“Nomore“  ኣብ ዘይለዓቱ

2021-12-09 11:48:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1412 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ጐረባብትና ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓደ ጭረሖ ኣልዒሎም ኣለዉ። ነቲ ዘልዓልዎ ጭረሖ “Nomore/በቃ  ኣብ ውሽጢ  ኢትዮጵያን  ወጻእን ብሰላማዊ ሰልፍታት የቓልሕዎ ኣለዉ። እቶም በቃ ዝበሃሉ ዘለዉ ኣካላት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እትርከበን ሓያሎ ምዕራባያን ሃገራትን BBC፡ CNNን REUTERን ዝርከበአን ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን እዮም። መንቀሊኡ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብውግእ ዝስነ ዘሎ ፖለቲካዊ ክስተት ናይታ ሃገር፡ “ብጌጋ ይገልጹና ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ይዘርዩና ኣለዉ” ዝብል ናይ ስግኣት ቃና ዘለዎ  እዩ። ናብቲ ሓቑ እንተመጻእና ግና፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓዲሞም ዘምጽእዎ”ሞ ዝሕምሶም ዘሎ  ስርዓት ህግደፍ ኣቐሚጦም፡ ነጸግቲ “ጣልቃ ኣታውነት” መሲሎም ክቐርቡ ምህቃኖም ምስ ምንታይ ከም ዝቑጸር እንድዒ። 

ብዙሓት ነዚ ምስሕሓብ ዝተዓዘቡ ወገናት፡ እዚ ናትካ ድኽመትን ፍሽለትን ኣቐሚጥካ ምስ ካለኦት ምውጣጥ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ ኤርትራዊ ምምሕዳር ህግደፍ ካብ ዝተማህሮም ምስምሳት ሓደ ምዃኑ ይሰማምዑ። ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ  “ስለምንታይ ኣብ ገዛእ ሃገረይ ድላየይ እንተገብርኩ ብዛዕባይ ትዛረቡ” ብዝብል ብደዐ ወትሩ ንኣሜርካን ካለኦት ኣካይዳኡ ዝነቐፋ ሃገራት ምዕራብን ከም እስትራተጅያዊ መቐናቐንትን ጸላእትን ወሲዱ ዝሕበኣሉ ሜላ የዛምድዎ። ምኽንያቱ እተን ብደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ “Nomore/በቃ“ ዝበሃላ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ኮና፡ ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ካብ መግስቲ ሓበሬታ ክረኽባ ብዘይምኽኣለን፡ ብናታተን መጽናዕትን ተበግሶን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ዘየቕስን ምዕባለ ስለ ዝተዛረባን ዝጸሓፋን እየን። ኣብ ርእሲዚ ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘቃለዓ እምበር፡ ነቲ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህብወን ሓበሬታ ነጺገን ሻራነት ስለ ዝመረጻ ኣይኮነን።

ነዚ ኩሉ ዋጢጥ ዘምጸኦ ዘሎ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እውን ከም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ግሉጽነት ምርሓቕ ምስ ጀመረ ዘጋጠመ ክስተት እዩ። እተን ዝርገማን “Nomore/በቃ“ ዝበሃላ ዘለዋን ሃገራት ምዕራብን ንዓኣተን ቅኑዕ ኮይኑ ስለ ዝተረኣየን “ብዘይ ቅድመ-ኩነት ውግእ ደው ኣቢልኩም ተዛተዩ” ስለ ዝበላን ሰብኣዊ ግህሰት ስለ ዝኾነናን እየን “ኣፍክን ሓዛ” ዝባሃላ ዘለዋ።  ነዚ ዘምጸኦ ካብቲ “ዋላ ሓቂ ኣንተኾነ ንሕና ዘይንኣምነሉ ኣይትዛረቡ” ዝብል ኢሳያሳዊ ስሱዕን ሓባእን ባህሪ ዘሰረጸ እዩ። ብዙሓት ርትዓውያን ኢትዮጵያውያንን ካለኦት ናይ ቀረባ ተዓዘብትን እቲ ኣካይዳ ካብ ኢሳያስ ዝተቐድሐ፡ ኢትዮጵያዊ ክብሩ ዝሰሓተ ንመሕብኢ ዝተሃንደሰ መንገዲ’ዩ ይብልዎ ኣለዉ።

እቲ ኢትዮጵያውያን መሪጸምዎ ዘለዉ መንገዲ፡ ንኤርትራውያን’ውን ዝጸልወና ስለ ዝኾነ እምበር፡ “ድላዮም ይግበሩ ኣብ ምርጨኦም ኣይንኣቱን” ኢልናዮ ምሓለፍና። እቲ ክንዛረበሉ ዘገድደና ዘሎ ግን፡  ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን እውን ናይዚ ኣብዘይለዓቱ ጭረሖ “Nomore/በቃ“  ግዳይ ይኾኑ ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ደገፍቲ ብልጽግና ኣብ ዝወደብዎ ሻረኛ ሰልፍታት ዘዳኽሩ ዘለዉ ኤርትራውያን “ዘሕምቖ ኣለኒ በትረይ ሃቡኒ” እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ናይ  “Nomore/በቃ“ ንቕሎ ብመንጽር ኤርትራ ካብዚ ዝኸድዎ ዘለዉ ባንጻሩ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ። “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ከም ዝበሃል፡  ክንዲ ህግደፍን በሓቲ ማዕከናት ዜናኡን ዝኣኽሉ ኣትሪርካን ተወዲብካን “ደጊም በቃ” ክበሃሉ ዝግበኦም ዓመጽቲ ኣቕሚጥካስ፡  ናብ ሃገራት ምዕራብ፡ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ተመጣጢርካ ከተወግዝ ምስላፍ ብሓጺሩ ግልቡጥ ኣሰራርዓ ዛዕባታት እዩ።

