ኤርትራ ካብተን ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉወን 10 ሃገራት ሓንቲ’ያ

2016-06-29 14:42:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3332 times

ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ 2015፡ 400 ሺሕ ስለ ዝበጸሐ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዘሐ ስደተኛ ዘለወን ቀዳሞት 10 ሃገራት ሓንቲ ይና ኣላ። ብዘይካዚ ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ኣብ ባሕሪ ሚዲትራንያን ዝሓቐቑ 2,800 ስደተኛታት ኤርትራውያን ከይኮን ስግኣት ኣሎ።

 

ኣብ 2015 ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብብዝሖም ኤርትራውያን፡ ደድሕሪ ሱርያውያን፡ ኣፍጋኒታናውያንን ዒራቓውያንን ዝስርዑ ምዃኖም

ትሪቡን ደ ጀነቫ፡ ዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ ዊዘርላንድ ኣብ ናይ 28 ሰነ 2016 ሕታሙ ገሊጹ

ካብቶም ብደረጃ ዓለም ኣብ 2015 ተመዛቢሎም ዘለዉ 65 ሚልዮን ሰባት፡ ዳርጋ 41 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ዝተመዛበሉ እዮም። ልዕሊ 21 ሚልዮን ድማ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተሰዲዶም ዑቕባ ዝሓተቱ እዮም። ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ብ2015 ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ናይቶም 3.2 ሚልዮን ጉዳይ ጌና መዕረፊ ኣይረኸበን።

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት፡ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ ጉዳይ ምምዝባል ኣብ ሃሃገሩ ተዘይተወጊኑ፡ እቲ ጸገም ናብ ኩሉ ክላባዕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም። ንሶም ኣብቲ 19 መስከረም 2016 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ጉባአ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ናይቲ ጸገም ርጉጽ ፍታሕ ከርከብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

Last modified on Wednesday, 29 June 2016 17:19