ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን ኣይፋልካን!

2024-11-19 20:18:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 537 times

ህዝቢ፡ ሃገርን መንግስትን ሓቢሮም ናይ ሓንቲ ሃገር ህልውና ምሉእነት ካብ ዘረጋግጹ ባእታታት እዮም። ካብዚኣቶም  ናይ ሓደ ምብኳር ወይ ብግቡእ ዘይምስራሕ፡ ነቲ ህልውና ምሉእ ኣይገብሮን። ኣብዚ “እቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት እዩ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ “መንግስቲ እየ”  ዝብል ነቲ ህልውና ምሉኡን ህያውን ስለ ዘይገብሮ። ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ናይቲ መንግስቲ ኣመጻጽኣ ኣብ ግምት ምእታው ገላጺ ገደ ኣለዎ።

“እንታይ ዓይነት መንግስቲ?” ዝብል ሕቶ ዝለዓል፡ ብመንጽር ክሳብ ክንደይ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዋጋ ንክኸፍል ዘለዎ ድልውነት፡ ንምርኣይ  ስለ ዘኽእል  እዩ። መንግስቲ ናብ  ህልውና ዝበቕዓሎም ዓመጽን ዕልዋን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። እቲ ሓቀኛ መንግስቲ ኩለ-መዳያዊ ናይ ህዝብን ሃገርን ባህጊ ልምዓትን ደሕነትን ክምልስ ዝበቅዕ ክኸውን እንከሎ ምዃኑ ንብዙሓት ዘረዳድእ እዩ። መንግስቲ ናብዚ ንክበጽሕ ብምርጫ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን ኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ከኣ ምቅብባል  ስልጣን ሰላማውን ሕጋውን ክኸውን ኣሚኑ ብእኡ ዝግዛእ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓይሊ  ዝተጻዕነ ስለዝኾነ፡  ናብ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ገጹ ዝቐርብ ኣመጻጽኣ ኮነ ባህሪ የብሉን።

መንግስቲ ጥዑይ ምሉእነት ንክህልዎ ነናቶም ሓላፍነትን ናይ ስልጣን ደረትን ብዘለዎም  ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካላት ዝቐውምን ንጹር ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ደረት ተሓታትነትን ዝቕበልን ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ኤርትራ እዚ ናይ ስልጣን ኣካላት የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ሓላፍነታት ተጠቕሊሉ ብሓደ ውልቀ ዲክታተር  ዝተባሕተ እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ሰላም ዝዕቅበሎም ትካላት፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ካለኦትን ይህልዉዎ። ሰራዊት ከኣ  ካብቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ሰፊሕ ግደን ዓሚቕ ሓላፍነትን ዘለዎ ሓላው ሃገር እዩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ብፍላይ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ከይድፈር ንምክልኻል ድልዊ ኮይኑ  ዶባት ዝሕሉ  እዩ። ሰራዊት ናይ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ልኡላውት ምውሓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ካብ ሃገር ተፈልዩ ዘይርአ ህዝቢ ልኡላውነትን ክብርን ዝዕቅብ እውን እዩ። ህዝብን ሃገርን ንሓደ ካብቲ ካልእ  ፈሊኻ መግለጺ ልኡላውነት ዝኾኑ ዘይኮኑ፡ ናይቲ ሓደ ልኡላውነት ብዘይካ ናይቲ ካልእ ጐደሎ እዩ ዝኸውን። ግደ ሰራዊት እምበኣር፡ ኣመጻጽእኡን ባህሪኡን ብዘየገድስ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ  ህልውናን ቀጻልነትን ምውሓስ’ውን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዓመጽቲ ዘይህዝባዊ መንግስታት ከይተረፉ ብእኡ ዝሕለው  እዮም።

ሰራዊት ሓቀኛ ረብሓ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ዝሕሉ ንክኸውን፡ ኣመጻጽእኡ፡ ኣመላምልኡን እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ዝኣትዉ ረቛሕታት እዮም። ብመንጽርዚ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይድሌቱ ካብ ዓውዲ ትምህርትን ካልእ ሞያን ተገዲዱ ዝተሰለፈ፡ ኣብቲ ዝስልጥነሉ መደበራት  ንሓደ ፍሉይ ጉጅለ ጥራይ ዘመጉስ ዝንቡዕ ጽልዋ ከም ዝሓድሮ ዝተገብረ፡ “ስለምንንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት፡ ህዝቡ እናተበደለ ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ከም ዝኾነ፡ ናይቲ በዚ መስርሕ ዝሓልፍ ዘሎ ሰራዊት ኣባላት ዝነበሩ፡ ካብኡ ወጺኦም ሓሳቦም ብናጻ  ዝገልጽሉ ዕድል ምስ ዝረኸቡ  ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ዝተወደበን ሓቢሩ መሪር ህይወት ዘሕልፍ ዘሎን ከገድደሉ ዝኽእል ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ብምዃኑ፡ ናይ ህዝቢ ድምጺ ሰሚዑ በጃ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቱን ፖለቲካዊ  መራሕቲ ኢና በሃልትን፡  ዝጥምትሉ ቀይናን ኣረኣእያን ወጺኡ ዋልታ ህዝቢ ናይ ምዃን ዝነበሮ ሓላፍነት  ኣይተግበረን። “ተኣዚዘ እየ” ዝብል ዘይቅቡል መህደሚኳ እንተለዎ፣ ባዕሉ ኣሳርን ዓማጽን ኮይኑ ብምውሳእ’ውን ህዝቡ ዘቐይም ዘሎ እዩ።  በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፍላይ ንዕኡ፡ ብሓፈሻ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ናይ ዘእቱ ተንኮላትን ብህግደፍ ዝህንደሱ  ውግኣትን ኣሳሳይን ተግባርን ኮይኑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን።

እዚ ሰራዊት ብሰንክ’ዚ ተግባሩ ብውሕዱ “ናይ ውግእ ገበነኛ” ተባሂሉ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ዝኽሰስ ዘሎ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዘኽብድሉ ወገናት’ውን  ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክሰማመዓሉስ ዘይፈልጦ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን እናበልካ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ውግኣት፡ ክንቆት ብምጽንሑ ብወረራን ዓማጽን ክግለጽ ዝጸንሐ ሰራዊት እውን እዩ። ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ናብ ንቡር ስለ ዘይተመልሰ፡ “መርወዪ ህርፋን ውግእ፡ መራሒ ህግደፍን መጋበርያታቱን” ዝብል ቅጽል ካብ ዝወሃቦ ነዊሕ ኮይኑ’ሎ። እንተ ህግደፍ ሎሚ እውን ብውግእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዘመዓዱ ዘሎ ይመስል።

ካብ ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕትኡ እቲ ሰራዊት መሳርሒ ናይቲ ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉጅለ እምበር፡ ረብሓታቱ ዝሕልወሉ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ እምነቱ ኣብ ዝስሕበሉ ደረጃ በጺሑ’ዩ። ኣብ ዘይምልከቶ ኣዘዝቱ ጸጋታቶም ዘኻዕብትሉ ውግኣት ተጠቢሱ ክሃልቕ እንከሎ፡ ወለዱ ኮኑ ስድራ ቤቱ ኣብ ክንዲ ብኣኡ ዝጥወሩ፡  ብሞቱን ብዝኽትምና ደቁን  ኣይነብዑን ኣይሓዝኑን ማለት ግና ኣይኮነን።  እቲ ሰራዊት’ውን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ገጽ ይኸልኦን ይቕየሞን ከም ዘሎ ዘይርደኦ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ከም ትካል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ህዝቢ ናይ ምድሓን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡  ነብስኻ ኣግሊልካ ንውልቅኻ ምድሓን እዩ። እዚ ናይቶም ነቲ ስጉምቲ ዝወስዱ መንእሰያት መሰረታዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ  በብኹርናዑ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ንዕዘቦ ዘለና።

ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህዝቡ ሓባሲ ንብዓትን ሓብሓብን ክኾነሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ  ከባኽኖ ከም ዝጸንሐ፡ ርኡይ እዩ። ግና ድማ ከምቲ “ናይ ትማሊ ግጉይ ተግባርካ ናይ ሎሚኻን ጽባሕካን ከየበላሽወልካ ኣስተብህል” ዝበሃል፡  ኮንደኾን “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” እዩ’ሞ  ንገዛእ ርእሱን ህዝቡን ናብ ምድሓን ኣይምለስን ኢሎም ዝትስፈዉ ወገናት ኣለዉ። እዚኣቶም “ከም ኣፍኩም ይግበረልኩም” ዝበሃሉ እዮም።  እቲ ሰራዊትከ “ሎምስ በዚሑ ናብ ቀልበይን ህዝበይን ክምለስ” ዶ  ይብል ይኸውን?  እዚ  ባዕሉ ግቡእ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

Last modified on Wednesday, 27 November 2024 21:14