ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ንመሪሕነት ሰዲህኤ ዝሕጸዩ ኣባላት ንምምራጽ ዘካየዶ ኣኼባ (ዝተኣረመ)
2015-04-27 21:44:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2664 timesሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትን (Frankfurt) ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ራብዓይ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ዕለት 19.04.2015 ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ ልሙድ ኣዳራሽ መኣከቢኡ Kirch Platz Bockenheim ከተማ Frankfurt A.M. ብዕለት 19-04-2015 ዓ.ም. ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 17.30 ዝወሰደ ዕዉት ኣኼባ ከም ዘካየደ ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።
ኣቶ ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር ማእከል ንኣባላት ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ርሑስ ብዓል ፋሲካ ይግበረልኩም ብምባል'ዩ ንኣኼባ ከፊትዎ። ኣስዒቡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣገዳሲ ሓበሬታት ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ።
ብምቕጻል ኣቶ ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ንናይ ዕለት 19.04..2015 ኣኼባ ጨንፈር ማእከል ኣጀንድኡ ምሕጻይ ኣባላት መሪሕነት ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ኢዩ ነይሩ። ሓጻይት ሽማግለ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ዓንቀጽ (6.1.17 ) ብማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቖመት ኣካል ኢያ። መልእኽቲ ሓጻይት ሽማግለ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተኣታተወ ኣጋባብ ኣማራርጻ ንማእከልያ ሽማግለ ዝምረጹ ኣባላት ሰልፊ፡ ካብ ታሕቶዋይ ጽፍሒ ስርርዕ ክሳብ ላዕሎዋይ ስርርዕ ኩሎም ኣባላት ሐደ መሰል ሃልይዎም ዝሓጽይሉን ዝሕጸይሉን መስርሕ ሰነድ እዩ። እቲ ኣጀንዳ ብመሰረቱ ዓቢ ኣጀንዳ ብምንባሩ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ሕጹያት ምስሊ ኤርትራ ክህልዎም ስለዘሎዎ ልቦና ዝመልኦ ሕጽያ ተኻይዱ።
ኣብ መወዳእታ ጨንፈር ማእከል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገር ጀርመን ኣብዚ ቅንያት ንዘጋጠመ ሐደጋታትን ኣረመኒያዊ ተግባርትን ኣብ ማእከላይ ባሕርን፡ ገማግም ባሕሪ ሃገረ ሊብያን፡ ኮምኡውን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ ንኹሎም በተሰብ በዚ ጉዳያትዚ ዝተጠቅዑ ብዘይ ዜጋዊ ፍልልይ ጽንዓት ይሃቦም ይብል፡፡
ኣኼባ ለበዋታቱ ብምትሕልላፍ ፡ ብዝሕሪ ሰማእታት ተዛዚሙ።