ግዝኣተ-ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ

2015-01-31 15:08:50 Written by  ምምሕዳር ፓል ሓርነት Published in EPDP News Read 5472 times

epdp logo 2ጽማቕ ናይ ዕለት 24-01-015 ብዶር. ኣደነ ገብረመስቀል ዝተካየደ መደረ ኣብ ፓል ሓርነት፡-

ሓው ኣዳነ ኣብቲ ብዛዕብኡ ክምድር ተዳልዩሉ ዝነበረ ኣርእስቲ ማለት ‘’ ግዝኣተ-ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ‘’ ዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ምእታዉ ነቲ ኣቐዲሙ ብሓው ተስፍኣለም ተዋሂቡ ዝነበረ መግለጺ ብዛዕባ እንታይ ማለት ኢዩ ዲሞክራስን? ኣየኖት ኢዮምከ ዓንድታት ዲሞክራሲን? ብሰፊሑ ከምዝተገልጸን ኣብዚ ገዛ ከኣ እኹል ምይይጥ ስለዝተገብረሉ እዚ ዓይነት ልዝባት ክቕጽልን ምሉእ ኣፍልጦ ንኽህልወና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነዛ እንደልያ ዲሞክራሲያዊት ሃገርን ድልዱል ሓድነት ህዝቢ ክህልዋ ዝግባእን፣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ክትክውን ብፍላይ ከኣ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ዝነገሳ ንምግባር ፍልጠትና ክዓብን ቅሩባት ክንከውን ምይይጥና ቀጻሊ ክኸውን ኢዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርክዎ ሓው ተስፋኣለም ክገልጽ ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ ዲሞክራሲ፡ ንዝብል ከም ቃል ካብ ግሪኽ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ዲሞክራሲ ማለት ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ። ነዚ ናይ ህዝቢ ስልጣን ንምርቃቕን ብግቡእ ክመሓደር ምእንቲ ግዝኣተ ሕጊ ወይ ሕገ መንግስቲ ይሃንጽ። HANS KELSEEN ንሕጋውነት ክገልጻ ከሎ ከምዚ ይብል’’ እቲ ናይ እወንታዊ ሕጊ ዝለዓለ ጽፍሒ ቅዋም ኢዩ። ሓፈሻዊ ሕግታት ንምጥርናፍን ስርዓቱ ንምምድብን ቀንዲ ሓላፍነቱ ኢዩ።ሓፈሻዊ ሕግታት ተኣኪቡ ሕጋገ ይበሃል። ሕግታት ክሕገግ ከሎ ትሕዝትኡ ዝምድብን ዘፍቅድን ዝእግድን ነገራት ዝውስንን ቅዋም ኢዩ ይብል።   እዚ ከም ስነ-ሓሳብ መሳርሒ ዜጋታት ካብ መግዛእታዊ ስነሓሳብ ናጻ ወጺኦም በብክእለቶምን ሓቢርካ ንኽትምዕብልን ፍልጠት ክትድልብን ቁጠባዊ መነባብሮኻ ክተመሓይሽን ማሕበራዊ ኣነባብራኻ ክተመዓራርይን ጥርኑፍን አርኑብን ምሐደራ ምእንቲ ክህልወካ ባዕልኻ ዘውጻእካዮ ሕግን ስርዓተ ምሕደራ ክህልውና እዚ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ምይይጥን ሓቢርካ እትቃለሰሉ ባይታ ኣብ ምብቃዕ ምስክር ኢዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ዜጋን ሓይልታትን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ምህናጽ ዝሰመረ ራኢን፡ ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን፡ መተካእታ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኤርትራ በቲ ዲሞክራሲያውን ምዕሩይ ኣገባብ ቃልሲ ብዘተን ሓባራዊ ስርሓን እናኣማለአ ዕለት ዕለት ክእ ፍልጠቱ ንቕሓቱ ከማዕብል ከይተሓለለ ክጽዕር ይግባእ። እዚ ኣበሃህላ ሓው ተስፋኣለም ነዚ ሎሚ ሕጽር ዝበለ መግለጺ መእተዊ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ንክለተ መዓልቲ ዝወሰደ ሰሚናር መዘከርታ ክጠቕመና እውን ይኽእል።

