ዓመታዊ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ሽወደን ጨንፈር ቍጽሪ 1

2016-07-09 16:09:30 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ካብ ሽወደን Published in EPDP News Read 2333 times

ልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሽወደን ጨንፈር ቍጽሪ 1፡ ቀዳም ዕለት 2 ሓምለ ዓመታዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ 18፡00 ብጽፈት ኣሰላሲሉ። ጉባኤ  ብተሳትፎ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ብተሳትፎ መሓዛ ኤርትራን መሓዛ ሰዲህኤን ዝኾነ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ከተማ ኡፕሳላ ኣቶ ካርል ሊንድበርግን በቲ ክልቲኣቶም ዝሃቡዎ ሓበሬታን፣ መግለጽታትን ደሚቑ እዩ ውዒሉ። ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ኣብ ጽባሕ እቲ ንህግደፍ ዘርዓደ፣ ንብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብምውዓሉ ፍሉይ ፍናን ዘሰነዮ ሃዋህዉ ኢዩ ነይሩ።

 

ካርል ሊንድበርግ ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ብዛዕባ ኤርትራ ተገዳስነት ዘሕደረ፣ ኤርትራውያን ተመሃሮ ናብ ሽወደን መጺኦም ትምህርቶም ከጠናቕቑ ኣብ ዝተዋህበ ዕድላት ተሳታፊ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ካርል፡ ኣብቲ ዝቕመጦ ከተማ (ኡፕሳላ) ምስ ኣባል ፓርላማ ሽወደን ነበር ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ናይ ሎሚ ናይ ሰዲህኤ ናይ ፋይናንስ ሓላፊ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕዝነት ከም ዝነበሮም ይገልጽ። ካርል ኣብ ኡፕሳላ ኒያ ቲድኒንገን (Uppsala Nya Tidningen) ዝተባህለ ጋዜጣ ብጉዳይ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ብርክት ዝበለ ዓንቀጻት ጽሒፉን ንናይቲ እዋን ናይ ሽወደን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ኣቶ ካርል ቢልድት ብዙሕ ሕቶታት ብጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን፣ ንኤርትራ ዝምልከት እገዳን ከም ዘቕረበ ገሊጹ። ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ፓርላማ ሽወደንን ሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ክፍለጥን ኣድላዪ ጸቕጢ ክግበረሉን ዝጽዕር ካርል፣ ኣብ መጋቢት 2012 ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ሰዲህኤ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ረኺቡ ከም ዘዛረቦ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ኣብቲ ናይቲ ዓመት (2012) ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፉርት ተሳቲፉ ኢዩ።

 

ኣብቲ ዓመት እቲ ኣብ ፓርላማ ሽወደን ንኤርትራ ዝምልከቱ 44 እማመታት ክቐርቡ ከለው 22 ካብኣቶም ንዳዊት ኢሳቕ ዝምልከቱ እዮም ኔሮም። ኣብዚ ብምቕጻል ካርል ይብል፣ ኣብ ሽወደን ብመንጽር ካልኦት ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት  መንግስቲ (The state) ነቲ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ወይ ህዝቢ ዘጉባዕብዕ ወይ ዝህድድ ኣይኮነን  ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ክምረጽ ዝወዳደር ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ንመንግስቲ ከም ጸላኢ ህዝቢ ይቖጽሮ።

 

ካርል ካብ ምንቅስቓሳት ጸረ ውግእ ኣብ ቬትናም ብዙሕ ጽልዋ ዘሕደረ ሰብ ኮይኑ፣ ኣብ ዩነስኮ (UNESCO) ዘላቒ ምዕባሌ (sustainable development) ንዕላማ ምዕባሌ ህዝብታት እናሰጎምካ ግን ከኣ ንባህሪ ከይሃሰኻ ዝምዝገብ ብሕቡራት ሃገራት (UN) ዝድገፍ ዕላማ ንነዊሕ ግዜ ዝሰረሐ ሕጂ ግን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኡፕሳላ ዝርከብ መሓዛ ኤርትራ ኢዩ። ድሕሪ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፉርት 2012 ካርል ምስ ረዘነን ካልኦት መሓዙት ኤርትራን ንሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ፓልመ ሰንተር ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማእከል ንዝኽሪ ኦሎፍ ፓልመ (ብ1986 ዝተቐትለ ናይ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ) ንዲሞክራስን ሰላምን ሰብኣዊ መሰልን ዝተሰረተ ትካል ኣዛሪብናስ ሰዲህኤ እውን ተዓዲሙ። ቀጺልና ብልኡኻት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ምጉጣጥ ደው ክብል ዝሓትት ክልተ እማመታት ጽሒፍና። ቀጺልና ዝገበርናዮ ምንቅስቓስ ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝምልከት እቲ ንዓይ ንካርል ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘገድሰኒ ነጥብታት ኮይኑ ኣብ ናይ ሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጉባኤ ካብ ዝቐረቡ ነጥብታት ኔሩ። ነቲ ፋሕ ዝበለ ኤርትራዊ ተቓውሞ ምኽንያት ብምግባር ፋሕ ዝበለ ኣረኣእያ ኣብ ሽወደናውያን ሰበ ስልጣን ከም ዘሎ ተዓዚብና። ኣብቲ ኣብ ጎተንበርግ ዝተኻየደ ጉባኤ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራሲ ካብ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር ዝተላእከ ናይ ሰናይ ምንዮትን ሰላምታን ደብዳቤ ብካርል ተተርጕሙ ናብ ጉባኤኛታት ተዘርጊሑ ኢዩ። እቲ ናዓይ ብዛዕባ ሰዲህኤ ኣዝዩ ዝመሰጠኒ ነገር እቲ ዘይዓመጻዊኣገባብ ቃልሲ ዝብል መርገጾምን ሓፈሻዊ ሶሻል ዲሞክራስያዊቃና ዘለዎ  ቅዋም እቲ ሰልፍን ኢዩ።

