ህዝባዊ ኣኼባን ሙዚቃዊ ምሸትን ብኣጋጣሚ በዓል ፋሲካ ኣብ ከተማ ከለን፡ ጀርመን

2015-04-13 19:34:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2863 times

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለንን ከባቢኣን ብ11 ሚያዝያ 2015 ኣብ ከተማ ከለን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ሙዚቃዊ ምሸት ብኣጋጣሚ በዓል ፋሲካን ኣዳልዩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

Cologne110415 1

ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ከለንን ከባቢኣን፡ ንኣኼበኛታት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ብምባል፡ ብምኽንያት ፈሲካ ንተሳተፍቲ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ጾመ ልጓምክኩም ፈትሓልኩም፡ ርሑስ በዓል ፋሲካ ድማ ይግበርልኩም ብምባል ኢዩ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ብድሕር'ዚ መድረኽ ንሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤን ንሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ኣመሓላሊፍዎ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ሃገር: ኵነታት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰዲህኤን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ሕጋውነት ዘይብሉ፡ ብሓይሊ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ኣብሪሁ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ'ዚ ስርዓት፡ ብስእነት መግቢ፡ ማይ፡ መብራህቲ፡ ፍትሒ ትምህርቲ፡ ሕክምና ወዘተ ይሳቐ ምህላዉ ውን ኣብነታት ብምጥቃስ ገሊጹ። ሕጂ ድማ፡ ገዛውቲ ኣብ ምፍራስ ተጸሚዱ ምህላዉ ጠቒሱ።

Cologne110415 2

ብዛዕባ ደምበ ተቓውሞ ወይ ደምበ ፍትሒ ብዝምልከት ከኣ፡ ንለውጢ ዘድሂ ወይ ዝጽውዕ ድምጽታት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጹ። ካብ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ተቓውሞ እናበረኸ እምበር እናነከየ ከምዘይከደ ኣብሪሁ። ካብ'ቶም ዝተራእዩ ተቓውሞታት ድማ፡ ናይ ተጋደልቲ ናይ 93 ኣድማ፡ ናይ ኣካለ ስንኩላን ተቓውሞ፡ ናይ ጕጅለ 13ን ጕጅለ 15 ተቓዉሞ፡ ናይ ወድዓሊ ናይ 21 ጥሪ ምንቅስቓስ፡ ናይ ካቶሊካውያን ጳጳሳትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ገዳማትን ተቓውሞታት፡ ናይ መንእሰያት ሰላማዊ ሰልፍታትን ምጥርናፋትን፡ ናይ ህዝባዊ ምጥርናፋት፡ ናይ ዓርቢ ሓርነት ተቓውሞታት ከም ኣብነት ጠቒሱ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ንምፍራስ ኣባይቲ ብምቅዋም፡ ኣብ መንጐ ህዝብን ኣብ መንጐ ወተሃደራትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝተፈጥረ ኣምባጓሮ፡ ልክዕ ከም'ቲ ፍልስጤማውያን ንኣባይቶም ከፍርሱ ዝመጹ ወተሃደራት እስራኤል ብኣእማን ኢዮም ተሳሂሎሞም ኢሉ።

Cologne110415 3

እንተዀነ ግን፡ ኢሉ ሓው መንግስተኣብ፡ እቲ ተቓውሞ ጥርኑፍ ዘይምዃኑ ማዕረ'ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ለውጢ ክኸውን ከምዘይከኣለ ድማ ኣስሚርሉ። ነዚ ሽግር'ዚ ንምፍታሕ ኣሳታፊ ዝዀነ፡ ግሉጽ ልዝባትን ርክባትን ናይ ተቓወምቲ ሓይሊ ዕዙዝ ኣድላዪነት ከምዘለዎ ኣሚቱ። እቲ ተቓውሞ ኣድማዒ መታን ክኸውን፡ ናይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ተሳትፎ ክዓቢ ከምዘለዎ ኣረዲኡ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዘሎ ተቓውሞ ተሓባቢሩን ተወሃሂዱን ዝኸደሉ መንገዲ ምንዳይ ናይ ኵሉ ተቓላሳይ ተሳትፎን ጻዕርን ዝሓትት ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

Cologne110415 3

ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ናይ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ መበቆል፡ ታሪኽ፡ ቅርጻ-መሬት (ጂኦግራፍ) ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓን ሕድሕድ ምድግጋፍን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ካልእ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ክኸውን ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዛዕባ ሰዲህኤ ብዝምልከት ድማ፡ ኣብ ታሪኻዊ ፍልልያት ምንባር ነጺጉ ንቕድሚት ክጥምት ዝተበገሰ፣ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝተፈላለየ ብርክታት ዘለዎ ምሕዝነታት ክቐውም ዝድግፍ (multi-level alliances)፣ ሃይማኖት ካብ መንግስቲ ዝፈሊ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበሩላ ዲሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ንምምስራት ዝቃለስ ሰልፊ ምዃኑ ብሰፊሑ ገሊጹ።

ንንጥፈታቱ ብዝምለከት ድማ፡ ተዓዛቢ ኣባል ሶሽያሊስት ኢንተርናሽናል፡ መስራቲ ኣባል ገስጋሲ ምሕዝነት ኰይኑ፡ ኣብ ኒጀር፡ ቱኒዝያ፡ ጀርመንን ሽወደንን Cologne110415 6ዝተኻየደ ኣህጕራዊ ኣኼባታት ከምዝተሳተፈ ሓቢሩ። ከምኡ'ውን፡ ካብ 15 ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣባላት ዘለውዎ ምስ ጕዳይ ኤርትራ፡ ፍልስጤም፡ ምዕራባዊ ሰሃራን ስዋዚላንድን ዝደጋገፍ ሲቪካዊ ማሕበር ብዝገበሮ ዕድመ መሰረት ወከልቲ ሰልፍናን መድረኽን ተረኺቦም ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራ መግለጺ ሂቦም፣ ናይ ረድዮ ቃለ-መሓትት ኣካይዶም፣ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተራኺቦም ኢሉ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንጕዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ሰልፍና፡ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝተፈላለዩ ትካላቱን፡ ናብ ሰብኣዊ ማሕበራት፡ ናብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናብ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለም ብርክት ዝበሉ መዘክራት ልኢኹን ብርክት ዝበሉ ርካብት ኣካይዱን ኢዩ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣኼበኛታት ዝቐረቡ ሕቶታት ድሕሪ ምምልሳስን ርእይቶታትን ለበዋታትን ድሕሪ ምስማዕን ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ስውኣት ተዛዚሙ።

ስዒቡ፡ በቶም ወናማትን ዘይደኽሙን ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ዝተዳለወ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ መደብ ተኻይዱ።

Cologne110415 5

Last modified on Tuesday, 14 April 2015 11:47