ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰደህኤ መስርሕ ምርጫ ናብ ጉባአ ጀሚሩ

2015-04-21 14:17:21 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2343 times

ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ኣብ 18 ማዝያ 2015 ኣብ ዘካየዶ መበል 12 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም መስርሕ ምርጫ ተሳተፍቲ ጉባአ ከም ዝተጀመረ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ኣኼባኡ እዚ መስርሕ፡ ኣብ ምዕዋት ጉባአ እጃሙ ልዑል ምዃኑ ብምርዳእ ኣባላት ሰልፊ ብትግሃትን ሓላፍነትን ክሳልጥዎ ጸዊዑ። እዚ ሽማግለ ናይ ክሳብ ሕጂ ተሳትፎ ኣባላት ንኢዱ ንመጻኢ ቀጻሊ ምዃኑ ከም ዝተኣማመን እውን ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ገጻት ናይቲ ምድላው እውን፡ ንንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝምልከት ናይ ኣባላት ምይይጥ ተፈጺሙ ንሰልፋዊ ቅዋም ዝምልከት እውን ብጽፉፍን ልዑል ተሳትፎ ኣባላትን ይቕጽል ከም ዘሎ ኣብቲ ኣኼባ ተሓቢሩ። ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ኣዝዮም ጠቐምቲ ሓሳባት ከም ዝተረኽቡን ሕጂ እውን እቲ መድረኽ ክፉት ስለ ዝኾነ ኣባላት ኣብ ምንዳፍ እቲ ሰነዳት ይጠቅም’ዩ ዝብልዎ ሓሳብ ካብ ምቕራብ ከይስልክዩ እቲ ሽማግለ ኣዘኻኺሩ።

መስርሕ ምድላው ነቲ ጉባአ ዘድሊ ንዋታውን ገንዘባውን ምቅርራብ እውን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎን ንሳላ ዘይሕለል ሓቦ ኣባላት ሰልፊ ብዘተኣማምን ዕዉት ከም ዝኸውን ዘለዎ እምነት እቲ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሓጻይቲ ኮሚተ ብምትሕብባር፡ ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለ ብ19 ማዝያ 2015 ንኣባላት ሰልፊ ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቡ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

20 ማዝያ 2015

Last modified on Tuesday, 21 April 2015 16:19