ኣኼባ ኣባላት ጨንፈር ኣውስትራልያ ምስ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

2016-03-13 21:56:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2842 times

ብሰንበት ዕለት 13 ሚያዝያ 2016 ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ምስ ጨንፈር ኣውስትራልያ ኣብ ዘካየዶ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ፡ ንህልዊ ኵነታት ሃገር፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰዲህኤ ኣመልኪቱ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

 

ኣኼበኛታት ንዝተዋህበ መግለጺ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ሕቶታት፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምቕራብ ነቲ ኣኼባ ብዅሉ መዳያቱ ሃብታምን ውዕውዕን ኰይኑ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝኸውን ግዜ ከይሰልቸዎም ተኸታቲሎሞ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ በቲ ሰዲህኤ ዘካይዶም ዘለዉ ንጥፈታት ዝተሓጐሰ፡ ሓው ደስታ ተኽለ፡ ናእዳኡን ማዕዳኡን ድሕሪ ምሃብ ንሰልፋዊ ስርሓት ዝውዕል 1,000 (ሽሕ) ናይ ኣውስትራልያ ዶላር ኣወፍዩ።

ኣኼበኛታት፡ ነቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልስታት ብተዓጻጻፊ ደረጃ ንምብራኹ መብጽዓ ብምግባር ኣኼባ ተዛዚሙ።

Last modified on Sunday, 13 March 2016 23:03