ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ብጽሖት ገይሩ

2016-02-03 11:13:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2705 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ ሓው መንግሰተኣብ ኣስመሮምን ኣቦ መንበር ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፥ ሓው ጐይትኦም መብራህቱን ብሰሉስ ዕለት 2 ለካቲት 2016 ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ዓባይ ብሪጣንያ (Foreign & Commonwealth Office-FCO ) ብጽሖት ገይሮም።

 

ልኡኽ ሰልፍና ምስ ኣቶ ከይ. ስቲርስ (K.Steers) ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባ ህልዊ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞናን ሰዲህኤ ብሰፊሑ ተመያይጦም። ልኡኽ ሰልፊ፡ ኣብ ጕዳይ ስደተኛታት ብምትኳር፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከምዘሎን ናይ ኣህጕራዊ ማሕበረ ሰብ ቆላሕታ ከምዘድልዮን ጸቒጡ ተዛሪብሉ። ኣብ ኣውሮጳ ዝመጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ብመንጽር’ቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ክርአ እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑን ነዚ ድማ ኣውሮጳ ኣፍደግኣ ክትዓጹ ቅኑዕ ከምዘይኰነን ኣስሚርሉ።

 

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ህዩማን ራይትስ ዋች፡ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታትን ኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን እተሰነደ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ሓቂ ምዃኑ ልኡኽ ሰልፍና ኣረጋጊጹ። ስለ’ዚ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውሃብ ሓገዝ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምልካዊ ስርዓት ከይውዕል ቍጽጽር ዘድልዮ ምዃኑ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ።

 

ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትውሉ ማዕጾ ክሰፍሕን ነቶም ድሮ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ስደተኛታት ድማ፡ ናይ ተቐባልነቶም መስርሕ ክቀላጠፍን ብዘይፍቓዶም ናብ ሃገሮም ከይባረሩን ኣትሓሳሲቡ።

 

ኣብ ርእስ’ዚ ድማ፡ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ምድጋፍን ምትብባዕን ንመስርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንምዕዛዝ ኣገዳስነቱ ዓቢ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሩ።

 

ኣቶ ስቲርስ እውን፡ ነቲ እተዋህቦ ሓበሬታታት ለበዋታትን ብምምስጋን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከመሓላልፎ ምዃኑ ንልኡኽ ሰልፍና ሓቢሩ።

Last modified on Wednesday, 03 February 2016 13:34