ዜና ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2016

2016-06-27 22:07:49 Written by  ሽማግለ ፈስቲቫል 2016 Published in EPDP News Read 2262 times

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ምስ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ብምውህሃድ ዘካይዶ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ "ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡ ብሓባራዊ ቃልስና"! ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ካብ ዕለት 12 ክሳብ 14 ነሓሰ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ኣብ ምስንዳኡ ዘሎ ሽማግለ ብዕለት 26.06.2016 ኣኼባ ኣካይዱ።

ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሂይወት ተሳተፍቲ ኤርትራውያንን መሓዙቱን ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ፡ ንህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣራኺቡ ኣብ ጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ናይ ልዝብ መኣዲ ዝኸስት ብምዃኑ፡ ዋላዃ ብዝተወሰኑ ኣካላት ይዳሎ እንተሃለወ፡  ብትሕዝቶን መልክዑን ግን ናይ ህዝቢ እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ  ፈስቲቫል ዝረብሕ ህዝቢ ካብኮነ ድማ፡ ኤርትራውያንን ኤርትራውያትን ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ውራይና ኢሎም ብዕላማን ተሳትፎን ከዐውትዎ ከምዝግባእ ሽማግለ ርእዩ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2016፡  ተሳትፎ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባት ንምርግጋጽ ኣብ ከካይዶ ዝጸንሐ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ናይ ዕድመ መልእክትታት ኣካቲቱ፣  ድሮ እውን ኣተባባዕን እወንታውን ዝኮነ መልስታት ረኺቡ ምህላዉ ኣብ ኣኼባኡ ኣርጋጊጹ።

ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ፈስቲቫል 2016 ንምስታፍ እወንታዊ መልሲ ካብዘቐደሙ ናይ ጀርመን ሰልፍታት፡ ሊበራል ዲሞክራቲክ ሰልፊን ሓምላይ ሰልፍን ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብ ሽወደን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ስራሓትን ትካላትን ብደረጃ ኣቦ-መንበርነት ክነጥፉ ዝጸንሑን ዝሰርሑ ዘለዉን ንጉዳይ ሶማልያ ብዝምልከት መጽሓፍ ዝደረሱን ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ኣቦ-መንበር ናይከተማዮተቦርግኣቦ-ወንበርናይወጻኢሽማገለማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ እውን ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣቶ ቶማስ ኣቦ-መንበር ማሕበር ሰላም ሽወደን፡ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና፡ መራሒ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ኮይኖም፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣባልን ሓደ ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ንኽቐውም ካብ ዝፈረመን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛቦም፡  ተሳትፎኦም ብደረጃ'ዚ ከበርክቱ ምዃኖም እውን ኣተምቢሆም ምህላዎም ተሓቢሩ ኣሎ።

ዋላዃ ናብ ኤርትራውያቅን ኣካላት ዝተመሓላለፈ ናይ ዕድመ ደብዳቤታት መልሲ ዝቐርበሉ ናይ ግዜ ገደብ ዘይኣኸለ እንተኾነ፡ ካብ ኤውርትራውያን ሓይልታት ክሳብ ሕጂ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ ክሳተፍዎ ምዃኖም ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣባል ፈጻሚ ኣካል ክውከሉን ነቲ መደብ ንምዕዋት ክጽዕቱ ምዃኖምን ኣብ መልእክቶም ሓቢሮም ምህላዎም ይፍለጥ። ካብዚ ብዘይፍለ ሰውራዊ ዲሞክራስያ ግንባር ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል 2016 ንምስታፍ ዘለዎም ኣወንታዊ መልሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ ኣቦ-መንበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ሓው ዓብደልቃድር ሽፋ ፈስቲቫል 2016 ንምዕዋት ከም ማሕበር ዝካኣሎም ጻዕርታት ከበርክቱ ምዃኖም ዘረጋግጽ መልእኽቱ ኣብ ኢድ ሽማግለ በጺሑ ኣሎ።

ኣብ መጠረስታ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ዘሰላሰሎም ዕማማት ድሕሪ ምምዛን፣ ኣብዚ ዝስዕብ ግዝያት ከካትቶም ዘልዎ ዕማማት ተሊሙ፡  ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2016 ካብ ዝሓለፈ ፈስቲቫላት ንላዕሊ ብዝበለጸ ኣገባብ ክስራዕን፡ መጋባእያ ዝተፈላለየ ዝምባለታትን፡ ሓሳባትን፡ እምነታትን ናይ ዘለዎም ዜጋታት ክኸውን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ብምርግጋጽ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡

ብሓባራዊ ቃልስና!

    

Last modified on Tuesday, 28 June 2016 00:17