“ኣይከሰርናን”፡  እናሓደረ ዘስደምም

2022-12-26 21:49:42 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 681 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውዳበታቱን ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቑዕን ርትዓውን  እዩ። ናይ ምቅዋሞም  ማእከላይ ሕመረት ድማ እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን  ኩለ-መዳያዊ ጭካነን በደልን እዩ። ህግደፍ ዝፍጽሞ በደላት ነዊሕ ዕድመን ስፍሓትን ስለ ዘለዎም፡ ወሰን ኢልካ ካብ ምዝርዛሩ፡ “ዘይፈጸሞ ዓይነት ግርፍዒ የለን” ኢልካዮ ምሕላፍ  ይምረጽ። ካብቲ ቀንዲ ቀንዱ  ኣብነት ንክኸውን ዝኣክል ንምጥቃስ ግና ህግደፍ፡  ብዘይሕገ-መንግስቲ ዝገዝእን ብህዝቢ ከይተመርጸ ዝመርሕን፡ ናይ ህዝቢ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝገፍፍ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝመሃርን ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ዝምስርትን ኣብያተ-ትምህርቱ ኣዕጽዩ፡ ናብ ውትህድርና ክስለፍ ዘገድድ፡ ናጽነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምርካብን ቁጠባዊ እቶት ምዕባይን ዘይፈቅድ፡ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክፍታሕ ዝግበኦ ምስሕሓባት ኣተዓባብዩ፡ ውግእ ብምኽፋት ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ከምትዳመ ክገብር ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ሞት፡ ምምዝባል፡ ዕንወት ንብረትን ምጽሕታር ጽልኢ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን ስለ ዘይዓጀቦ፡ እናሓደረ ብዘስደምም ቅኒት ተጠሊዑ፡ “ኣይከሰርናን” ምባሉ ብዙሕ ትርጉም ዝሓዘለ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት መርኣያ እዩ። ድሕሪዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ኣድጊ ንዝገበረካስ ጠይቂ ግበሮ” ዝበሃል፡ ነቲ ብቓንዛኡን ክሳራኡን ዝጻወት ዘሎ ጠላም ጉጅለ፡ ብውሽጡ ዘይኮነ፡ ብዝስማዕ በሪኽ ድምጺ፡ “ንስኻ ኣይናትናን፡ ንሕና’ውን ኣይናትካን” ክብሎ መተገብአ። ከምኡ ዘይምግባሩ  ካብቲ ንህግደፍ መሊሱ ዘሻድኖ ዘሎ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።

መራሒ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ፈዳሕዳሕ ኣብ ዝበለሉን ኣቐዲሙውን ኣብ ኤርትራ ኮይኑ “ኣይከሰርናን” ምስበለን፡ ብፍላይ ካብቶም ኣምለኽቱ፡ ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ብዙሓት ነይሮም። ምስ ደጋገመሎም ግና ጠላም መልእኽቱ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ። መንፈስ ናይ ኣበሃህላኡ፡ ነቲ ቅድም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደልን ጥልመትን መሊሱ ዝድርዕ ብደዐ እዩ። ገለ ህግደፍ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝነብር ኣካል ዝመስሎም ዘይቀበጹ ኤርትራዊ ወገናት፡ ኣብቲ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ መእረምታ ክገብር እናተጸበይዎ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ  ነቲ ዕብዳኑ መሊሱ ብዘበርኽ ደረጃ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ፡” ዝብል ሸርሑ ከተግብር ናብ ውግእ ትግራይ ተነቚቱ።

ህግደፍ ናብ ውግእ ትግራይ ዝኣተወ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናይ ቅድም ተግባሩ  ደም ከም ዝነበዐ  ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ “ኣበይ ከይበጽሕ” ብዝብል ንዕቀት  እዩ። ብሰንክዚ እኩይ ተግባሩ ከኣ እቲ ስንብራቱ ክሓዊ ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ፡ ብሞት፡ ብምስንካል፡ ደሃይ ብምጥፋእ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሻቕሎት ሓዘን ደሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ ክዕንገለሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽበሉን ዝነበሮ ሃገራዊ ንብረትን ጸጋን ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ዓንዩ። ህግደፍ ግና ናይ ውግእ ነጋዳይ ስለ ዝኾነ፡ እንተስ ኣእሚኑ እንተስ ኣደናጊሩ፡ ናብ ህዝብና ዘይበጽሐ ሕቡእ  መኽሰብ ኣኻዕቢቱ ከም ዝኸውን ይግመት። እቲ ኩነታት ጌና ሕጂ እውን ኣብ መስርሕ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና እንታይ ከም ዝዘንብ ኣይተፈልጠን።

በደልን ገበንን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሃገር ንኤርትራን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር፡ ናይ ህግደፍ ብሕታዊት ኩባንያ ስለ ዘይኮነት፡ ህግደፍ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ኣይክዋገየላን እዩ። ንኤርትራ ብሸሓኒ ዘረክቦም ዝመስሎም ህሩፋት መሻርኽቱውን ነዚ ከይዝንግዑ ነዘኻኽሮም። ካብቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምውጥዋጥ ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በብግዜኡ ቀይሕ መስመር እናሰገረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝበሎም ንኣብነት ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ። “ምትግባር ቀያድን ናይ መወዳእታን፡ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ዘልዕሉ ዝተጀመረ ሰላምና ክዘርጉ ዝደልዩ ወገናት እዮም፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንክመርሓና ንቓለዓለም ዘይኮነ፡ ብልበይ  ይፈቕደሉ ኣለኹ፡ ኣነ ከኣ ምስኡ ኣለኹ።”  ዝበሎ፡ ምልክት ሓደገኛ ክድዓት ስለ ዝኾነ፡ ወርትግ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። በዚ ተተባቢዕም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝምድሩን ዝጽሕፉን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን  ብዙሓት ምዃኖም ከኣ ዘቕስን ኣይኮነን።

ህግደፍ ነዚ ኩሉ ጉዱ ኣቐሚጡ፡ ናብዚ ሎሚ ኣወጻጽኣኡ ኣጸጊምዎ ዘሎ ውግእ ትግራይ ዝኣተወሉ ሓቀኛ ምኽንያት ሓቢኡ፡ “ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ እየ ናብ ውግእ ትግራይ ኣትየ”  ክብልን ነዚ ዘቃልሕሉ ብዙሓት ዘየገናዝቡ ኣፈኛታት ከዋፍርን እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክከታተሎ ጸኒሑ እዩ። ህግደፍ ብኽንዲዚ ደረጃ ክሕስውን ከተዓሻሽውን እንከሎ፡ እቲ መስዋእቱ ተዘንጊዑ ልኡላውነቱ  ዝተጋህሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደድሕሪ ናቱ ሓሸውየ ዝቆጻጸ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን። እዚ ግምቱ  ዘመልክቶ ከኣ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ  እዩ። ሕጂ ድማ እቶም ኣብ ትግራይ ዝጠፍኡ መንእሰያት ኣብ ምንታይ ጠፊኦም ከም ዝብሎም፡ እንግምቶ፡ኳ እንተኾነ ጽባሕ ከኣ ብጋህዲ ካብ ጠባሪ ልሳኑ እንሰምዖ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ህግደፍ ለጋጊቡ ብዘቕርበሉ ናይ ሓሶት ምኽንያት ክደዓዓስ ዘይኮነ፡ “ስለምንታይ፡ ንረብሓ መንከ?” ብዝብል ሕቶ ከዋጥሮን፡ ደጊም ምስኡ ከምዘየለ ከቕብጾን ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ሓላፍነት እዩ።

 

Last modified on Monday, 26 December 2022 22:57