እምበኣርከስ ካብ ዝሓለፈ ዝረአናዮ (CONSTITUTION) ቅዋም ማለት ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ተኣርኒቡ ዝቐመሉ ኣገባብ የስምዕ። መብዛሕትኡ ቅዋማት (ሕገ-መንግስቲ) ካብ ኩሉ ዝለዓለ ሕጊ ናይታ ሃገር ከም ዝኾነ ብግልጺ ወይ ብምእማት ይንገር። ግናኸ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ኢዩ ምባል ጥራይ፡ እዚ ቅዱስ ሕገ-መንግስቲ እዚ ቅኑዕን ምስ ሕጊ ዝሰማማዕን ምኻኑ ዘረጋግጽ ዋሕስ ኣይክውንን ኢዩ። WALTER F. MURPHY ከም ዝበሎ’’ ሓደ ሃገር ነቲ ቅዋም ኢሉ ዝጽውዖ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዝለዓለ ኢዩ ከኣ ዝበሃል ጽሑፋት፡ ዝጽብጸብን እተጋነነን መደረ ካብ ምኻን ሓሊፉ ባዕሉ መረጋገጺ ኣይኮነን።’’ ስለዚ፡ ሓደ ቅዋም ኣብ ወረቐት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ተግባር እውን ስልጣን ኣለዎ ምእንቲ ክበህል ብጀካ ግኑን መድረ ናይ ሓቂ ስልጣን ክህልዎ ይግባእ። እዚ ክእ ሃገርን ህዝብን ትሓሪምዎን ትንፊግዎን ዘሎ ምኻኑ ናይ መታለሊን ኣደናጋርን ስርዓተ ኢሳያስ ዝገበሮ ብዘይ ሕፍረት ነቲ ኣብ ጉዕዞ ምትርጋም ኢና ዘለና ዝብልዎ ዝነበሩ ሎሚ ከይተወልደ ዝሞተ ክብል ዘስምዖ መደረ ናይ ኣደባባይ መካትዒ ኮይኑ እንሰምዖ ዘለና ኢዩ። ብመሰረቱ ቅዋም ኣይመውትን ኢዩ፡ ምስ ምዕባሌ ህዝብታቱ ክምሓየሽ ይኽእል ኢዩ። ግንከ ህዝቢ ፈጺሙ ስለዘይነድፍ ምስኡ እናወደቐን ተንሰኤን ዝጋዓዞ መስርሕ ኢዩ። ሰብ ከም ሰብ ሓላፊ ኢዩ። ሃገርን ደቂ- ሃገርን ግን ቀጸልቲ ኢዮም።

ኣብ ኣርእስትና ብምምላስ ሓድ ቅዋም ከም ዓንዲ ሕቐ ኮይኑ መሰረታዊ ስርዓታት ዝውሰኾ ቅርጺ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ቅዋም ሕጋዊ ወረቐት ወይ ሰነድ ኢዩ። ኣብ ልደት ሓንቲ ሃገር እተፈጥረ ቅዋም ዓወትን ሃረርታን ህዝቢ ኢዩ ዝገልጽ። ዝመጽእ ዝመናቱ ብሩህ ከምዝኸውን ድማ ይሕብር። እታ ሃገር ንሃረርታ ህዝቢ እንተጠለመት ግና ልክዕ ከምቲ ውልቀ መላኺ ዝገብሮ፣ ህዝቢ ነቲ ዝቖመ መንግስቲ ወይ ንስልጣን ሕግን ፍትሕን ከም ዝንዕቕ ዝገብሮ መንፈስ ክለዓል ይከኣል። እዚ እውን ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ባህርያት ኢዩ። ስለዚ ንሕና ክንገብሮ ዘለና ንህዝብና ሓያልን ፍልጠቱ ዘማዕበለን ካብ ቅዋም እተዋህቦ መሰላት ሓላዊ ንምግባር ኢዩ።

