መግለጺ ናይሮቢ 2015 ብዛዕባ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ

2015-12-02 12:47:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5174 times

1፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዲክታቶርያዊ እዩ። ኣብታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ የለን። ብደረጃ ሃገር ኮነ ከባቢ ዝካየድ ፓርላሜንታዊ ምርጫ የለን። ከምዚ ብምዃኑ ህዝቢ ዝውክል ሓጋጊ ኣካል የለን። ስርዓተ-ሕጊ የለን። ሰብኣዊ መሰል ኣይክበርን እዩ። ናይ ምቅዋም መሰል እውን የለን። እቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ይቃወሙኒ ኣብ ልዕሊ ዝብሎም ኣካላት ዘካይዶ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ቅትለትን ቀጻሊ ኣሎ። ኣብ እታ ሃገር ዘሎ ምእኩል ፖሊሲ ቁጠባ ብቀጥዒ ዘየብሉ ስራሕ ኣልቦነትን ድኽነትን ዝግለጽ እዩ። መወዳእታ ብዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና መንእሰያት ነቲ ዲክታቶር ከገልግሉን መወዳእታ ንዘየብሉ ዝኸፍቶ ውግኣቱ ዝተፈርድሉ እዩ። መንእሰያት ካብዚ ንምድሓን ብብዝሒ ሃገሮም ገዲፎም፡ ንህይወቶም ውሕስነት ብዘየብሉ ጉዕዞ፡ ህይወቶም ንምድሓንን ናይ ምንባር ቀጻልነቶም ንምርግጋጽን ይስደዱ ኣለዉ። እዚ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ነተን ዝቅበላ ሃገራት እውን ሰከም ኮይኑወን ዘሎ እዩ።

2፡ ተቓውሞ ኣንጻርዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ይዓቢ ኣሎ። እቲ ንክልቲኡ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንምውህሃድ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ርዱእ ኮይኑ፡ ነዚ መስርሕ ፈጺምካ ኣብቲ ዘድለ ውጽኢት ንምብጻሕን ውድቀት ናይቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሃጓፍ ብዘይፈጥር ንምዕዋትን ጌና ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ።

3፡ እቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ 27-29 ሕዳር 2015 ዝተኻየድ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኮንፈረንስ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ካለኦት ጉዳያትን ዘትዩ እዩ። ማለት

3፡1 ሓያልን ድኹምን ጐድኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ተቓውሞን።

3፡2 ስርዓት ኣብ ምቕያር ዘሎ ብደሆታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታትን;

3፡3 ቀጻልን ዝሓየለን ሃገራዊ ሓድነት ምርግጋጽ

3፡4 ሓቢርካ ነቶም ብደሆታት ንምምካት ዘኽእል መስርሕ ምዝርጋሕ

4፡ ተሳተፍቲ እዚ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኮንፈረንስ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ተቓውሞ ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ንምምጽኡ ዘለዎ ኣድላይነት ብምርዳእ ብሓደ ክሰርሑ ተሰማሚዖም። ማለት

4፡1 ምሕላው ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገረ ኤርትራ

4፡2 ናይ ኩሎም ደገፍቲ ደሞክራሲ ሃገራውያን ሓይልታት ኣስተዋጸኦ ናብ ናይ ሓባር ዕማም ከም ዘተኩር ምግባር።

4፡3 ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብሕገመንግስታዊ ስርዓት ምትክኡ።

4፡4 ስሩዕ ምስግጋር ንምርግጋጽ ኣድላይ ዘበለ ስጉምትታት ምውሳድ

4፡5 ግዝያዊት ናይ ርክብ ኣካል ምቛም

ሀ፡ምስ ኵሎም ተቓወምቲ ብምርኻብ መድረኽ ምስግጋር ብልሙጽ ኣገባብ ንምክያድ ዘኽእል ሓባራዊ ራእን ሓባራዊ ናይ ትግባረ መደብን ምቕራጽን ምትግባርን፤

ለ. መስርሕ ዲሞክራሲ ንምቅልጣፍ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝካፈልሉ ኣኼባ ምድላው።

5፡ ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ እተሳተፉ ውድባት፦

1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

4. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

5. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

6. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

7. ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን

8. ሰልፊ ጕባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)

9. እስላማዊ ህዝባዊ ጕባኤ ( እስላሕ)

10 ኤርትራዊ እስላማዊ ጕባኤ

11. ኤርትራዊ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ

12. ዲሞክራስያዊ ግንባር ንሓደነት ኤርትራ (ሳግም)

ናይሮቢ 29 ሕዳር 2015

Last modified on Wednesday, 02 December 2015 13:51