ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ጨንፈር ኮለንን ከባቢኡን ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

2015-05-06 06:49:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2812 times

ብዕለት 02-05-2015 ሓሙሻይ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ ቦታ ( ALLE WELTSHAUS 77-79-D 50823 Köln  ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 18.00  ዝተኻየደ ኣኼባ ብዓወት ከም ተዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ እንሆ።

CologneBranchMeeting020515 1

መኽፈቲ  ናይቲ ኣኼባ  ብሓው  ዓንደብርሃን  ዮውሃንስ  ኣቦ መንበር ጨንፈር ክኸውን  እንከሎ  ብናይ  ማእከላይ ባሕሪ ህልቂትን  ኣብ ሃገር ሊብያ ብግብረ ሽበራውያን ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ማሕረድትን ምርሻንን ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዘሎ ናይ ዕንወት ፍጻሜታትን ንውሱን ደቓይቕ  ናይ ዝኽሪ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎት ተገይሩ።


CologneBranchMeeting020515 2 

ብድሕሪዚ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብዛዕባ ህልዊ ንጥፈታት  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኵነታት  ዓለምን  መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፤ ብጉዳይ ኣባልነት ኣብ ሰልፊ እንታይ ምዃኑን ኣባል ከብሎ ዝኽእል ረቛሒታትን ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ብስፍሓት ገሊጹ።

ኣስዒቡ ብዛዕባ ምድላዋት ካልኣይ ጉባኤ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብዛዕባ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ኣብ  ፍራንክፈርትን  ዝምልከት ብስፍሕ ዝበለ መግለጺ ንኣኸበኛ ገሊጹ።


CologneBranchMeeting020515 3

ኣብ መወዳእታ ሕጽያ ንኻልኣይ ጉብኤ   ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳተፉ ኣባላት ጨንፈር ምርጫ  ብደምክራስያዊ ኣገባብ ተፈጺሙ ።

ብድሕሪዚ ኣገድሲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምሃብን ምቕባልን ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

CologneBranchMeeting020515 4

Last modified on Wednesday, 06 May 2015 08:59