ካርል ኣቦ መንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ዝመጸሉ እዋን ረኺቡ ከም ዘዛረቦ ይገልጽ ኣብዚ ከይተወሰነ ድማ ብተበግሶኡን ተበግሶ ረዘነ ተስፋጽዮንን መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ከም ዝተራኸበ፣ ከምኡውን እቲ ፍሉጥ ኣመሪካዊ መሓዛ ኤርትራ ዳን ኮኔል ኣብ ሽወደን ኣብ ዝመጸሉእዋን፤  ነቲኣብዝተፋላለየሃገራትብምብጻሕኩነታትስደተኛታትኤርትራውያንንምስናድዝገብሮስራሕ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን ተራኺቡ  ንኽሕብር ዘኽእሎ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ሓው ካርል  ዓቢ ግደ ኣበርኪቱ ኢዩ።

ቀጺሉ ካርል ኣብዚ ከይተደረተ ረዘነን ዶ/ር ሃብተሚካኤልን ዝተረኽቡሉ ሰለስተ ርክባት ምስ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሽወደን ሰደቓ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ከም ዝገበረን እቲ ርክብ ቀጻሊ ከም ዝኾነን ገሊጹ። ኣብ መደምደምታ ሰዲህኤ ንፓልመ ሰንተር ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፉርት ክሳተፍ ዕድመ ጌሩ ከም ዘሎን ብምኽንያት በዓላት ሓጋይ ክሳተፍ ዘይምኽኣሉ ካብ ዝጸሓፉልና መልእኽቲ ክንርዳእ ክኢልና ኢሉ።

 

ካርል መግለጺኡ ብቛንቋ ሽወደን ሂቡ ምስ ዛዘመ ፣ኣቦ መንበር ሰዲህኤ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዕዉት ኣኼባ ክገበረልና ድሕሪ ምምናይ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣቕሪቡ፡-

 

ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ቅድሚ ዓመት ዝተገብረ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ሰልፊ ዘዳምቕን ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህግደፍ ዝነበሮ ፍርሒ ወጊድ ከም ዝበለ ዘረጋግጽ ሰልፊ ከም ዝነበረን ሚዛን ናብ ህቦቡላ ተቓወምቲ ሓይልታት ከም ዝተቐየረን ኣብሪሁ።

 

ቀጺሉ ኣቦ መንበር፣ ሰዲህኤ ምስ ግብረሰናይ መሓዙቱ ብዝምወል ገለ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ክኢልታታትን ዝሳተፍዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ብመድረኽ ኣብ ናይሮቢ ዝተበገሰ ርክብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ መቐጸልትኡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡምንባሩ  ገሊጹ።

 

ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወለዐ ውግእ ሰዲህኤ ከም ዝኾነኖን መሰረታዊ ፍታሕ ብመሰረት ውዕለን ፍርድን ክዛዘም ከም ዝግበኦ ገሊጹ። ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ዶ/ር ሻኖን ንምንታይ ኣብዚ ግዜዚ ንኤርትራ ከም ዝኸደት ዝበጻሕናዮ ሓበሬታ ከምዘየሎ ነጊሩ።

 

ጉባኤ ሰዲህኤ ሽወደን ጨንፈር ቍጽሪ 1 ብምቕጻል ቁጠባውን ስርዒታውን ፖለቲካውን ጸብጻብ ሽማግለ ተቐቢሉ ቃል ተቖጻጸርቲ ድሕሪ ምስማዕ ኣጽደቐ።

ቀጺሉ ጉባኤኛ ሓዳስ መሪሕነት ድሕሪ ምምራጽ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዝግበር ዞባዊ ጉባኤ ዝውክልዎ ሰለስተ ኣባላት መረጸ። እቲ ወርሓዊ ይኹን ዓመታዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ብባንክ ወይ ኤሎክትሮኒካዊ ኣገባብ ካብ ዝጅመር ዓመታት ከም ዝሓለፈ ናይ ቁጠባ ሓላፊ ኣዘኻኺሩን ቀጻሊ ምስግጋር ወይ ምኽፋልውን ብኡ ከም ዝቕጽል ሓቢሩን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ወይ ከፋሊ ዝወሃብ ምስከር ወርሓዊ ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ክወሃብ እቲ ሓላፍነት ከኣ ናብ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ቍጽሪ 2  ከም ዝመሓላለፍ ተወሲኑ።

 

ለበዋታት፡

1ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝዳሎ ዲቪዲ ተሪፉ ብዝማዕበለ ክትካእ።

2ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት ዝጀመረ ርክባት ክድፍኣሉ

3 ከምቲ ካርል ዝበሎ፡ ናብ ሽወደናዊ ትካላት ይዅን ሚኒስትሪታት ክንቀርብ ከሎና፡ ተፈላሊኹም ዝብል ነጻጊ ሓሳብ ስለ ዝመጸና፡ ሓደ ቃል ብምዃን ሓቢርና ንቐርበሉ ኣገባብ ክፍጠር ከም ዘሎዎ ምጽዓር ከም ዘድልየና።

4  ሓርበኛታት ውጉኣት ሓርነት (ኣብ ከሰላ) ነብሶም ዝኽእልሉ ኵነታት ንምፍጣር ካባና ዝድለ ምትሕብባር ምግባር።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጨንፈር ሽወደን ቍጽሪ 1

2 ሓምለ 2016፡ ኡፕሳላ፡ ሽወደን

Last modified on Saturday, 09 July 2016 18:18