ኤርትራውያን ምሁራትን ንጡፋትን “ምህናጽ ምትእምማን” ብዝምልከት ኣብ ፍራንክፈርት ናይ 3 መዓልታት ዋዕላ ኣካይዶም
2016-08-13 02:54:22 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 10375 timesብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወደበ፡ ምህናጽ ምትእምማን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ናይ 3 መዓልታት ዋዕላ ተኻይዱ። ኣብዚ ዋዕላ ብ10ን 11ን ነሃሰ 2016 ብዓሰርተ ሓደ ፍሉጣት ኤርትራውያን ኣገደስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም።
.
እዚ ኣገዳሲ ዋዕላ ብናይ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ቃል እዩ ተኸፊቱ። ኣቶ ተስፋይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ምስ በለ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም መኽፈቲ ቃል ንከስምዕ ዓዲምዎ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዕርቅን ሓቢርካ ምስራሕ ህጹጽነት ጠቒሱ እቲ ዋዕላ ዕዉት ንክኸውን ምንዮቱ ገሊጹ።
እቲ ዋዕላ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰደህኤ ኣለም ዮሃንስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኤርትራ ኣልኣዛር ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን እንዳትመርሐ ብዛዕባ ሽዱሽተ ኣገደስቲ መጽናጣዊ ጽሑፋት ተመያይጡ።
ኣብቲ ንትሻዕተ ሰዓታት ዝኣክል ብረቡዕ 10 ነሃሰ 2016 ዝተኻየደ ምይይጥ፡ ትርጉም ፖለቲካዊ ዕርቂ፡ ኣተገባብርኡን ጽልዋኡን ኣብ ኤርትራ፡ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጽሑፍ ብዶ/ር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣባል መሪሕነት ኤርትራዊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን ኣቶ ገ/እግዚኣብሄር ተወልደ ወኪል ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ቀሪቡ። እቲ ቀዳማይ ኣቕራቢ ኣድላይነት ምትእትታው ዕርቂ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታትን ማሕበራትን ብምጥቃስ ኣብዚ መዳይዚ ናይ ኤርትራዊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ግደ ኣቃሊሑ። ካለኣይ ኣቕራቢ ድማ ንዕርቂ ከም ሓደ ቅኑዕ መንገዲ ኣብ ምፍታሕ ግርጭት ተንቲኑ፡ ከም ኣብነት ከኣ ንይቕረ ምብህሃል ጠቒሱ። ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ከም ዝገለጽዎ እዞም ብግቡእ ተዳልዮም ብውሕሉል ኣገባብ ዝቐረቡ ጽሑፋት ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ህዝቢ ዝቐርብሉ ኩነታት ክፍጠር’ዩ።
ፕሮፍርሶር ግርማይ ነጋሽ ካብ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣቶ ዓብዱራሕማ ኣሰይድ (ኣቡ ሃሽም) ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ዝነጥፍን ብዛዕባ ኤርትራዊ ማሕበራውን ባህላውን ክብርታት ዝምልከት ኣቕሪቦም። ፕሮፍርሶር ግርማይ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ብዛዕባ እቲ ኣፍልጦኡ እንዳሃሰሰ ዝኸይድ ዘሎ ባህላዊ ሕጊ ኣብሪሁ። ኣቶ ዓብዱራሕማን ድማ ብዛዕባ ባህላዊ ክብርታት ኣብ ሕብረተሰብ ንሰላማዊ ምስግጋር ዘለዎ ግደ ኣብሪሁ።
.
ኣብ 3ይ ክፋል ኣኼባ ናይቲ ዕለት ዝቐረበ ጽሑፍ ንግደ ሚድያ ኣብ ምህናጽ ምትእምማን ዝምልከት’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ዛዕባዚ ጽሑፋት ዘቕረቡ፡ ዶ/ር ርእሶም መስፍን፡ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ ካብ ሰሜን ኣሚሪካ፡ ደራሲ ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ዝነጥፍን ኣቶ ሳልሕ ጆሃር (ቃዲ) መስራትን ዲረክተርን ናይ መርበብ ሓበሬታን ማሕበርን ዓዋተ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን እዮም። ኣብዚ ኣርእስቲ ዶ/ር ርእሶም ብዛዕባ ውሽጣዊ ዝምድና፡ ኣገዳስነት ናይ ቀረባ ግዜ ዑደቱ ናብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብቲ ቦታ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንጡፋት ዝገበሮ ርክባትን ዝምልከት ኣብሪሁ። ንነዊሕ ግዜ ናይ ለውጥን ደሞክራስን ንጡፍን ተሳታፍን ቃዲ ድማ ቅድሚ ኩሉ ኤርራውያን ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶር ብዛዕባ ዝምርሕሉ ኣገባብ ክእምቱ ይግበኦም ኢሉ።
ሓሙስ ንግሆ ምፍታሕ ግርጭት ዝብል መጽናዕቲ ብኣንበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ዶ/ር ኣልማዝ ዘርኣይ ናይ ሕክምና ምህርትን ኣባል መሪሕነት መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤውሮጳ ካብ ጀርመንን ቀሪቡ። ኣንበሳደር ኣድሓኖም ኣብቲ ዘቕረቦ ጽሑፍ ንዝሓለፈ ፍልልያት ረሲዕካ ይቕረታ ብዛዕባ ምባልን ንለውጢ ዘቀላጥፍ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋትን መብርሂ ሂቡ። ዶ/ር ኣልማዝ ብወገና ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣብ ኤርትራ መግለጺ ኣቕሪባ።
መንእሰይ በረኸትኣብ ዮሃንስ ኣባል መሪሕነት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ኤመለ) ካብ ከናዳ፡ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ፍልሰት ናብ ስደት ምኽንያትን መፍትሕታቱን ዝምልከት ንኡድ መልእኽቲ ኣቕሪቡ። እቲ ንሱ ዘቕረቦ ውሕሉል መልእኽቲ ንሰፊሕ ንግደ መንእሰያት ኣብ ምምራሕን ምዕዋትን ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝምልከት ምይይጥ ዓዲሙ።
እቲ 6ይን ናይ መወዳእታን ጽሑፍ ነቲ ቀጻሊ ዘይምትእምማን ኣብ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ዝምልከት፡ ብገዲም ተጋዳሊት፡ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ እትነጥፍን ላዕለወይቲ ካደር ሰደህኤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣስገደት ምሕረተኣብ እያ ኣቕሪባቶ። ኣስገደት ኣብዚ መጽናዕታ ነቲ ዘይምትእምማን ምኽንያት ዝኾኑ ብዙሓት ጠንቅታትን ኣፈታትሓኦምን ዝምልከት ብግቡእ ዳህሲሳ።
ኩሉቲ ዝቐርብ ዝነበረ ጽሑፋት ብሕቶን መልስን ዓሚቕ ምይይጥን ዝተሰነየ እዩ ነይሩ።
ኣቶ ፍሰሃጼን ገብረ ኣባል መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትር-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)ን ኣቶ ወደብ ቴድሮስ ኣባል ኤርትራውያን መንእሰያት ምሕዝነትን ለውጥን (ኤመምለ)ን ከምኡ እውን ሓያሎ ኣባላት መሪሕነት ሰደህኤ ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ነይሮም።
እቶም ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕረቡ ኣብ ቀዳም 13 ነሃሰ 2016 ኣብቲ ንተወከቲ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት ወሲኽካ ብዙሓት ዕዱማት ዝሳተፍዎ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት ተረኺቦም ሓፈሻዊ መብርሂ ክህቡ እዮም።