ክሳብ መዓስ’ዩ ካብ ቀንዲ ጉዳይና ከውጸኣና?

2024-01-23 22:03:16 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 594 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራዊ ጉዳይና ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ምስ ካለኦት ምዕባለታት ዝጸላሎ እምበር ዝተነጸለ ኣይነበረን ኣይኮነን። እቲ ጽልዋታት ካብ ቀረባ ወይ ካብ ርሑቕ ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ መስርሕ ምጽልላው እቲ ደራኺ እቲ ዘቤታዊ ምዕባለ እምበር ግዳማዊ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ውሽጣዊ ምዕባለታትን ግዳማዊ ጽልዋታትን ምምጥጣን ብጥንቃቐ ሚዛኑ ከም ዝሕሉ ምግባር ኣገዳስን ሓላፍነታውን ዝኸውን።

ኣብቲ ምጽልላው ናብ ውሽጣዊ ጉዳይካ ዝያዳ ምድሃብ ማለት፡ ማዕጾኻ ዓጺኻ ትጐዓዝ ማለት ዘይኮነ፡ እቲ ግዳማዊ ጽልዋ ነቲ ወሳኒ ዘቤታዊ ዋኒንካ ከምዘየረሰዓካ ጌርካ ምምሕዳሩን ግቡእ ኣስተብህሎ ምሃቡን  ግድን እዩ። ኣብ ኤርትርዊ ጉዳይና እዚ ሚዛናዊ ምምጥጣን ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ኣብ ቃልስና ዝተመኮርናዮ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ንኤርትራዊ ውሽጣዊ ጉዳይና ብግዳማዊ ኣጀንዳታት ምዕባጥ ከም ቀንዲ መህደሚ ሜላ ክሰርሓሉ ዝጸሐን ዘሎን ስለ ዝኾነ።

ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ ቅድም ቃልስና ቀንዲ ቆላሕታና ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገርና ነይሩ። ኣብቲ ቃልሲ እቲ ወሳኒ መሰረትናን መወከሲናን ኤርትራዊ ባህግን ኣበርክቶኡን ክኸውን እንከሎ፡ ምስኡ ግና  ናይ ብዙሓት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ደገፍቲ ቃልሱን ነገራውን ሞራላውን ደግፍ’ውን ብጽሒቱ ዕዙዝ ምንባሩ ኣይዝንጋዕን። ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ ወያ ናጻ ኤርትራ ሕገመንግስታዊት፡ ሰላማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኮይና ባህጊ ህዝባ እተውሕስ ንኽትከውን እዩ። ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ “ንህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንላዕሊ ሓርነት ኣየድልዮን እዩ፡ ካባይ ወጻኢ ካልእ ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝሓስብ መራሒ ኣየድልዮን” ፡ ካብ ዝብል ሓደገኛ ጥልመት ስለ ዝነቅል፡ ንኣተሓሳስባኡ ዘይቅበል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣጀንዳ ኣብ መድረኽ ክወጽእ ኣይደልን። ነዚ ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡ ንምትራር ከኣ ብዙሕ እኩይ ተንኮላት ይጥቀም።

ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ኣለዎ ንዝብሎ ኤርትራዊ ወገን ምእሳርን ምስዋርን፡ ናይ እምነት መሰሉ ምግፋፍ፡ ኣብ ሕድሕድ ሰባት ምትእምማን ንከይህሉ ተንኮላት ምፍሓስ ….. ወዘተ፡ ህዝቢ ናብ ጉዳዩ ከየድህብ ንምርዓዱ ዝጥቀመሎም መጻወድያታት እዮም። ኣብ ርእሲዚ ህዝቢ ተሰናቢዱ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሓደጋ ከም ዝስምዖ ንምድራኽ፡ ናይ ወጻኢ ጸላእቲ እናዓደመ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስግኣት ወጺኡ ብጉዳዩ ከምዘይሓስብ ንምግባሩ ይጽዕት። ዘይሩዘይሩ ኩሉ ተግባራቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ጽልኢ ኣሕዲሩ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቀንዲ ዘቤታዊ ኣጀንዳኡ ደገደገ ጥራይ ከም ዘመዓዱ ንምግባሩ ዝዓለመ  እዩ። ደገፍቱ ናቱ ገበናት ሓቢኦም ነቲ ዝንገሮም ሓሶት ከይመመዩ፡ ኣጻብዕቶም ናብ ካልእ ክቕስሩ እነዕዘቦም ናይዚ ተንኮለኛ ምህዘኡ ውጽኢት እዩ። እቲ በብግዜኡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ናይ ምኽፋቱ ቀንዲ ምኽንያት እውን ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ቀንዲ ጉዳዩ ንክወጽእ  ናይ ዝኣልሞ ተንኮላት ኣካል  እዩ። 