እዚ ኣብ ዘይጉዳይካ ኣቲኻ ምሕንካር ንህግደፍ ንቡር መለለይ ፖለቲካዊ ባህርያቱ እምበር መጀርታኡ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ህግደፍ ብሰንኪ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ምእታዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘህለቐን ምስሊ ሃገርና ብወራርነት ከም ዝደወነን ናይ ቀረባ ግዜ ምዝጉብ ተመኩሮ እዩ። ሎሚ እውን ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣዕናዊ ኣካይዳኡ ኣይተማህረን። ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ዘይሓላፍነታዊ መንግዲ ምሓዙ ከም ውሁብ ስለ ዝተወስደ፡ ኣዛራብነቱ ክሳብ ክንድዚ ኣይኮነን። ናይቶም ንዓኡ ተኸቲሎም ኣብቲ ንኤርትራ መሊሱ መዓት ከውርደላ እንተዘይኮይኑ መስተርሆ ከም ዘየምጸኣላ ዝተነጸረ ደልሃመት ኣትዮም፡ ናይ ዝተወሰኑ  ኢትዮጵያውያን እዋናዊ ድምጺ ኮይኑ ዘሎ  “Nomore/በቃ“ ከዳምቑን ከራጉዱን ዝውዕሉ ዘለዉ፡ ካብ ንዓኣቶም ሓሊፉ ብኤርትራውነትና ንኹልና ዘሸቑርርን ዘሕፍርን እዩ።

ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክንዲ  ንሳዕቤን፡  ንጠንቂ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ምስቲ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዓለም ድምጹ ዝቃላሕ ዘሎ ወጽዓ ዝወለዶ ድምጺ “ይኣክል” ብዘሳኒ ካብ ኤርትራዊ ውድዕነት ነቒሎም “Nomore/በቃ“ ንጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ እንተዝብሉ መመልከዓሎም። ኣብቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ከኣ መድመዐ። ሓሳቦም እውን ገዛኢ ምረኸበ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ክንዲ “Nomore/በቃ“ ንሕገ-ኣልቦነት፡ ንግህሰት መሰረታዊ መሰላት፡ ንደረት ኣልቦ ግዱድ ውትህድርና፡ ንምግላል ህዝቢ ካብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ንኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእታውነትን ህዝቢ ዘየርብሕ ኣብ ኤርትራ ምባል፡ ብናይ “ኣጻልኡና” ዘይጥዑይ ፖለቲካዊ ጐስጓስ  ተሻቢብካ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምን ኣጻብዕትኻ ምቕሳር ብኹሉ መለክዒ ቅቡል ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ከተቐድሞ ዝግበኣካ ምቕዳም እምበር፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ሃገርካን ህዝብኻን ዝጐድእ ናይ ወጻኢ ሓይሊ  ከጋጥም እንከሎ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ተዓዛባይ ኩን  ማለት ኣይኮነን።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ናይ ዝተወሰኑ ናይ ህግደፍ ኢደ-በይዛ ኤርትራውያን ምስ ወገን ብልጽግና  ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ወደኽደኽ ምናልባት እውን ከምቲ “ኣድግሲ ሃሊላ በላዒኣ ትጽውዕ” ዝበሃል፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከይጽውዕሎም ዘየስግእ ኣይኮነን። ህግደፍ ዘራጊ መንገዲ መሪጹ ዘሎ ንደቂ ልቢ ገርሃ ብልኡላውነትን ቀጻልነትን ሃገረ ኤርትራ ኣረሳሲኑ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እዩ። ጉጅላዊ ስልጣኑን ድሕንነቱን ኣብ ዓዲ ሃሎ ተዓምጺጽካ ከምዘይትሕሎ ስለ ዝተረደኣ፡ ከምኡ ጽጉማት መጣፍእቲ እዩ ዘናዲ። ድሕሪ ክንደይ ዕንይንይ ከኣ እነሆ ከም ናቱ ተመሳሳሊ ኣብ ስልጣን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን  ጸገም ዘለዎ መጻምዲ ረኺቡ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዘይቅዱስ ቃል ኪዳን ኣሲሩ ይዕንድር ኣሎ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንምህላውን ዘይምህላውን ኢሳያስን ጉጅለኡን ካብ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራ ፈልዩ ክርእዮን ክርደኦን ይግበኦ። ናይ ህግደፍ ምውጋድ ከምቲ ንሱ ክኾነሉ ዝምነዮ ጥፍኣት ኤርትራ ዘኸትል ዘይኮነ፡ ትንሳኤኣ ዘበስር እዩ። ነቶም ሓንሳብ ካብ ቅኑዕ መስመር ህዝብን ሃገርን  ወጺኦም ስለ ዝዓወኑ’ሞ “ነዛ ሃገር ብድሕሪኡ መንክሕልዋ”  ዝብሉ ወገናት “ንሕና ደቃ ኣለናያ”  ንበሎም። ወትሩ ድማ ንምሕላውን ምