ካብ 2022 ናብ 2023 ክንሰግር እንከለና፡

2022-12-31 10:20:29 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1159 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ “2022 ዓሚ፡ 2023 ድማ ሎምዘበን” ኣብ ዝበሃላሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “መጻእኩ” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት’ውን ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ  ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ከኣ “እዛ ዓመት እዚኣስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ኢና ንብል ። ከብቲ ልሙድ መስርሕ ዘይወጸት ክነሳ፡ “ንሓንሳ ቀልጢፋትና ንሓንሳብ ድማ ደንጉያትና” ምባልና ልሙድ እዩ። ኣብታ ዓመት ሰብ ብዘምጽኦ ሕሰምን መከራን ብምምራር “እንኳዕ እዚኣስ ሓለፈትልና”፡ ብዝብል ምስጋናና እንገልጸሉ’ውን ኣሎ። በዚ ኮነ በቲ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2023ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።”

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ዓሚን ሎምዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ እቲ ንሕና እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግሞ ይግበኣና። እዛ ናይ ዓመታት ምርኽኻብ ንዓመታ’ውን ቆጸረኣ ኣኽቢራ ከም እትመጽእ ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ተመሊስና ንምውጋድ ዘይኮነ፡ ካብኡ ተማሂርና ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ንክንርከብን ዳግማይ ንከይንጋገን  እዩ።

ኣብዛ ጉዕዞኣ ወዲኣ ዓሚ ክትበሃል ተቐሪባ ዘላ 2022፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዋ  ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡን ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። ከምቲ “ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና  ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ፡ ኣብ 2023 ዝገጠመና ብደሆ’ውን ቀሊል ስለ ዘይከውን ዝያዳ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክንቅረበሉ ይግበኣና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን።  እንተኾነ ኮይኑስ፣  ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝተማረኹ፡ ዝሰንከሉን ሃላዋትቶም ከም ዝጠፍአን፡ ንምርግጋጽ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሓበሬታ እንጽበየሉ ዘይኮነ፡ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል፡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይኣተወን” ክብሉ ዝጸንሑ ኣብ ዓመተ-2022 ኩሉ ሓሶታቶም ተቐሊዑ ብመርተዖታት ስለ ዝተረጋገጸ መልክዕ ቀይሮም “ኣይወጽእን እዩ” ኣብ ምባል ኣለዉ። እዚ “ዒራ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ” ከም ዝባሃል፡ ህይወት ኤርትራዊ መንእሰይ ዘይዓጦም ምዃኖም ዘርኢ’ዩ። ኤርትራውያን ወተሃደራት ኣብ ዓውዲ ውግእ ትግራይ ተማሪኾም ዘጋጠሞም መከራ ነጊረሙና እዮም። “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ምቕታል ሲቪልን ምርሳይ ንብረቱን ተሳቲፉ” ዝብል ስማዕ፡ ነቶም ቀተልትን ራሰይትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍርን ርእሱ ዘድንን ስማዕ ኮይኑ’ሎ። እዚ ጉዳይዚ  ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ክንከታተሎ ዝጸንሕና እዩ። ኣብ 2023 ድማ መስርሕ ደቂቕ ምጽራይ ጌና ቀጻሊ እዩ።

ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ዝተራእየ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝወጠንዎ እሞ ህግደፍ ተደርጊምዎ ዝጸንሐ ውግእ “ኣየዋጸናን እዩ” ኢሎም መንገዲ ሰላም ዝሓዝሉ ኩነታት እውን ኣብ ዓመተ 2022 እዩ። እዚ ህርፋን ውግእ ህግደፍ ዝኾለፈ መንገዲ ሰላም፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ ብቕልጡፍ ይስጉም ኣሎ። 2023 ከኣ ነቲ መስርሕ ተረኪባ ኣብ መፈጸምታ ናይ ምብጽሑ ሓላፍነት ክትርከብ እያ። ውጽኢት ናይዚ መስርሕ ሰላም፡ ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ከም ጐረቤት በቲ ሽግር ብኣሉታ ክንጽለው ዝጸናሕናን ንዞባናን ዘለዎ ፋይዳ እውን ልዑል እዩ።

2023 ካብ 2022 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽን ዝሑል ውግእ እንደገና ከይክሰት ዝስገኣሉን  ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ቀንዲ ተዋሳኢ፡ ኮይንሉ ዝጸንሐ ውግእ ኢትዮጵያ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ከዘንብል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና፡ ጋና ውግእ ዝቕጽለሉ ኩነታት ንምርካብ ኩሉ ይፍንቀለለይ እዩ፡ ዝበሎ ኣእማን ኣብ ምፍንቃል ይርከብ። ብግብሪ ግና ዝያዳ ኣብ ዝተነጸለሉን ዝተቓለዓሉን ደረጃ ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ንሓንሳብ እንዳ ዘሓለ ንሓንሳብ ድማ እንዳወዓየ መጻኢኡ ኣብ ዘይግመት ደረጃ ኣሎ። ሱዳናውያን ብዕልዋ ዝመጸ ወተሃደራዊ መንግስቲ ተቓዊሞም፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ምትካል ኣብ ቀጻሊ ዘተባብዕ ቃልሲ ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ፡ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ኣብ ዓመተ 2022  መሊሱ ገዲዱ እምበር ኣይነከየን። እኳ ደኣ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ፡ ናብ ዓውዲ ውግእ ዘይከተትኩም ብዝብል፡ ማእሰርቲ ስድራቤታት፡ ምዕጻው ኣባይቲ፡ ምርሳይ ንብረትን ጥሪትን ካልእ ግፍዕታትን ተወሲኽዎ ሰማይ ክዓርግዩ ጸኒሑን ዘሎን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ሎሚ’ውን ብዓብይኡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ፡ ውግእ እንተዘይኮይኑ ሰላማዊ መንገዲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ቅኑዕ መስመር  ስለ ዝወጸ  ናብ ደሓን ክምለስ ዘይሕሰብ እዩ።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2023 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ክማላእ ዝግበኦ ቅድመ-ኩነታት ሓደ፡  ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ተሳትፎን ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ንህግደፍን መጋበርያታቱን ስለ ዘርዕዶም፡ ንኸይዕወት ክጻብእዎ ባህርያዊ’ዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጀመሮ እሞ ኣብ መፈጸምታ ዘየብጸሖ ዕማማቱ ምትግባር፡ ናይ መጻኢ ዓመት ዕማማቱ ኣካል  ክኽውን እዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ብመሰረት ቅዋሙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝጋብእ ስሩዕ ጉባአኡ ኣብ 2023 ወርሒ ሓምለ ከካይድ እዩ። ድሮ ነዚ ንምዕዋት ኩሎም ኣካላቱ ብዙሕ መዳያት ኣብ ዘለዎ መስርሕ ምስንዳእ ኣልዉ። ስለዚ ምዕዋት 4ይ ጉባአ፡ ናይ መላእ ኣካላት ሰዲህኤ  ሓደ ናይ 2023 መሪሕ ዕማም ክኸውን እዩ።

Last modified on Saturday, 31 December 2022 11:23