ምምልላእ ምዕራፋት ቃልሲ

2024-01-30 10:49:01 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 528 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ቃልስና መሪርን ነዊሕ እዩ፡ ዓውትና ግና ናይ ግድን እዩ” ዝብል፡ ምስ ግዜ ካብ ዘይኣረጉ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎም ጭረሖታት ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለን ኣንጻር ብዙሓት ጸላእቲ ዝመከተን ምዃኡ ድማ ታሪኽና ይምስክሮ። እዚ ነዊሕ ቃልሲ በቲ በብግዜኡ ዝርአ ምዕባለታት ዝተቓነየ ነይሩን ኣሎን። ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ፖለቲካዊ ውዳበታቱን እውን መሰረቶም ከይሰሓቱ ዝተፈላለዩ መልከዓት መኸተ ሒዞም ክጐዓዙ ዝጸንሑ እዮም።

ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ቃልሲ፡ በብመድረኹ ቀዳምነታት ነይረሞን ኣለዉዎን። ኣብ ሓደ መድረኽ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲቡ ብፖለቲካውን ሕጋውን ኣገባብ ናጽነቱ ከረጋግጽ ተቓሊሱ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብያ ገዛእትን ዘራያቶም ሰብ ረብሓን በቲ ዝተለሞ  ዘይጐነጻዊ ምርጫ ኣይተዓወተን።  ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣነ ከኣ ናብቲ ካልእ ምርጫ ዘይነበሮ በሊሕ ምዕራፍ ብረታዊ ሰውራ ክኣቱ ተገዲዱ። ኣብዚ ጐነጻዊ መድረኽ’ውን ተሳትፎን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ በመንጽርቲ ሽዑ ከቢብዎ ዝነበረ ኩነታት ክዕቀን እንከሎ ኣዝዩ ዝነኣድን ንካለኦት ኣብነት ዝኾነን ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ኣብቲ መተካእታ ምስ ሰኣነ ዝኣተዎ ሰውራ ህይወትን ንዋትን ኮነ ግዜ ከይበቐቐ ዝኸፈሎ ንኡድ ሓርበኛዊ ኣበርክቶ ተዓዊቱ። እቲ ብረታዊ ሰውራ መመላእታ ናይቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝተራእየ ተሳትፎ ዝተቐስመ ተመኩሮ እምበር፡ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረን በይኑ ዝተንጠልጠለን ኣይነበረን። ብዙሓት ካብቶም መስረቲ ናይቲ ቃልሲ’ውን ናይ ክልተ ምዕራፋት ጀጋኑ እምበር ሓደስቲ ኣይነበሩን። ብሳላዚ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዘይተፈልዮ ምዕራፍ ቃልሲ ድማ ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ፡ ብውሳነ ህዝባ ከኣ ኣብ ድልዱል ልኡላዊ ሕጋዊ ባይታ ተሰሪታ። ክሳብ ሎሚ’ኳ ክነቓንቕዎ ዝደናደኑ ዘይቀበጹ ወገናት እንተለዉ እቲ ሽኻል ልኡላውነትና ኣዝዩ ጽኑዕ እዩ። ምስዚ ግና ቀጻልነታ ንምዕቃብ ሓለዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፍለያ እዩ። ናይዚ ሎሚ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ሓርነታዊ ቃልሲ መሰረት ከኣ ንሱ እቲ ኣዕሚቑ ዝተተኽለ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ። በዚ ኢና ከኣ ቃልሲ ንሓርነት መቐጸልታን መመላእታን ናይቲ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እዩ እንብል። 

ከምቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፡ “ድሕሪ ናጽነት’ውን ግድል ኣሎ፡ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ”  ዝብል ዜማ ዝዝመር ዝነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ከም ዝህሉ ኣብ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ግንዛበ ነይሩ እዩ። እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ፡ ኤርትራውያን ብሓባር “በሰላ ውግእ ዘሕውይሉ፡ ዝፈረሰ ዝሃንጽሉ፡ ዝተሰደደ ዜጋ ናብ ዓዱ ዝምልስሉ፡ ብመግዛእቲ ዝተነፍገ መሰላት ዝምልስሉ፡ ኤርትራዊ ንብዓቱ ዝሕበሰሉ፡ ኣብ ገዛእ መሬቱ ኣደልዲሉ ዝረግጸሉን ዓው ኢሉ ዝዛርበሉን”  ክኸውን ናይ መብዛሕትኡ  እምንቶ ነይሩ። እንተኾነ  እቲ ቃልሲ ንሓርነት ኣብ  ሕድሕድ ኤርትራውያን ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ንሕውየትን ሓርነትን ዝሓሊ፡ በቲ ካልእ ከኣ ሓደራ ህዝብን ስዉኣቱን ዝጠልምን ሜላን ቃናን ቀይሩ ህይወት ግዜ መግዛእቲ ዘቐጽል ኮይና ተሰሊፍና ኣለና። ናይዚ  ተጻራሪ ኣሰላልፋ ጠንቂ ከኣ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ግንባሩን እዮም። በዚ ከኣ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይተጸበናዮን ዘይብሃጎን ክቡር ዋጋ ዘኽፍሎ ዘሎ ቃልሲ ኣትዩ። እዚ  ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት’ውን መመላእታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ  ቃልሲ ኮይኑ፡ በቲ ናይ ሽዑ ተመኩሮን ውርሻን ዝስውድን ዝህብትምን እምበር፡ ኣብ ሎሚ ጥራይ ዘትከለ ኣይኮነን።

