ምስ ህዝብና ኸ: ንናበብ ኣለና ዶ?
2024-11-27 09:31:16 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 418 timesህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ምዕራፍት ቃልሲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዓለምና ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ ናይ ዓወት ወሳኒ ዝነበረ፡ ነቲ ብቓልሱ ዘመዝገቦ ዓወት ብዝምጥን ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ሓደ ገጽ ናይ ተመኩሮኡ እዩ። ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ነዚ ህዝብና ዘለዎ ዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።
ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ በቲ ዝተጸበናዮ ኣገባብ ኣብቲ ዝተለምናዮ እዋን ቀልጢፉ ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያታት ካብ ዝበሃሉ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝብና ከምቲ ዝድለ ተቢዑ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዘይምዕሳሉ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝጥቀስ እዩ። ብግብሪ’ውን ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሜዳ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንህልዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራን ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ብቐረባ ዝተገንዘቡ፡ ወገናት ድማ፡ “ስለምታይ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ወጻዒኡ ህግደፍ ይኸውን?” ንዝብል ሕቶኦም፡ ነቲ ህዝቢ ብምንእኣስ ደጋጊሞም ክዛረብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ኣብ ናጽነት ዘብጸሐ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብልሑን ትብዓቱን ነኪዩ ርእሱ ከም ዘድነነ እቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምህላዉ ንክሕዶ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ቀንዲ ውጹዕን ብስዕረት ህግደፍ ዝጥቀምን ንሱ እናሃለወ ምዃኑ ከኣ ኣባና ኣብቶም ኣብቲ ቃልሲ ዘለና ከይተረፈ ኣገራሚ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቶም ኣበይ ይሃሉ ብዘየገዳስ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብግቡእ ዘይርድእዎ ነቲ ህዝቢ ክሳብ “ንወጽዓን ባርነትን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ” ብዝብል ዘይቅቡል ስነመጎት ክገልጽዎን ከነኣእስዎን ይህቅኑ እዮም።
እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ስቕታኡ፡ ብመጀመርያ ለውጢ ካብ ዘይምብሃግ ዝነቅል ዘይምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ነባሪ ደኣ ኣይክኸውንን እዩ እምበር፡ ለውጥን ዓወትን እናበሃገ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣዝዩ ጽንዑን ጨካንን ኣብ ሓደ ስድራቤት ከይተረፈ ምትእምማን ዘጥፍእ፡ መርበባዊ መቑሕ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ” ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብዘይካቲ ነባር፡ ስሩዕን ግሉጽን ተቓውሞ፡ ከም በርሊን ማኒፈቶ፡ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ዝኣመሰሉን፡ ገሊኦም በላሕቲ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተረኽበታትን ካለኦት ደሃዮም ዘይተሰምዑን ምኽሳቶም፡ እቲ ዝድለ ለውጢ’ኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግዜኡ ሓልዩ ዝነቱግ ህዝባዊ ናይ ለውጢ እሳተ-ጐመራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ እሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክናበብ ዝግበኦ ዝተፈላለየ መልክዓት ዝሓዘ ናይ ቃልሲ ውዳበታት፡ ነቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘነሃህር እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ “ኣነ እንተዘይሓሰብኩልካ” ብዝብል ግጉይ ፈሊጥን ሸፈጥን ንግደ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘውጽእ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንባብ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ኣድማዒ ንክኸውን ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤ (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ክወድቕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክወድቕ ዝኽእል፡ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ካብቲ ስርዓት ተሰዊሩ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ተቓውሞ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ቃለበት ክድልድል ኣለዎ። ንውሽጢ ኤርትራ ከኣ እቲ ቀንዲ ዓውዲ ተቓውሞ ክንገብሮ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዘየንጸባረቐ ተቓውሞ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ” ዝበሎ፡ “ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ተገዲስና ክንምልሶን ናይ ግድን እዩ።
እቲ ምስ ህዝቢ ዝግበር ምትእስሳርን ምንባብን ንክዕወት፡፡ ናይቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ማዕረ ቅሩብነትን ተገዳነስትን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ምውዳብ ክረዳእን ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መድረኽ ስለ ዝተነፍገ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ውድባታትን ህዝባዊ ማዕበላትን ኣካይዳ ብተገዳስነት ክቋመቶ ይግበኦ። ነቲ በብግዜኡ ብህግደፍ ኣብ ድርኩዂቱ ዝእለም ረቂቕ ተንኮላትን እውን ከስተብህለሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ እምበር፡ ተጸባዪ ለውጥን ተዓዛብን ከምዘይኮነ’ውን ክግንዘብ ይግበኦ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ፡ ሕድሕድ ንምንባብ ውሽጥን ውጻኢን ከምቲ ዝድለ ዘይጥዕም ምዃኑ’ኳ ርኡይ እንተኾነ፡ ህዝቢ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ነቲ ብማሕበራዊ መራኽብታት ዝዝርጋሕ ደሃይ “ስረሐይ” ኢሉ ክከታተሎ ይግበኦ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ህይወት ዝድህስስ፡ ንሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝምጥን ዘመላኽትን ብሩህ መጻኢ ዘርእን ክኸውን ተመራጺ ምዃኑ ክስሕት ኣይግበኦን።
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካኣዊ ውዳበታት ህዝቢ ዝቕበሎ፡ን “ይገልጸኒ እዩ” ዝብሎን፡ ግሉጽን ንጹርን ሓሳብ ከመሓላልፍ ይግበኦ። እቲ ካልእ ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ለውጢ፡ ዋና ሃገሩን ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ መስርሑን ምስኮነ፡ ሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ስሩዕን ናጻን መድረኽ ክውስኖም ዝግበኦም ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ግደኡ መንዚዕካ ኣብ ዘይህላወኡ ወሳኒ ኮይንካ ካብ ምቕራብ ምዕቃብ’ውን ህዝቢ እምነቱ ከንብረልካ፡ ሓጋዚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ስለዚ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝብህግ ህዝቢ፡ ምንባብን ተጸባይ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምሕጋዙን ምጽዓት ወሳኒ እዩ። ንሱ ዘየሰነዮ ቃልሲ፡ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ምስኡ ተዋሃሂድና ብሓባር እንስጉመሉ መድረኽ ምፍጣር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዋናውን ወሳንን እዩ።