መጽሔት ታይምስ ንኣባ ሙሴ ሓደ ካብ’ቶም ናይዚ ዓመት 100 ጸለውቲ ሰባት ሰይማቶም

2016-04-24 09:18:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 9173 times

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ሓደ ካብ’ቶም 100 ሰባት!!

 

ናይ ኣሜሪካ መጽሔት ታይምስ ንኤርትራዊ ቀሺ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ምስቶም ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ቻንስለር ኤንገላ መርክልን ፕረሲደንት ባራኽ ኣቦማን ዝርከብዎ 100 ናይዚ ዓመት ጸለውቲ ሰባት ሰይማቶም።

 

ኣባ ሙሴ ነዚ ኣፍልጦ ዝተመርጹ፡ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥፋእ ንምድሓን፡ በብግዜኡ ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ብዝገበርዎ ኣስተዋጸኦ እዩ። ንሶም ሓደ ካብቶም 5 ካብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ 100 ሰባት ዝርዝር ተጠቒሶም ዘለዉ እዮም። እቶም ዝተረፉ 4 ኣፍሪቃውያን ካብ ጋምቢያ፡ ላይበርያ፡ ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎን ደቡብ ኣፍሪቃን እዮም። ኣባ ሙሴ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ውሑዳት ንናይ ሰላም ኖበል ብልጫ ዝተሓጽዩ ተጠቒሶም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

 

ኣብ መጀመሪያ ሰሙን ወርሒ ጉንበት፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ቻይናዊ ኣይ ወይወይ ንኣባ ሙሴ ብዝምልከት ኣብ መጽሔት ታይምስ ከም ዝጸሓፍዎ፡ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ካብ 2003 ጀሚሮም ህይወት ኣብ ምድሓን ተዋፊሮም ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም። እቶም ቻይናዊ ኣተሓሒዞም ኣባ ሙሴ ኣብ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣፍሪቃ ካብ ዝተጨነቑ ስደተኛታት ክሳብ 50 ናይ ስልኪ መጸዋዕታ ከም ዝቕበሉ መስኪሮም። ምስቲ ምድሓን ህይወት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጥራይ ዕዉት ስርሓት ምፍጻሙን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ማኸላይ ባሕሪ ህይወት ኣስታት 25 ሺሕ ሰባት ጠፊኡ እዩ።

 

ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገር ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣባላት ካቶሎካዊ ማሕበረሰብ ዘገልግሉ ዘለዉ ቀሺ እዮም።

Last modified on Sunday, 24 April 2016 11:25