ጨንፈር ማእከል (ፍራንክፈርትን ከባቢኡን) ንኡስ ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ(EPDP) ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ

2015-05-05 13:03:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2660 times

ኣብቲ ብዕለት 03-05-2015 ዓ.ም. ኣብቲ ልሙድ ወርሓዊ ኣኼባኡ ዘካይደሉ Kirch Platz Bockenheim ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ዝተኻየደ ጉባኤ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ እንሆ።

Frankfurt branch030515 1

ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉብኤ እዚ ሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር ኣገዳሲ ሓበሬታ ውድብን ዓለምን ብምግላጽ ብዝያዳ ድማ ነቲ ኣብ ሃገር ሊብያን ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ዘሎ መቕዘፍቲ ጨንፈር ማእከል መሪር ሓዘን ከም ተሰመዖ ገሊጹ። ብድሕሪኡ ብጉዳይ ምቕርራብ ካልኣይ ጉብኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን በቲ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ 2015-05-05 መጻእኩ መጻእኩ ዝብል ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት ጠቒሱ ዕቱብ ምቅርራብ ንኽግበር መግለጺ ሂቡ።

Frankfurt branch030515 2

ብድሕሪዚ ሰለስቲኦም መራሕቲ ጨንፈር ብቐደም ተኸተል ማለት ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበርን ሓፍቲ ፈቨን ጊደዎን ዋና ጸሓፊትን ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብን በበቲ ዝምልከቶም ምምሕዳራዊ ሸነኻቶም ብጽፉፍን ምዕቡልን ኣገባብ ጸብጻቦም ኣቕሪቦም።

ድሕሪዚ ጉባኤኛ በቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ መሰረት ምሉእ ዕግበት ስለ ዝረኸበ ብምድግጋም ኣመስገኖምን ኣመጎሶምን። ኣብዚ ጉብኤዚ ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኻፊሉ ስለ ዝነበረ ነቲ ዝተሰርሔ ጽፉፍ ስራሕ ብምምጓስ ንመጻኢ እዋን ካብዚ ንላዕሊ ክሰርሑ ሃናጺ ምኽሩ ለገሰሎም።


Frankfurt branch030515 3ብድሕሪዚ ጉብኤኛ ብሓደ ድምጺ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽፉፍ ስራሕ ብምግንዛብ እዚ ጨንፈር እዞም ዝነበሩ ሰለስተ ሽማግለ እንደገና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክምረጹ ናይ ጉብኤኛ ድልየትን ዕግበትን ስለ ዝኾነ እንደገና መረጾም።

ብዘይካ እዞም ሰለስተ ዝተመርጹ ሽማግለ ጨንፈር እዚ ጨንፈር እዚ ሰፊሕ ብምዃኑ ብዙሕ ዕማማት ስለ ዘለዎን በዞም ሰለስተ ሽማግለ ዝመሓደሩ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሽማገለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ጉብኤ ወሲኹ መሪጹ።

Frankfurt branch030515 4ኣብ መወዳእታ ብጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊን ብጉዳይ ኣብ ፍራንክፈርት ዝግበር ናይ ሰማእታት ማእከላይ ባሕሪን ቅዝፈትን ናይቶም ብግብረ ሽበራ ዝተገብረ ኣስካሕካሒ ቅትለትን ንዕለት 09-05-2015 ሰዓት 14.00 ሓብረኤታ ብምሃብን፡ ከምኡውን ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋን ብምሃብ ዝኽሪ ስዉኣት ጉባኤ ብዓወት ተዛዘመ።

Frankfurt branch030515 5

Last modified on Tuesday, 05 May 2015 23:48