ልኡላውነት ቅዋም፡ ‘ልዕሊ ኩሉ ምኻን ወይ ኩሉ ዝለዓለ ደረጃ ስልጣን፡ ልዑል ምልኪ ተባሂሉ ይትርጎም። ስለዚ ቅዋም ናይታ ሃገር ካብ ኩሉ ዝለዓለ ሕጊ ምስ ዝኸውን ነቲ ዝተኽሎ ዓንዲ ዝኾነ ዝምድናታትን መሰረታዊ መሰላትን ባዕሉ ይሕልዎ። ኣብ ርእሲኡ ነቲ ሕጋዊ መእረምታ ዝገብር ስርዓት ብምቓም፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ብስልጣኑን፡ ንሕግታትን ንተግባር መንግስትን ‘ኣንጻር ቅዋም’ ኢለን ክብይና ከምዝኽእላ ምግባር ኢዩ።

ልዕልነት ቅዋም ኣብቲ ‘’ መንግስቲ ሕጊ (ግዝኣተ ሕጊ) ዝብል መትከል እተጠርነፈ ከም ዝኾነ ኣህጉራዊ ልምዲ ይሰርዕ ‘መንግስቲ ሕጊ ወይ ልዑላውነት ሕጊ ዝእዝዞ፣ ሕጋዊ ውሳኔታት፡ ኣብ ፍሉጥ መትከላትን ሕግታትን ብምጽጋዕ ከምኡ እውን ናጻ ርእይቶ ዝተሓወሶ ክኸውን ይግባእ። ፕሮፍሶር Moor ብዛዕብ ‘’መንግስቲ ሕጊ ’ ከምዚ ይብል፡- ቀንዲ ኣገዳሲ ትርጉሙ፣ መንግስቲ እቲ ዝመደቦ ነገራት ኣብ ፍቓድ ህዝቢ እተሰረተ ክኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብመንግስቲ ጭቆና ከይግበር ዝኽልክል መሰረታዊ መሰላትን ሓርነትን ዝሕሉ ኣብ ቅድሚ ናጻ ዝኾነ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝኽእል መዋቐርን ስርዓታትን ገይሩ ክዓዪ ይግበኦ። እዚ መትከል ውሳኔታት ብኢደ ወነና ዘይሕጋዊ ትእዛዝ ብፖለቲካዊ ጠቕሚ ብናይ ብሕቲ ረብሓ ምእንቲ ከይግበር ዝሕሉ ኢዩ።

ጥቅሲ ፕሮፈሶር MOORE ብዛዕባ ‘መንግስቲ’ ሓሙሽተ ሓሳባት ይህብ፡-

-መንግስቲ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ብህዝቢ

-ምፍላይ መዝታት፡ ቁጽጽርን ሚዛንን

-ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ዘለዎ ስልጣን ዝውስን ስርዓት (ምሕላው ሕርነትን ክብርን ሰብ)

-ደረት ዘለዎ መንግስትን (ፈደራላዊት) ዘይምእኩል ምሕደራ

-ብዛዕባ ሕገ-መንግስቲ ኣተጋባብራኡ ዘርኢ ናጻ ቤት ፍርዲ

ህዝቢ በዓል ምሉእ ስልጣን ኢዩ ዝብል መትከል ብኣህጉራዊ ልምድታት ከም UNHCR ዝበሉ ቅቡል ዝኾነ መትከል ኢዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዘበናት እውን ፍላስፋታትን ልቃውንትን ፖለቲካን፡ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ምኻኑ ተዛሪቦምሉ ኢዮም። ከም ጸብጻብ ናይ መበል 357 ኣኼባ HUMAN RIGHTS COMMITTEE ተገሊጹ ዘሎ። ‘’ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ፖሊቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ። ሰበ- ስልጣን መንግስቲ ናይ ህዝቢ ወዳእቲ ነገር ጥራይ ኢዮም። ስለዚ ጸብጻቦም ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ይግበኦም።’’

