ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዝቐረበ ቃል ማሕበርን ኣሰናዳኢት ሽማግለን

2016-08-17 21:52:27 Written by  ሽማግለ ፈስቲቫል 2016 Published in EPDP News Read 2388 times

ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
ዝኸበርኩም ኣቶ ቶማስ ኪርሽነር ልኡኽ ሰልፊ ሰደኡ
ዝኸበርኩም ኣቶ ሚካኤል ሩቢን ልኡኽ ሰልፊ ኤፍደፐ
ዝኸበርክን ልኡኽ ሓምላይ ሰልፊ
ዝከበርኩም ኣቶ ቶማስ ማግኑሶን ካብ ሽወደን
ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ብሓበራ
ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልን ኣባላት ኤዲማን


ክቡር ግዜኹም ከፊልኩም ንዕድሜና ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብኣካል ምስታፍኩም ዝተሰማዓኒ ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብስመይን ብስም እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምድላው ዝጸንሐ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2016ን፡ እንዃዕ ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋናን ሰላምታን የቕርበልኩም።
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመን፣ ዓመት ዓመት ነዚ ፈስቲቫል እዚ ከሳሲ እንከሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ከም ዕላማ ኣብ ፕሮግራሙ ስለዘቐመጠ እዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ እምነትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ተበጊሱ ንኤርትራዊ ስደተኛ ከገልግል ቀዳማይ ቦታ ስለ ዘትሓዞ እዩ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዓል ውራይ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን፡ ናይ ገዝእ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን መሰረት ገይሩ ንኽላዘብ ዝተኸፍተ ማዕጾ እዩ ።

Festival2016 public 1
ኤደማ ከም ማሕበር ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ክሰርዕ እንከሎና፡ ዝረኽቦ ገንዘባዊ ደገፍ ስለዘለዎ ዘይኮነስ፣ ኣብ ጉልበትን ተውፋይነትን ኣባላቱ ተኣማሚኑ ዝዕጠቐሉ ሃገራዊ ውራይ እዩ። ስለዚ ክናኣድን ክምስገንን ዝግበኦ ንህዝቢ ዘገልግል ትርፊ ኣልቦ ትካል እዩ ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስትቫል እዚ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራትን ዝደመረ፡ እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ተጠቅሚ ምዃኑ ተገንዚቡ ቆላሕታ ክትገብርሉ ንእግረ መንገደይ እጽውዕ። ማሕበር ዘሕልፎ ዘለኹ ጸዋዒት ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍና እዩሞ፡ ኣብ ማህደር ልብኹም ኣስፊርኩም መልካዓቱ ብዘየገድስ ሓገዝኩም ከተበርክቱ የዘኻኽር ።


እዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ተግባራዊ ንክኸውን ዘኽእሎ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ እዩ። ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርሉ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ስለዝውንን ኢና፡ ተጠቀምቲ ናይዚ ብቓልሲ ዝተረጋገጸ ጸጋታት እዚ ክንከውን ዝኻኣልና። ኣብ ሃገርና እዝን ከምኡ ዝኣመሰለ መላእ ሓርነታት ስለዝቦኸረ ድማ ኢና፣ ወገሐ ጸብሐ ናብ ስደት እንውሕዝ ዘሎና።  ስለዚ ብክብ ዝበለ ድምጺ ንከንቲባ ፍራንክፎርት ፐተር ፈልድማንን ምምሕዳሩን ብስም ማሕበርናን ተሳታፋይ ናይዚ ፈስቲቫልን ምስጋናን ነማሓላልፍ። ዋላውን ብኣካል ምሳና ኣይሃልዉ ደኣ እምበር፡ ምስጋናና ብድምጽን ብጠቓዒትን ነሰንዮ።
ኤደማ ፡ ነጻነት ማሕበራዊ ልዝብ ኣብ ሃገሩ ንዝተሓሮሞ ህዝቢ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ተራኺቡ ብጉዳዩ ክዛተ ዕድል ብምኽፋቱ ከም ዓቢ ህያብ ኢና እንቆጽሮ። ብሓባር ዝተላዘበ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ሒዙ፡ ንናይ ሓባር ዕላምኡ ክምክትን ከዐውትን ይኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና፤ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፤ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገማቱ ብስኒትን ብምክብባርን ኮፍ ኢሉ ክላዘብን ዝመስሎ ፍታሓት ክድህስንን ከናድን መሰረታዊ ሃንቅውታና ስለዝኾነ መልእኽትና ካባካትኩም ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ንጽውዕ። ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ጸገማቱን ፍልልያቱን መምዩ ከማሓድርን፡ ኣብቲ ቀንዲ ሰረት መለለይኡ ዝኮነ ማሕበራዊ እምነታቱን፡ ባህሉን፡ ዝምድናታቱን ግን ክፈላለ ስለዘይግባእ፡ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ንረብሑኡ ክሰርሕ ግዜ ይጠልቦ ምህላዉ ከየገንዘብና ክንሓልፍ ኣይንደልን።


ሎሚ፡ ዝተፋላለየ ዛዕባታት ሒዞም ኣብ መኣዲ ልዝብ ዝቐርቡ ምሁራትን ምኩራት ተቓለስን ኣብ መንጎና ምህላዎን ደስ እንዳበለና፡ ተሳተፍቲ እዚ በዓል፡ ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀምሉ ተስፋ ንገብር ። ብተውሳኺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልና ንዓኻትኩም ንምእንጋድ ዘዳለዎ ሽሻይ ስለ ዘሎ ባዕልኹም ንነብስኹም ዓንግሉ። ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ፈስቲቫል 2016 ይግበረልና።

ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የመስግን።

13.08.2016

Last modified on Friday, 19 August 2016 12:31