ዝኽሪ መበል 10ይ ዓመት ስውእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል

2015-12-03 13:49:17 Written by  ስድራ ቤት ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዕቕባሚካኤል Published in EPDP News Read 2946 times

ብልቢ እነፍቕሮን ዘፍቅረናን ሓውና፡ ኣቦና ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብሞት ካብ ዝፍለየና ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ  ዓሰርተ ዓመቱ ከቑጽር  ኢዩ። እዚ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ደኺመ ከይበለ፡ ብዘይ ዕረፍቲ፡ ምእንቲ ራህዋን ሰላምን ፍትሕን ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰ ሓውን ኣቦን፡ ብኣካል ካባና ይፈለ`ምበር ስራሑን ሞያኡን ታሪኹን ምሳና ብምህላዉ ሕቡናት ኢና።

ተጋዳላይ ስዩም ብመደብ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ፡ ብ17 ታሕሳስ 2005 ብሃንደበት፡ ብሕማም ልቢ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ኣስከሬኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሆላንድ ብምምጻእ ቤተ-ሰቡን ደቁን ብዙሓት መቃልስቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ30 ታሕሳስ 2005 ኣብ ፍላርዲንገን ከባቢ ሮተርዳም ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ብኣጋጣሚ ናይ ዓሰርተ ዓመቱ፡ ንእነፍቅሮ ኣቦናን ሓውናን ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል እንዝክረሉ መደብ፡ ንቀዳም 19 ታሕሳስ 2015 ኣዳሊና ስለዘሎና፡ ኣብዚ መዓልቲ ዚ ምሳና ክትውዕሉን ዘሎኩም ዝኽሪታት ከተካፍሉን ንኩሉኹም ፈተውትን መቃልስትን ስውእ ስዩም ብክብሪ ንዕድመኩም።

ስዉእና እንዝክረሉ መዓልቲ፡ ንታሪኽ ሂወቱ ዘንጸባርቕ  ዝተፈላለየ መደባት ተሰሪዕሉ ኣሎ። እቲ መደባት ብከምዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ክካየድ ኢዩ።

11.00 - 11.30 ቤተሰብን ቀረባ ኣዕሩኽቱን ፈተውቱን ኣብ መካነ-መቓብር ብምብጻሕ ዕምባባታት የንብሩ
12.00 - 13.00 ክቡራት ካህናት ነቲ ናይ መዓልቲ መደብ ብጸሎትን ቡራኬን ይጅምርዎ
13.00-13.30 ናይ ምሳሕ ግዜ
13.45 – 14.45 ንታሪኽ ሂወት ስዉእ ስዩም ዘንጸባርቕ ቪድዮ ይረአ
15.00 – 18.00 ሓጸርቲ መግለጺታት ብዛዕባ ስዉእ ስዩም ብመሳርሕቱን ናይ ነዊሕ እዋን ብጾቱን፡ ቀንዲ ተራኻይ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር ክኸውን ኢዩ
18.00 – 18.45 ናይ ድራር ግዜ
20.00 ዘለዎም ዝኽሪታት ብዛዕባ ስዉእ ከካፍሉ ንዝደልዩ ዕድል
21.30 ፍጻመ መደብ

ኣድራሻ መካነ-መቓብር                         ኣድራሻ መደባት ዝካየደሉ ህንጻ

Begraafplaats Holy

Olmendreef 150

3137 CR Vlaardingen

De Windwijzer
Schiedamseweg 95
3134 BD Vlaardingen

ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ኣብቲ መዓልቲ ብኣካል ክርከብ ዘይክእል፡ ብመልእኽቱ ክራኸብ ይኽእል ኢዩ። እትራኸብሉ ኣድራሻ ኢመይል This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. (ኣይዳ ስዩም)

ብሰላም ምጽኡ

ስድራ ቤት ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዕቕባሚካኤል

Memorial Service and get-together on 10th anniversary of the martyrdom of

Seyoum Ogbamichael (Harestay) on 19th December 2015 in Holland

Dear family and friends,

Saturday 19th December 2015 will be a special day. A day on which we’ll take the time to remember and celebrate the life of our beloved Seyoum. We kindly invite you to join us.

Please refer to the details stated below and email This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. if you’d like to be included in the programme.

Locations

Cemetery [From 11:00-11.30] Remembrance Service [Start 12.00]

Begraafplaats Holy

Olmendreef 150

3137 CR Vlaardingen

De Windwijzer
Schiedamseweg 95
3134 BD Vlaardingen
 SOM 2  

Programme

Keynote speaker Woldeyesus Ammar

11.00 - 11.30 Family and close friends gather at the cemetery to lay flowers and share a moment.
12.30 - 13.00 Priest will start the service and lead a prayer
13.00-13.30 Lunch
13.45 – 14.45 Video compilation
15.00 – 18.00 Speeches by colleagues and friends
18.00 – 18.45 Dinner
20.00 Opportunity for anyone who wants to speak/share anecdotes.
21.30

End of the service

+

Last modified on Thursday, 03 December 2015 18:52