ሪፖርታጅ ባህላዊ ምሸት ኣብ ከተማ ከለን፡ ጀርመን
2015-02-20 07:46:08 Written by EPDP Koln Branch Published in EPDP News Read 3881 timesእቲ ንዕለት 13.02.2015 ብኣባላትጨንፈርከለንሰልፊዲሞክራሲህዝቢኤርትራን(EPDP) መኣዲ ፍቅርን ታዓዲሙ ዝነበረ ብወጋሕ ትበል ለይቲ ደሚቁ ሓዲሩ፡፡ ኣብ መኽፈቲ በዓል ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ ወንበር ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኣርትራ ከለን (Köln) ዕላማ ናይዚ ዕለት‘ዚ ዕርዲ ህግዲፍ ኣብ ከባቢ ከለን ንምፍራስ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓባር ምስላፍ ዝብል ጭርሖ ማእከሉ ዝገበረ ሕጽር ዝበለ መእተዊ ጌሩ እዩ ከፊትዎ፡ ኣዳለውቲ ናይዚ ዕለት ተሳትፎ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ልዕሊ ትጽቢታቶም ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ፍናኖም ክብ ኢሉ ሞራሎም ላዕሊ ተሰቂሉ አዩ ዝሐደረ፡፡
ኣብዚ ባህላዊ ሕድሮ ኩሎም ንፍትሕን፡ማዕርነትን ፡ንሰብኣዊ ክብረትን፡ንሕድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ ኤርትራ ንምንጋስ ዝጽዕሩ ዘሎዉ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን፡ ውድባትን፡ ብርጌሳዊ ማሕበራትን ፡ውልቀ ሰባትን ዝተርኽብሉ ሕድሮ እዩ ነሩ፡፡
ብዝያዳ ድማ ምዕሩግ ንኽኸውን ዝገበሩ ስነጥበባውያን ብዘይካ እቶም ተሓቲቶም ንኸጻውቱ ቅሩብነቶም ዘረጋገጹ ፡ካልኦት ስነጥበባውያን ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ብተበግሶኦም ምስ ኩሎም ስነጥበባውያን ብምትሕብባር ብዝያዳ ንበዓል ከምዝደምቅ ገበርዎ፡፡
ስለዚ ዕለት 13.02.2015 ብናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምትሕብባርን ምክብባርን ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነጥበ መቀይሮ ኣብ ውሽጢ ከተማ ከለን ( Köln) ሃገረ ጀርመን ዓቢ ዓወት ተመዝጊቡ፡፡
ኣብ መወዳእታ ኣዳለውቲ በዓል ንሃገራዊ በዓላት ኤርትራ በተማሳሳሊ መደብ ፕሮግራም ሰሪዖም ከብዕሎ ከም ዝኾኑ ውራየይ ኢሎም ተታሓሒዞምዎ ከምዘለዉ ተሓቢሩ፡፡