ልዕልነት ቅዋም ንምርግጋጽ፡ ብቐጥታ እካ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምኻኑ ብጋህዲ ምእዋጅ ኢዩ። መብዛሕትኡ ዲሞክራሲ ቅዋም ስልጣን ንህዝቢ ይህቦ፡ እዚ ከኣ ሕገ-መንግስቲ ሕጋውነቱ ካብ ህዝቢ ይርከቦ እምበር ካብ ፕረሲደንት ወይ ካብ ሓጋጊ ባይቶ ወይ ካብ ንጉስ ከምዘይኮነ ይሕብር። ከምዚ ዝበለ ምርግጋጽ ዓቢ ግደ ዘለዎ ኢዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ቅዋም ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ንዕቀት ከምዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝገብሮ ንስልጣን ህዝቢ ምዕምጻጽ ገበን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ምፍጻም ማለት ኢዩ።

እቲ ካስብ ሕጂ ዝተገልጸ ብዛዕባ ቅዋም ምስኡ ተኣሳሲሩ ግዝኣተ ሕጊ ንምብራህ ኮይኑ ብሓጺሩ ንምጽማቕ ዝኣክል፡-

ሀ- ቅዋም ልዕሊ ኩኩ ዝኾነ ሕጊ ሃገር ኢዩ ኢልካ ምእዋጅ።

ለ- ስልጣን ብምልኡ ናይ ህዝቢ ከም ዝኾነ ምእዋጅ

ሐ- መአረምታ ቅዋም ንምፍጻም ጽንዕ ዝበለ ስርዓትን ኣገባብን ከም ዝህሉ ምግባር።

መ- ባይቶ ኮነ መንግስቲ ንዝፍጽሞ ተግባራት ‘ኣንጻር ቅዋም’’ ኢዩ ክትብል ዘኽእል ስልጣን ምትካል።

ናይ መንግስቲ ኮነ ናይ ባይቶ ሕግታትን ፍጻሜታትን ዝምርምር ስልጣን ናጻ ቤት ፍርዲ ኢዩ። ሓያሎ ሃገራት ግና ንበይኑ ዝኾነ ካልእ ኣገባብ ኣለወን። ከም ደንማርክ፡ ነዘርላንድ፡ ሽውደን ዝኣመሰላ ሃገራት ንትግባረ መንግስቲ (ማለት ንፈጻሚ) ጥራይ እየን ብፍርዲ ቅዋማዊ ምኳኑክምርምራ ዝኽእላ። ባይቶ (ማለት ሓጋጊ ኣካል) ዝገብሮ ግና ካብ ምርመራ ፍርዲ ናጻ ኢዩ። እቲ ‘ዘይጽሑፍ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ብሪጣንያ ሕገ-መንግስቲ፡ ኣብያተ ፍርዲ ንሕግታት ‘’ ኣንጻር ቅዋም ኢዩ’’ ክብላ ስልጣን ኣይህበንን ኢዩ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅዋም ብዛዕባ ፍርዳዊ መርመራ ኣይገልጽን ኢዩ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ግና ኣካል ናይቲ ቅዋም ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ሓዲሽ ዘበናት እዚ ንተግባር ባይቶን መንግስትን ብመርመራ ፍርዲ “ሕጋዊ ኣይኮነን” ክብል ዝኽእል ስልጣን ኣብ ቅዋም ብንጹር ተዋሂቡ ኣሎ። (ከም ኣብ ፍሊፕን፡ ኤስያ፡ ታይላንድጃፓንኢጣልያ..) እቲ ምስ እዚ ክዓብን ክከላኸልን ዘለዎ ህዝቢ ብናጻ ሲቪካዊ ማሕበት፡ ሚድያን ከምኡ ዝኣመሰለ በርጌሳውያንን ማሕበራት ብንቕሓት ብህዝቢ ንዝጸደቐ ቅዋም ምክትታል ዓቢ ግደ ኣለዎም።

