ኣኼባ ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

2016-04-19 06:29:48 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2964 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብዕለት 17.04.2016 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰላምታ ድሕሪ ምኽፋቱ፤ ነቲ ናይ ዕለት 03.04.2016 ኣብ ኣስመራ ብምልካዊ ስርዓት ዝተፈጸመ ቅንጸላ መንእሰያት ንምዝካር፡ ናይ ሓደ ደቒቕ ስቕታ ተጌሩ።

ካብኡ ቀጺሉ ብዛዕባ ህልዊ ኲነታት ሰልፍናን ሃገርናን ከባቢናን ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ። እቲ ዝያዳ ንኣኼበኛ ዘነደረ ድማ እቲ ናይ ኣስመራ ናይ መንእሰያት ቅንጸላ ኔሩ። ኣኼበኛ‘ውን ድማ ብትሪ ኮኒኑዎ።

ቀጺሉ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ጨንፈር ሽማግለ፡ ንሓደጋታት ጉዕዞ መንእሰያት ዝገልጽ ኣብ ቪድዮ ዝተቐርጸ ተንቀሳቓሲ ፊልም ኣቕሪቡ። እቲ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ቪድዮ ጠንቂ ስደት መንእሰያት፡ ህግደፍ ምዃኑ ዝገልጽ ፊልምን፡ መንእሰያት ኣብ ስደቶም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዘጓንፎም ዝነበረ ሓደጋታትን ዝገልጽ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ‘ውን ናይ ቃልሲ ንያትካ ዘበራብሩ ዜማታትን፡ ባዕሉ‘ውን መንእሰይ ክብሮም ነቲ ዝርአ ዝነበረ ቪድዮ ሓሓሊፉ መግለጺ እናሃበሉን ብሰፊሑ ገሊጹ።

መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡-

ብዕለት 3 ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝፈጸሞ ምርሻን ናይ መንእሰያትና ኣመልኪቱ ኣብ ቲቪ ኤረ ክዛረብ ከሎ፡ እቶም መንእሰያት ክሃድሙ ምስ ፈተኑ፡ እቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊትና ንላዕሊ ተኲሶም 2 ተሰዊኦም ገለ ድማ ተቐቲሎም ኢሉ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ዘደንጹ እዩ። ህግደፍ ንህዝቢ ከመይ ጌርካ ትጠውዮ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተሞኰሩሉ እዩ። እቲ ባዕሎም ረሺኖም ተሰዊኦም ምባል ንህዝቢ ንምድንጋርን ነቲ ዕላማ ዘሎዎ ክብረት ናይ ምስዋእ ናይ ጀጋኑና ንምጥፋእን ዝገብሩዎ ዘሎዉ ገበን እዩ። ኣብ በረኻታት ኤርትራ ክንደይ ብተኲስካ ቅተል ዝጠፍኡ ኣለዉ። ንሱ ሰብ ዝርእዮ ኣይነበረን፤ እዚ ናይ ሎሚ ግና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልስና፡ ኣነኳ ዘየርከብኩሉ እንተኾንኩ፡ ታሪኽ ቃልስና ከም ዝምስክሮ፡ ተጋደልቲ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ትረፍ እናተበሃሃሉ ብታንክታት ዝጠፍኡ ኔሮም‘ዮም። ሕጂ ግን ህግደፍ ነቲ ክቡር መስዋእቲ ዝበሃል ቃል አሕስሮን ንመደናገሪ ህዝቢ እጥቀመሉን ኣሎ። ንከምስልን ክብረት ስዉኣት ከም ዘገድሶ ክመስልን ግን ዝባን ስዉኣት እናበለ ንህዝቢ ብዘይ ሕጊ ክቕይዶ ይርአ። ሕጊ ስለ ዘይፈልጥ ዝባን ሕጊ ክብል ኣይክእልን እዩ። እቶም ስዉኣት ተመሊሶም እንተዝርእዩዎስ እንታይኮን ምበሉ? እንቋዕ ተመሊሶም ኣይርእዩዎ። እዚ ኩሉ ገበናት‘ዚ እምበኣር ውዒሎም ሓዲሮም ክሕተቱሉ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክሓቶም እዩ።

17042016DSCN0416ህግደፍ እዚ ኩሉ ገበናት እናገበረ፥ ንሕናኸ እንታ‘ዩ ግዴና ኢልና ንነፍስና ንሕተት። እቲ ናይ ኣስመራ ምርሻን ናይ መንእሰያት ምስ ተሰምዐ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ፍራንክፎርት ንዝኽሪ ናይቶም ዝተረሸኑ ተባሂሉ ሽምዓ ምውላዕ ኔሩ። ኣብኡ ብዙሓት መንእሰያት መጺኦም ኔሮም። ኣነ ግን ብዙሕ ተገሪመ። ዓመት ዓመት መንእሰያትና ጠፊኦም ኢልና ሽምዓ ንውልዕን ንቚዝምን። እቲ ፍታሕ ንሱ ድዩ? እዞም መንእሰያት እዚኣቶም እቲ ግብረ-መልሲ ናታቶም ሽምዓ ምውላዕ ጥራሕ ድዩ? ወይስ ካልእ መፍትሒ ኣሎ‘ዩ። ኣበየሎዉ እቶም ኣብ ሽምዓ ምውላዕ ተኣኪቦም ዝነበሩ መንእሰያት? ኣበየሎዉ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ሽምዓ ክውልዑ ዘምሰዩ ዓበይቲ? ግዴና ግደ መንእሰያት ሽምዓ ምውላዕ ኣይኮነን። ግዴና ተግባራዊ ቃልሲ‘ዩ። ንሕና ኣብ ዘየድሊ ሓዲግ ቦታ ጠጠው ኣይንበል። ተወዲብና ንቃለስ።

