናይ ምቕያር መሰል ዘይምሕላው፡- ምዕብልና ርእይቶ ብምቕያር‘ዩ ዝምዝገብ። ዓለምና ኣብዚ ዘላቶ ምዕብልና ዝበጽሐት፡ ሓድሽ ምህዞታትን ሓሳባትን እናተቐበለት‘ዩ። ደቂ-ሰባት ብባህርያትና ሓድሽ ሓስባት ናይ ዘይምቕባል ጸገም (Resistance to change) ኣሎና። እዚ ድማ እንፈልጦን ዝለመድናዮን ስለዝቐለልና‘ዩ። ዓለምና‘ውን ለውጢ ብቐሊሉ ናይ ዘይምቕባል ጸገም የብላን ማለት ኣይኮነን። ጋሊለዮ ዝተባህለ ፈላስፋ ሓደስቲ ሓሳባት ምስኣቕረበ፡ ኣብ 1633 ብሮማውያን ተኾኒኑ፡ መጻሕፍቱ ከይንበብ ተወጊዱ ክሳብ ግዜ ሞቱ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ‘ዩ ሓሊፉዎ። ድሕሪ ዓመታት ግን፡ ዓለም ናይ ጋሊለዮ ሓሳባት ተቐቢላ፡ ኣብ‘ዚ ዘላቶ ስልጣኔ ክትበጽሕ ክኢላ። 

  1. ዋጋ ዕዳጋ ምግባር ከም ስንፍና ምርኣይ፡- ደቂ-ሰባት ዝተፋላለየ ርእይቶታት ክህልወና ባርያዊ እዩ። ኣብ ዕጹው መንገዲ ምስዝብጻሕ ግን ዋጋ ዕዳጋ ምግባር‘ዩ መንገዲ ዘቐጽል። ሓደ ኣብነት ካብ ታሪኽ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክጠቅስ። ጊላነት ንምድምሳስ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቓልሲ፡ እቶም ጸሊም ምሉእ ሰብ ኣይኮነን ዝብሉን ምሉእ ሰብ እዩ ዝብሉን ምስተፋጠጡ፡ ዋጋ ዕዳጋ ጌሮም። ጸሊም፡ 3/5 ማለት ሰለስተ ሕምሲት ኣይ ሰብን እዩ ኣብዝብል ተሰማሚዖም። ድሒሮም፡ ንጸሊም ከም ምሉእ ሰብ ዝቕበል ሕጊ ኣጽዲቖም። እቲ ዋጋ ዕዳጋ ዝገበርዎ መስጋገሪ ኮይኑ። ናይ እንግሊዝኛ ምስላ „ኣብ ፍርቂ መንገዲ ጽንሓኒ“ (Meet me half way) ዝብል ኣሎ። እዚ ንፍትሓዊ ቓልሲ ሕብረተሰባት ኣብ ዓወት ዘብጽሕ ዓቢ መሳርሒ እዩ። ኣብ ኩነታትና ግን፡ ንዋጋ ዕዳጋ ከም ተምበርካኽነት ንርእዮ። ውድባት ንዘተ ክእትዋ ከለዋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ መደባተን ክዕውታ ይኸዳ። መብዛሕተአን ብኸምኡ ስለዝመጻ ኸኣ ንሓድነት ንገብሮ ፈተነታት ኣይዕወትን። ምእንቲ ህዝብና ክነድሕን፡ ቀዳምነታት ሰሪዐን ዋጋ ዕዳጋ ጌረን ንቕድሚት ከሰጉማና ህጹጽ ተደላይነት ኣለዎ። ዋጋ ዕዳጋ ናይ ምግባር ክእለት ሓይሊ‘ምበር ድኽመት ኣይኮነን። መንጸፍ ምዕብልናን ሰላምን‘ዩ። መንጸፍ ሰላም ከኣ ሕድገትን ዋጋ ዕዳጋን‘ዩ።

  2. ምትእምማን ብሓባር ካብ ምስራሕ ከም ዝፍጠር ዘይምርዳእ፡- ምትእምማን፡ ብምፍላጥን ብሓባር ምስራሕን እዩ ዝምስረት። ቀዳምነታትና ብግቡእ ሰሪዕና በቲ ኣንሰማማዓሉ ሓሳባት መደባት ሓንጺጽና እንተሰሪሕና ክንተኣማመን ንኽእል። ኣብ‘ዚ መዳይ‘ዚ፡ ዘረጋገጽናዮ ዓወታት ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጀነቫን ካልኦት ቦታታትን ጽቡቕ ኣብነት‘ዩ። እቲ ጸገምና ብማዕዶ ኣብ ዝንዛሕ ናይ ጸለመ ወረታት ተመርኲስና ስለ እንፈራረድ‘ዩ። ነዚ ንምስዓር ብሓንሳብ ምስራሕ የድሊ።