ቅዋም ክበሃል ከሎ ነባሪ ዝበሃል ነገር ከም ዘየልቦ ክዝከር ይግባእ። ቅዋም እውን ይልወጥ ኢዩ። ኣለዋውጣኡ ግና ብቐሊል መገዲ ክኸውን ኣይግባእን። MERBEC ነዚ ዓሚቕ ሓሳብ እዚ ብፍኹስ ዝበለ ኣበሃህላ ገሊጽዎ ኣሎ። ቅዋም ከምቲ ብግዜን ኩነታትን ዘይብሕጎግ ኣኻውሕ ጂብራልታርኣይኮነን። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ቅዋም ሑጻ ደንደስ ባሕሪ ማዕበል በብቕሩብ ዝወስዶ እውን ኣይኮነን። ቅዋም ከም ሓደ ዘንሳፍፍ ጋራጅ መራኽብ ክመስል ይኽእል። ምስ መሬት ብቐይዲ ተታሒዙ ኩሉ ምስ ማዕበለ ግዜን ኩነታት ይድይብን ይወርድን።’’ ቅዋም ናይ ገሊኤን ሃገራት ኣዚዩዘገድስወይ ዘይትንከፍ ዓንቀጻት ኣለወን። ብፍላይ ኣብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን መአረምታ ከይግበር ብጋህዲ ይገልጻ። ስለዚ ቅዋም ብስልጣኑ ዘይእረም ፍልታት ይሕዝ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ እውን ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ ብቅዋም ዝመሓደራ። ገሊኤን ህዝባዊ ቅዋም ዝሓዘላን ናይ ለውጢ ጉዕዞን ዲሞክራሲያዊ ባህርን ኣገባብን ብምጥቃም ኣብ ጎና ምዕባሌ ዝርከባ ኮይነን ገሊኤን ግን ንሽሙ ቅዋም ሃልይወን ብኡኡዘይቅየዳ ኢየን። እቲ ዝገርም ከኣ ኣብ ውዕል ሕቡራት ፍሪቃ ኩለን እተን ኣብዚ ማሕበር ዝካፈላ ዲሞክራሲያዊ ቅዋም ክህልወንን ህዝቢ ኣብ ናይ ግዝኣተ ሕጊ ተሳታፊ ክኸው ኢዩ ዝጠልብ። እቲ ሕጂ ዘሎ ግን ኣብ መብዛሕትኤን ዘገምታዊ ጉዕዞ ሒዘን ክዓዛ ከለዋ ገሊኤን ከኣ ናጻ ዓይነት ቅዋማዊ ስርዓት ዘርእያ ውን ውሑዳት ኣይኮናን። ብወገና ነዚ ዓብላሊ--ገባቲ ነጻጊ -ኣግላሊ ዝኾነ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሒና ዲሞክራሲን-ልኡላውነትን- ሓድነትን- ግዝኣተ ሕግን ክነስፍን ከይሰና ብቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ክንመሃሃርን ክንመያየጥን ኮታ እኹል ኣፍልጦ ክህልወና ንመላእ ዜጋታትና ወይ ከኣ ህዝብና ከነመሓላልፎ ጻዕሪ ከድልየና ኢዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ መደረና ወይ ምይይጥና ብዛዕባ ቅዋም ኣብዚ ብምድምዳም፡ ብዛዕባ ክፍሊ ስልጣን መንግስቲ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ክንዘራረበሉ ምእንቲ ባይታ ንገዛ ይገድፎ ክብል መደርኡ ደምደመ። ካብ ገዛ እውን ኣገደስቲ ሕቶታን መብርሂታትን ይወሃብ ኣብ ዝነበረሉ ፓልቶክ ስለ ዝተበላሸወ ንዝመጽእ ካብቲ ዝተረጸሉ ብምጅማር ክንቅጽል ምኻና ተረዳእና ተፋኒና።

ምምሕዳር ፓል ሓርነት

Last modified on Saturday, 31 January 2015 16:13