ሪፖርታጅ - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ጨንፈር ኮለን( Köln ) ሃገር ጀርመን፡ ካልኣይ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼብኡ ናይ 2015 ኣካይዱ

2015-02-07 06:39:30 Written by  EPDP Koln Branch, Germany Published in EPDP News Read 4172 times

ኣብ ዕለት 31-01-2015 ካብሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.00 ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ Allerweltshaus Körne Straße 77-79 DPLZ 50823 Köln ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 ካልኣይ ኣኼባኡ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ዲሒሩ ዝመጸናሓበሬታኣነሆ።                                                              

Koln branch meeting Feb2015 2እቲ ኣኼባ ብሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምኽፋቱ ናብቲ ምዱብ ዛዕባ ብምእታው መግለጺኡ ቀጺሉ። ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብህሉው ኵነታት ሃገርናን ዕለታዊ ንጠፋታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን  ብስፍሕ ዝበለ ድሕሪ ምሕባር ፡ብዝያዳ ድማ ንጉዳይ  ምድላዋት ካልኣይ  ጉባኤ ሰልፊ  ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረት ቊዋም ሰልፍን ብመምርሒ ኣሳናዳኢት ሽማግለ  ጉባኤ ተሞርኪሱ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዘሎዎን መግለጺ ሂቡ። ክም ተወሳኺ ነቲ ንዕለት 13.02.2015  ባህላዊ ምሸት ምድላዋት ከምዝገብሩን ሓቢሩ፡፡

Koln branch meeting Feb2015 3ኣስዒቡ ሓው ኢብራሂም ዓጣ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ኣብቲ ናይ ሓው ዓንደብርሃን ብምቕጻል ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 ዓ.ም.  እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ብምቕራብ  ነዊሕ  ግዜ ዝወሰደ ኣገዳሲ ሕቶታትን ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ስለ ዝቐረበ ከቢድ ክትዕ ኣካይዱ ።

ብድሕሪዚ ኣኼባኛ ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምቕራብ ዝኽሪ ስዉኣት ብምግባር ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

Last modified on Monday, 09 February 2015 20:32