  3. ናይ ምንባብ ባህሊ ዘይምህላው፡- ናይ ምንባብ ባህሊ ዘይምህላው ሓደ ካብቲ ዓቢ ጸገማትና ኮይኑ ይርኣየኒ። ኣብ ክንዲ ዕላዊ መግለጺታት ኣንቢቡ ሰብ ዝዛረብ፡ ኣንቢበ ብዝብል መን ምዃኑ ዘይፍለጥ ሰብ ዝተዘርገሐ፡ ንትርጉም ዝቕይር ወረታት ተመርኲሱ ይዛረብ። ጭቁን ህዝቢ ኩሉ ግዜ ኣብ መለኽቲ እምነት ስለዘይብሉ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ብታሕቲ ታሕቲ ዝዋፈር ወረታት እዩ ዝምርኰስ። ኣብ ዳያስፖራ አንነብር ግን፡ ብዛዕባ ኩነታት ተቓውሞና ንምፍላጥ ኣብ ወረ ክንምርኰስ ኣየድልየናን እዩ። ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ዕላዊ መግለጺታት ክነንብብ፡ ኣብ ኣኼባታት ተሳቲፍና ክንሰምዕን ክንሓትትን ብኡ መሰረት ከኣ ሚዛን ክንወስድ ይግባእ። ብመሰረቱ ኸኣ ናይ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ታሪኽ ዓለምን ሕጂ ዝኸይድ ዘሎን ብምንባብ ኢና ክንመሃሮ እንኽእል። ምንባብ ኣተሓሳስባና ከነስፍሕ ስለ ዘኽእለና።

  4. ብምኽንያት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ጸገማት ንብሎን ንገብሮን ዘይምስናይ፡- ኩሎም እነልዕሎም ጭርሖታት ቅኑዓት‘ዮም። ብግብሪ ግን ኣይስነዩን። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፡

  • ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸል ንብል። እገሌን እገሌን ስልጣን ደልዮም ኢዮም ኔው በልዎም ከኣ ንብል። ስልጣን ዝህብ ህዝቢ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ክትመርጽ ኢኻ ንእገሌን እገሌን ግን ኣይትመርጸሙን ኢኻ'ዶ ኣይኮናን ንብል ዘሎና። ወዮ ህዝቢ እዩ ዝመርጽ ንብሎ ደኣ ኣበይ ከደ?

  • ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝፈቅድ ስርዓት ክንተክል ንብል። ኩለን ዉድባት ሓደ ይኹና ከኣ ንብል። ሓደ ውድብ ምልኪ እዩ ዘምጽእ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ምልኪ ንብሎ ሰልፍታት ስለ ዘይፈቅድ እዩ። ሓደ ሰልፊ ምህላው ሓድነት ማለት ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ምሃለወ ነይሩ።

  • ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የሎን ንብል። ክሳተፋ ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ርእይቶአን እንተሃባ፡ ኣነዋሪ ጸርፍታት ተጸሪፋን ይባረራ።

  • መንእሰያት መሪሕነት ውድባት ክርከብዎ ኣለዎም ይበሃል። ዝበዝሑ መንእሰያት ግን ምእንቲ ተመኩሮ ክቐስሙ ክዉደቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ዘይምዉዳብ ከም ምዕብልና ይዉሰድ።

  • ህዝቢ ተጠርኒፉ ኣንጻር ምልኪ ክለዓል ንጽውዕ። ነቲ ስርዓት ገዲፎም ዝመጹና ኸኣ ንነጽግ።

  • ህዝቢ ክጥርነፍ ኣለዎ ንብል ውድባት ኔው በልወን ከኣ ንብል። ምጥርናፍ ማለት ምውዳብ ማለት እዩ። ዘይተወደበ ህዝባዊ ምልዕዓላት ምልኪ ክፍርስ ይኽእል‘ዩ። ቀላሲ ዘይብሉ እንተነይሩ ግን ፍትሓዊ ስርዓት ክተክል ኣይክእልን‘ዩ። ተወዲቡ ዝጸንሐ ሓይሊ‘ዩ ስልጣን ዝምንዝዕ። ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ኣብነታት ኣሎ። ኢትዮጵያን ግብጽን ክንጠቅስ ንኽእል። ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ተላዒሉ ንንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላስየ ምስኣፍረሰ፡ መተካእታ ዝኸውን ውዱብ ሓይሊ ስለዘይነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም‘ዩ ጨውዩዎ። ኣብ ግብጺ‘ውን ናይ ሙባረክ ስርዓት ድሕሪ ምፍራሱ፡ ህዝቢ ዝተመነዮ ስርዓት ኣይተተኽለን። ብመሰረቱ ድማ ዘይተወደበ ኣይዕወትን እዩ።