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ህግደፍ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ናይ ምህዳም ሃቐነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክከታተሎ ዝጸንሐን ኣካል ህይወቱን ስለ ዝኾነ፡ ኣዳዕዲዑ ከም ዝፈልጦ ርግጸኛ ኮይንካ ዝዝረበሉ እዩ። “ስለምንታይ ደኣ እሞ ነዚ እንዳፈለጠ፡ ክሳብ ክንድዚ እቲ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ኣብ ዘዝሃንደሶ ዘይምልከቶ ኣጀንዳ ተሸኺሉ ይነብር ኣሎ?” ዝብል ግና ዝያዳ ሎሚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።  ነቲ ብሰንኪ ሕመቕን ጥልመትን እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ክትኣሞኖ ዘጸግም ድሕረትን ድኽነትን ተሓተቲ እዮም ብዝብል፡ ደጋጊሙ ንሓንሳብ ምስ ወያነ ንሓንሳብ ድማ ምስ ኣሜሪካ ዝራገሞ ካብዚ መታለሊ ሜላታቱ ዝነቅል እዩ። ናይ ኤርትራን ህዝባን ናይ ህልውናን ቀጻለትን ስግኣት ባዕሉ ህግደፍ ክነሱ፡ ህዝቢ ናብ ርሑቕ ከም ዘማዕዱ ዝገብረሉ ምኽንያት እውን ካልእ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ሶማሊላንድን ዝምዕብል ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት፡ ነቲ ውግእ ትግራይ ብውዕል ሰላም ጠጠው ምስ በለ ስራሕ ከይስእን ሰጊኡ ዝነበረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መፍቶኡ ኮይንሉ ኣሎ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዘይሰርሐ ሎሚ እቲ ዝእጐድ ዘሎ ህውከት ንከይጠፍእ መኻርን ዘካርን መሲሉ የጐሃህር ኣሎ። ትማሊ ንሱን ከም በዓል ኣልኣሚን መሓምድ ስዒድ ዝኣመሰሉ ብህይወት ዘየለዉ መጣቓዕቱን “ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ሓድነታ ምሕላው ቀንዲ ጉዳይና እዩ” ይብሉ ከምዘይነበሩ፡ ሎሚ ድማ “ኢትዮጵያ ቁልቁል ኣፋ ትደፋእ” ኢሎም፡ ሓላይቲ ሓድነት ሱዳንን ሶማሊያን ኮይኖም ንኢትዮጵያ ዘፍርስ መርዚ ይንስንሱ ኣለዉ። እዚ ኩሉ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንምህዳም ዝፍጠር ምህዞ እምበር፡ ንሓድነት፡ ሓርነትን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብሓድነት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ወይ ምርግጋእ ሶማሊያ ክግደስ ማለት ዘበት እዩ። ነቶም  ንኤርትራን ህዝባን ዘየናሕሰየ ጉሒላ ዓዲ ሃሎ፡ ሓላዪ ፈታዊ ክኾኖም ዝጽበዩ ድማ “ይዋእ ግሩሃት” ዝበሃሉ እዮም። ተመኩሮኡ ከም ዘረደኣና፡ ኣብ መስርሕ ከም ዝርሕርሕዎ ከኣ ጽባሕ ሓቢርካ ዝረአ እዩ።

እዚ ኣብ ዞባና ሓድሽ መልክዕ ሒዙ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ንዓና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ይምልከተና እዩ። ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጸለናን ካብ ቀንዲ ኣጀንዳና ከም ዝወጻእናን ተኸፋፊልና ከም ዝነበርናን ዘይርሳዕ እዩ። ህግደፍ ነዚ ዞባዊ ተርእዮ መመላእታ ናይቲ ካብ ኤርትራዊ ኣጅንዳ መህደሚ ንክኾኖ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ውዲታት ከም ዝገብሮ ከይደቀስካ ዝተሓልመ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ሓይልታቱንከ፡ ነዚ ሓድሽ ዘይኮነስ መልክዑ ቀይሩ ዝመጽእ ዘሎ ዕግርግር ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ብዘየልቅቐና ኣገባብ ዲና ክንሕዞስ ወይስ መራጐዲ ውዲታት ህግደፍ ኢና ክንከውን? ንዝብል፡ ብጥንቃቐ ክንሓስብ ኣብ ዝግበኣና ወሳኒ መድረኽ ከም ዘለና ብጽሞና ነስተውዕል።

Last modified on Tuesday, 23 January 2024 23:06