ኣብ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት መላእ ኣፍሪቃ ኤርትራ፡ ግቡእ ቆላሕታ ረኺባ

2016-02-03 11:09:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2407 times

ጉዳይ ኤርትራ፡ ዋላኳ ከምቲ ብኣመንበር ሰደህኤ ብ20 ጥሪ 2016 ዝቐረበ መጸዋዕታ፡ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ኣጀንዳ ኮይኑ ተዘይቀረበ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኽየደ 6ይ ኣህጉራዊ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት ልዑል ቆላሕታ ረኺቡ እዩ። ናይዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋበአ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት ደምዳሚ መግለጺ፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዘለዎ ርክብ ንምድልዳል ጥራይ ዘይኮነ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ ጉቡእ ቆላሕታ ክህብዋን ክሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ዜጋታትን ኣጽኒዑ ንክሕዞ’ውን ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ኤርትራ ከም ብዞባዊ ትካላት ዝቀርብ ውሳነታትን መፍትሕታትን ብተደጋጋሚ ዝንጸጋ ሃገር ተወሲዳ፡ ጉዳያ ናብ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ክምራሕ ጸዊዑ።

ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ21-23 ጥሪ 2016 ዝተኻየደ 6ይ ኣኼባ፡ ልዕሊ 170 ካብ 5ቲኣን ጀኦግራፊያዊ ኩርነዓት ኣፍሪቃን ኣብ ውጻኢ ካብ ዝርከቡን በርገሳዊ ማሕበራት ዝተወከሉ ተሳቲፎም ነይሮም። ናይዚ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት ዕላማ ቅድሚ መበል 26 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምግባኡ፡ ድምጺ ኣፍሪቃውያን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምምጻእን መፍትሒ ሓሳባት ንምቕራብን እዩ ነይር። እዚ 6ይ ኣኼባ ኣብ መጻኢ፡ ምዕባለታት ሰብኣዊ ኩነታት ንምጽናዕ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘጋጥም ብደሆታት ንምክትታል ዘኽእል ዕድል ንምፍጣርን ንጹር ናይ ሓባር ርኢቶ ንምቕራብን ዝዕላምኡ ሓባራዊ ናይ በርገሳዊ ማሕበራት መድረኽ ኣቚሙ ኣሎ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እተን ፍሉይ ጸገም ከም ዘለወን ተወሲደን ዝተዘርበለን ሃገራት ኤርትራን ቡርንድን እየን።

እዚ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ምስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣባላት በርገሳዊ ማሕበራት ናይተን ጸገም ዘለወን ሃገራትን ተቐራሪቡ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ካብዚ ኣሓሊፉ እቲ ናይቲ 6ይ ኣኼባ ደምዳሚ መግለጺ ንኤርትራ ብዝምልከት እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

1፡ ጉዳይ ኤርትራ ብደረጃ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ክተሓዝን፡ ከምኡ’ውን እቲ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ብመርማሪ ኮሚተ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ተቐባልነት ክረክብ።

2፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ጉዳይ መሰልን ዜጋታትን ብግቡእ ክተሓዝን ኤርትራ ከም ኩሉ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውሳነታትን ርኢቶታትን ብተደጋጋሚ ዝጠሓሰላ ሃገር ተወሲዳ ጉዳያ ናብ መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ ክቐርብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መግለጺ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከላኸሉ ወገናት ኣበርክቶኦም ንከበርኹ ክድግፎምን ዝያዳ ከሕይሉ ከተባበዕምን ምዃኑ ዝሕብር ሓሳብ ኣስፊሩ።

AddisConference

Last modified on Wednesday, 03 February 2016 12:13