ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን

2016-08-11 23:51:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4220 times

“ናይ ሕድሕድ ምትእምማን መንፈስ ምህናጽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ብዕለት 10 ነሓሰ 2016 ልክዕ ሰዓት 09:30 ብኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃል ሰዲህኤ ኣስሚዑ። 

TesfaiDegigaብድሕር’ዚ ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሖ፤ ወይዘሮ ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ሓው መድሃኔ ህብትዝጊ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያትን ዝርከብዎ ዝመርሕዎን ዘውሃሃድዎን ብኽኢላታትን ምሁራትን ዝቐረበ ናይ መጽናዕቲ ወረቓቕቲ ናብ ተኻፈልቲ ዋዕላ ቀሪቡ። ተኻፈልቲ ዋዕላ ኣብ’ቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲ ርእይቶታትን ሕቶታትን ብምቕራብ ነቲ መጽናዕትታ ኣሀብቲሞሞ። እዚ ቀዳማይ ውዕሎ፡ ካብ ሰዓት 9፡30 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 9፡45 ናይ ምሸት ኢዩ ቀጺሉ።

Alemertramedhanie

ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ዝተዓደማ ውድባት፡ ምስ’ቲ ናይ ሰዲህኤ ዝመሳሰል መደብ ዕዮ ዘለወን ውድባት ኢየን ነይረን። ንሳተን ድማ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ተሓኤን ኢየን። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣይተኻፈላን።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስን (መድረኽ) ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደን (ሰዲህኤ) ብዛዕባ ዕርቂ፤ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያምን (ስደኤ) ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይን (መደኣኤ) ብዛዕባ ኣፈታትሓ ግጭት፤ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽን ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድን ብዛዕባ ሃለዋት ባህልታትናን ክብርታትናን፤ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ፡ ዶክተር ርእሶም መስፍንን ኣቶ ሳልሕ ጀውሃርን ብዛዕባ ተራ ሚድያ ኣብ ምህናጽ ምትእምማን፤ ኣቶ በረኸተኣብ ዮውሃንስን (EYSC- NA) ብዛዕባ ጠንቂ ስደት፡ ሳዕቤናቱን መፍትሒታቱን ጠቐምቲ ኣስተምህሮታት ዝሃቡ ወረቓቕቲ ኣቕሪቦም፡፡ መንእሰይ ወደብ ተድሮስ (EYSC) እውን ኣዝዩ ዝንኣድ ኣበርክቶ ኢዩ ገይሩ።

Workshop 1

እዚ ዋዕላ’ዚ፡ ነቲ ተቓወምቲ ውድባትና ብሓባር ንኸይሰርሑ ዓጊቱ ሒዝዎ ዘሎ ብኵራት ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ኣብ ምፍዋስን ንፍልልያት ኣብ ምጽባብን ሓጋዚ ተራ ክጻወት’ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎና።

ዝርዝር ናይቲ ዝተኻየደ ውዕሎታት ድማ፡ ሓደ ብሓደ ብተኸታታሊ ከነስዕበልኩም ኢና።

Last modified on Friday, 12 August 2016 02:01