ከመይ ጌርና ኢና እንቃለስ? ንሕና ቃልሲ ዘጽንሑልና ወለዲ ኣሎዉና። ተወዲብና ቃልሲ ወለድና ንውረስ። እቶም ዓበይቲ‘ውን ከውርሱ ኣለዎም። ስለዚ ኩላትና እንታይ ክወርስ‘የ እንታይከ ከውርስ‘የ ኢልና ንሕሰብ። ህግደፍ ጽልእን ፍርሕን ጥራሕ እዩ ኣውሪሱ። ኣብ ሰራዊት ከሎና ምስ መዳቕስትና‘ውን ኣይንተኣማመንን ኔርና። እንተተዛሪብና‘ውን ብኳሌታኡ ኣውጽኣዮ ንበሃል ኔርና። ወለድና ግን ቀደም ብሕጊ ነፍሶም የመሓድሩ ኔሮም። ሕጊ በትሪ ድኻታት እያ። ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ዓድታትን ንዝተፈጥረ ግርጭታት ከይተረፈ ብዕርቂ የደቅሱ ኔሮም‘ዮም። ንሕናኸ እቲ ናይ ህግደፍ ጽልእን ፍርሕን ዘይምትእምማንን ዲና ክንወርስ ዝግበኣና ወይስ ናይ ወለድና? እቲ ንኣና ዘድልየና ዘሎ እምበኣር ባህሊ ወለድና ወሪስና፡ ውድበይ ውድብካ እናበልና ምትህልላኽ ገዲፍና ተጠርኒፍና ህዝብና ከነድሕን‘ዩ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርመኒ ድማ፡ ኣነ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ኢልና ንነፍስና ኣብ ክንዲ ንሓትት፡ 30-40 ዓመት ተቓሊሶም እንታይ ጌሮም ኢልና ንዝተቓለሱን ሕጂ ኣሪጎም ዝደኸሙን ነነኣእስ። ንሳቶምሲ ግብኦም ጌሮም፡ ንሕና መንእሰያት ግን  ኣብዚ ግዜ‘ዚ እቲ ዝኸፍአ ንገብር ኣሎና። ኣብ ህግደፍ እናኸድና ናይ ጣዕሳ ፎርም ንመልእ። እዚ ብምግባርና፡ ነቲ ዝጠፍእ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ንሞት ንፈርዶ ኣሎና። ባዕልና ኢና ንቐትሎ ዘሎና። ስለዚ ንሕሰብ ነስተውዕል።

ኣብ መወዳእታ ዘረብኡ መንእሰይ ክብሮም፡ ሓንቲ ኣብ ወጻኢ ዝዓበየት መንእሰይ ንቃልሲ ወለዳ ዝወረሰት፡ እናኣሕነቕነቐት ትግርኛን እንግሊዝኛን እናሓዋወሰት፡ ነቲ መንእሰያት ኣብ ሰሓራን ኣብ ባሕርታትን ዝጠፍኡ ዘለዉ እናገለጸት፡ መፍትሒ ካባና‘ዩ ተቢዕና ንቃለስ ብምባል ናይ ሰብኣውነትን ቃልስን ወራሲት ኮይና ዝተዛረበቶ ኣብ ቪድዮ እናኣርኣየ ተወሳኺ መግለጺ ሂቡሉ። ከም መዕጸዊ ዘረብኡ ድማ፡ ንሕና ኣብ ዓዲ ዲሞክራሲ ኣብ ጀርመን እናተቐመጥና፡ ካብኣቶም ክንመሃር ኣሎና። ብዙሓት ሰልፍታት ኣለውኦም፥ ከመይ ጌሮም ተሰማሚዖም ብሕጊ ተጠርኒፎም እኸዱ ኣለዉ ንርእዮም ኣሎና። ንሕና ድማ ነቲ ካብ ህግደፍ ዝወረስናዮ ፍርሒን ጽልእን  ኣወጊድና፡ ተጠርኒፍና፡ መንእሰያትናን ዓበይትናን ተቓወምቲ ውድባትናን ፍልልያትና ኣወጊድና ህዝብና ነድሕን፤ ሰልፍና ነዚ ዝጣበቕ ሰልፊ‘ዩ፤ ብሽምዓ ምውላዕ ዘይኮነስ ብቓልሲ ሽግርና ንፍታሕ፤ ኣብ ትርጉም ዘየብሉ ሂወት ኣይንንበር፤ ኤውሮጳውያን ሕጎም ይቕይሩዎ ኣለዉ ከምዚ ኢልና ክንነብር ኣይኮንናን፡ ስለዚ በርቲዕና ንቃለስ፤ 200 ሚልዮን ኤውሮ ዘይኮነስ ጥይት እዮም ሂቦሞ ዘለዉ ንመጥፍኢ ህዝቢ፤ ብዝብል ለበዋ መግለጺኡ ደምዲሙ።

ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛታት ነቲ መንእሰይ ክብሮም ዘቕረቦ መሃርን ንቓልሲ ዘበራብርን መደብ እናኣሞጐሱ፡ ኩላትና ተቢዕና ውፉይ ቃልሲ ከነበርክት ከም ዘሎና ለበዋታቶም ድሕሪ ምቕራብ፤ ኣኼባ ሰዓት ብዝክረ ስዉኣት ተደምዲሙ።

  

Last modified on Tuesday, 19 April 2016 08:49