መሪር ናይ ሓዘን መግለጺ
2015-04-22 18:25:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3258 timesካብ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 18 ሚያዝያ 2015 ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝጠሓሉ 850 ስደተኛታት 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቃል ውሃቢ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ፡ ካብ'ቲ ኣብ ሊብያ ብጥሩፍ ናይ ሽበራ ሓይሊ ዝተሓርዱ ስደተኛታት፡ ሓደ ኤርትራዊ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) በዚ ኣሰንባዲ ተረኽቦ'ዚ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘንን ጓህን እናገለጸ፡ ንመወቲ መንግስተ-ሰማይ፡ ንቤተሰቦምን ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ጠሉ ውን የውርደሎም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
22 ሚያዝያ 2015