  • ውድባት ኣይጠቕማን ይበሃል። እዘን ዉድባት ሓድነት ዘይገብራ ከኣ ይበሃል። ዝምራሕ ዘይብሉ መራሒ የሎን። ዉድባት ይበዝሓ እንተልየን ክፍንጨል ዝደለየ መራሒ ሰዓቢ ስለዝረክብ ዘሎ እዩ። ሓድነት ከኣ ብኣዋጅ ኣይኮነን ዝመጽእ። ሓድነት ህጹጽ ጠለብና እዩ። ከም ህዝቢ ብድፍረት ንዝተጋገየ ዓገብ ክንብልን ምስ ኣባላት ካልኦት ዉድባት ክንላለን ብንሰማማዓሉ መደባት ብሓንሳብ ክንሰርሕን ይግባእ። ህዝቢ እንተተቐራሪቡ ውድባት ናብ ዘብለኦ የብለንን።

  • ኣብ መንጎ ዕርክነትን ንዓላማ ብሓንሳብ ምስራሕን ዘሎ ፍልልይ ዘይምርዳእ፡- ንፍትሒ ንቃለስ ዘሎና ኣዕሩኽ (Best friends) ክንከውን ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ውልቃዊ ሂወትና ሰሪሕና ኢና ንነብር። ምስ ኣካያዲ ስራሕና ግን ኣዕሩኽቲ ኣይኮናን። ዓርክና ክኸውን‘ውን ኣይንጽበዮን። እቲ ንስርሓሉ ትካል ክድንፍዕ ሰስራሕና ሰሪሕና ገዛና ንኸይድ። ስራሕና ብግቡእ እንተዘይሰሪሕና ንቕጻዕ ወይ ንባረር። ንፍትሓዊ ቃልስና ግን ከምቲ ናብራና እንመርሓሉ ትካል ኣይንርእዮን።

Workshop Asghedet 2

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርኩዎ ዘይንጹር ኣረዳድኣታት ናብ ፋሕ ምባልን ምፍንጫላትን ይወስደና። ጉባኤታት ኣብ ክንዲ መናሃርያ ዝኸውን መፋናጨሊ ኮይኑ ንረኽቦ። ጉባኤ ተመኩሮና ንመዝነሉ፡ ሓድሽ መደባት ንሕንጽጸሉ፡ ብሓድሽ መንፈስ ቃልስና ነሕንነሉ ክኸውን ዝግበኦ ዝበዝሕ ግዜ ናብ ምፍንጫል ይወስደና። ኩሉ ምፍንጫላት ካብ ጉባኤታትና ዝምንጨወ‘ዩ። ግቡእ ኣረዳድኣ ናይ ስልጣን ስለዘይብልናን፡ ስልጣን ምድላይ ከም ስስዐን ክትጭቁን ምድላይን ጌርና ንርእዮ። ኣብ ክንዲ ብግልጺ ንዛረበሉ ኣብ ጉባኤታት መን ንምረጽ ዝብል ሕቶ ብምስጢር ወፈራ ይካየድ። መተግበሪ ፍትሓዊ መትከል ስልጣን‘ዩ። እተን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታት ስልጣን ስለዝሓዙ እዩ። ዝኾነ ዜጋ ከኣ ስልጣን ክደሊ መሰሉ እዩ። እቲ ሕቶ ጉባኤኛታት ይመርጽዎ'ዶ ኣይመርጽዎን እዩ። እቲ ዝገርም ኣብ እንነብረሎም ሃገራት ዝካየድ ምርጫታት፡ ከይፈራሕና ንዛረብ ምዃና‘ዩ። ስለምንታይ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ብግልጺ ምዝራብ ንፈርሕ?

ኣብ መደምደምታ፡ ሓይሊ ተቓዉሞና ክንጥርንፍን ኣብ እነፍቅራ ዉልዶ ሃገርና ፍትሒ ክነግስ ኣድማዒ ተራ ክንጻወትን ጽዕቕ ወፍራ ዘተን ምንቕቓሕን ክነካይድ የድልየና። ብርእይቶይ፡ እዚ ሕጂ እነካይዶ ዘሎና ኮንፈረንስ ሓደ ካብኡ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ከም‘ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣሎ። ዝያዳ ክተባባዕ እለዎ። ብምዝታይን ጽን ኢልካ ምስማዕን ጥራሕ ኢና ናብ ናይ ሓባር ኣረኣእያ ክንበጽሕ እንኽእል።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!

ውድቀት ንምልኪ!

ክንዕወት ኢና!

ኣስገደት ምሕረትኣብ

Last modified on Wednesday, 31 August 2016 14:06