ጉዕዞ ቃልስና፡ ኣብቲ መስርሕ ነቲ ዝነብረሉ መድረኽ ብዝምጥኑ ስትራተጅን ሜላን እናተሰነየ፡ ዝቕጽለ እዩ። እቶም ተዋሳእቲ ከኣ ነቲ ዝነበርሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክመስሉ ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ፡ ከኣ ነቶም ነባራት ኣብቲ ሎሚ ዘለኻዮ ምዕባለ ኮይንካ “ከምዚ ክገብሩ ነይርዎም” እናበልካ ምንቃፍን ንኣበርክተኦም ክብሪ ዘይምሃብን ቅኑዕ ዘይከውን። ንምዕባለታት ትማሊ፡ ሎምን መጻእን ኣገናዚብካ ኣገዳስነት መስርሕ ምምልላእ ምርዳእ ከኣ ናይ ግድን እዩ። ግና ድማ እቲ ምምልላእ ኣዝዩ ልሙጽ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድካ ዘበላልሕ ምውጣጥ ዘይፍለዮ ሓርጉጽጎጽ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።

ከምቲ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ነይሕደር” ዝበሃል፡ ነዚ ኣብ ሕድሕድካ ተመኩሮ ዘቕስም ናይ ወለዶታት ምውጣጥ እተመሕድሮ እምበር እትሃድመሉ መስርሕ ኣይኮነን። ኣብዚ ምስግጋር ግደ ኣውረስትን ወረስትን ዘይነጻጸልኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ግደ ናቲ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ ዓብይ ምዃኑ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ።  ኩሉ ከምቲ ዝደለኻዮ ስለ ዘይኮነልካ ካብዚ ናይ ምርኽኻብ ሓርፋፍ መድረኽ ንክትሃድም፡  “ምቅላስ ከሊኦምና” ኢልካ ውዳበ ፈሊኻ ጀማሪ ምዃን መሰል’ኳ እንተኾነ፡ ምርባሕ ውዳበታት መፍትሒ ስለ ዘይከውን ዝተባባዕ ኣይኮነን።

ነቲ ዘዕንቀፈካ ብጸዋርን ውሕሉልን ቃልሲ ብምእላይ፡ ነቲ ነባር ተመኩሮ ምስቲ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣዋሲብካ ምስጋሩ እዩ  እቲ ቁኑዕ ኣገባብ። ነቲ ምእንቲ ሓርነት ክትቃለስ እንከለኻ ጽኑዕ መንጠሪ መሰረት ዝኾነካ ባይታ ናጽነትን ልኡላውነትን ንዓኡ ዘውሓሱ ሓርበኛታትን ጓሲኻዮም ምኻድ፡ ምናልባት እውን ምጽላሞምን ምንእኣሶምን ግና ምምልላእ ዘይቅበል ኣብ ዝተቖራረጸ መስርሕን ተመኩሮን ዘኹድድ ኣገባብ ምምራጽ ቅቡል ኣይኮነን። እቶም ኣውረስቲ’ውን እሱራት ናይቲ ኣብ ግዜ ንእሰቶም ዝነበረ ተመኩሮ ከይኮኑ፡ ግደ ናይቲ   ዘቐጽል ሓድሽ ወለዶ ምስዚ ዝነብረሉ ዘሎ ምዕባለ ክርድእሉ  ይግብኦም።

ህግደፍ በዚ ናይ ነባርን ሓድሽን ምምልላእ ዝፍጠርን ኣጻሩ ዝስለፍን ናይ ለውጢ ዓቕሚ  ስለ ዝሰግእ፡ ነቶም ኣብቲ መስርሕ ዝዋስኡ ነባራትን መንእሰያትን  ክተፋነኑን ነናቶም ጫፋት ሒዞም ክጓተቱን ድሌቱ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ነባራትናን መንእሰያትናን፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንቃለስ ካብ ኮና፡ በቲ ህግደፍ ኣንጻርና ዝዝርገሖ መጻወዲያ  ከይንተሓዝ እሞ ዕድሜኡ ነዊሑ ወጽዓ ህዝብና ከይናዋሕ ነስተውዕል።

Last modified on Tuesday, 30 January 2024 12:04