ሪፖርታጅ ኣኼባ ዞባ ሽማግለ ኤውሮፓ ኣብ ፓል

2015-02-09 19:25:08 Written by  ካብ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ Published in EPDP News Read 2696 times

ዞባ ኣውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 01-02-2015 ኣኼባኣክይዱ። ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ኣባላት ሓጻዪት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ተረኺቦም መግልጺ ሂቦም።

ከምቲ ልሙድ፡ ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለኤውሮጳ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምቕራብ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ቀጺሉ፡ እዚ ድሕሪ 05-12-2014 ዝገበርናዮ ምዱብ ኣኼባ ንመጀመርያ እዋን ኣብ 2015 ዓ.ም እንራኸብ ስለ ዘለና ርሑስን ዓምት ተስፋን ብርሃንን ክዀነልና ልባዊ ትምኒተይ እገልጽ። ናይ ሎሚ ንዛረበሎም ዛዕባታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም ኢሉ።

1. መግለጺ ሓጻይት ሽማግለ ሰዲህኤ ኣገባብ ኣመራርጻን ቅጥዑን

2. ጸብጻብ ጉዕዞ ሓይሊ ዕማም ( ምቅራብ ፈስቲቫል ቦታን ግዜን- ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳን ብምውህሃድ ምስ ጉባኤን ፈስቲቫልን ሰልፊ / ምምሕያሽ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ)

ብድሕር'ዚ፡ ንሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ምስ ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ምክትል ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ብዛዕባ ኣጋባብን ኣመራርጻን ቅጥዕን ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ከተብርሁን ምስ ኣባላት ክትዛተዩን ምምጻኩም ብሽመይን ብሽም ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳን አመስግን።

እዚ ኣርእስቲ እዚ እቲ ዘድልዮ ምርድዳእ ምስ ተገብረሉ ስዒቡ ብመሰረት ውሳኔታት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዝቖመ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ዝሃቦ መምርሒታት ተመርኵስና ዘውጻእናየን ሓይሊ ዕማም ክንሰምዕን ገምጋም ጌርና ንምምዕባሉ ክንዝትን ኢና። ስለዚ ኣቐዲመ ንሓው ረዘነ ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ መጉልሕ ድምጺ ከመሓላልፍ እፈቱ ኢሉ።

ሓው ረዘነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ንመጀመርያ እዋን ምስ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ተረኺበ ብጉዳይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብ ምብቅዐይ ሓጐስ ይስምዓኒ። ቀጺለ፡ ንኣግባብን ቅጥዕን ኣመራርጻ ዝምልከት ዝተላእከልኩም መምርሒ ኣንቢብኩም ንምይይጥ ተቐሪብኩም ከም ዘለኹም እምነተይ ኢዩ። ብወገንኩም ሓይሊ ዕማም ኣውጺእኩም፡ ኣብ ትሕቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኮንኩም፡ ምስ ኵለን ቆይመን ዘለዋ ሽማግለታት ተሓባቢርኩም ንምዕዋት ጕባኤ ትሰርሑ ምህላውኩም ክሰምዕ ከለኹ፡ ንዓይ ይኹን ንኣባላት መሪሕነትን ኣባላት ሰልፍን ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እቲ ቅጥዒን ኣገባብን ሕጸ ከመይ ጌርና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ምኽርን ምዕዶን ክንወሃሃብን፡ ምስ መሪሕነት ዞባ ብምርኻብ ንመስርሕ ሕጸ ዝምልከቱ ርእይቶታትን ምምሕያሻትን እሂን ምሂን ክንብሃሃል፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ኢዩ። ከም እትርእይዎ ሰልፍና ሕብረ ብሔራዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንኹሉ ውክልናን ማለት ( ብሄር-ጾታ-ሃይማኖት-ኣውራጃ -ዕድመ ወዘተ…) ዘማልኤ መሪሕነት ክህልወና እቲ እንደልዮን እንጽበዮን እኳ እንተኾነ፤ እዚ ግን ብዋጋ ደጊመ ብዋጋ ብቕዓት ክኸውን የብሉን። ብሓጺሩ ጠመተና ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ዘካየድናዮም ቃልስታት ተራ ኣባላትናን መሪሕነትናን ገምጊምና ብብቕዓት ዝተኸለሰ ተወፋይነት ዝተሓወሶ ሕጹያት ክነቕርብ ኢዩ እቲ ድሌትናን ባህግናን፣ እሞ ምሉእ ምትሕግጋዝ ብፍላይ ከኣ መሰረታት ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ ናይ ዕጫኻ ምውዳቕ ወይ ናይ ምምራጽ ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ክጥቀሙሉን ተሳትፍኦም ከበርክቱን ከነተባብዖም ከምዝግብኣና ከምሕጸነኩም እፈቱ ብምባል መግለጺኡ ደምዲሙ።

ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ም/ኣ/መ ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ኣብ'ቲ ሰፊሕ መግለጺ ናይ ሓው ረዘነ ብምምርኳስ ብፍላይ ንተኻፋልነት ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ትዅረት ዝገበረ መግለጺ ኣቕሪባ። ነዚ ብዓበይቲ ተቓልስቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተኸፊቱልና ዘሎ ባብ ምሉእ ብምሉኡ ተጠቒምና ወረስቲ ወይ ከኣ ተቐበልቲ ሕድሪ ክንከውን ይግባእ ኢላ።

ብድሕር'ዚ፡ እቲ 15 ዝዓንቀጻቱ መምርሒ ኣምራጺት ሽማግለ በብሓደ ተዘሪብሉ። ኣባላት ሽማግለ ዞባ ንኣተገባብራኡን ክመሓየሽ ኣለዎ ዝበልዎ ዓንቀጻቱን ኣመልኪቶም ሃነጽቲ ርእይቶታት ድሕሪ ምቕራብ ኣኼባ ብምምስጋን ተወዲኡ።

ኣብ ካልኣይ ኣርእስቲ፡ እተን ሰለስተሓይሊ ዕማማት፡ በብሓደ ስርሐንን በጺሐንኦ ዘለዋ ምዕራፍን ሓቢረን። ኣኼበኛታት፡ ካብ'ቲ ዝተዋህበ መግለጺታት ድሓን ዝዀነ መስርሕ ምቅርራብ ተኻይዱ ከምዘሎ ክግንዘቡ ክኢሎም። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ስሩዕ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ኣኼባ ከይተጸበና፡ ብተወፋይነትን ብንጥፈትን ክንሰርሕ ኣለና ዝብል ለበዋ ብምትሕልላፍ ኣኼባ ብምርድዳእ ተዛዚሙ።

Last modified on Monday, 09 February 2015 20:37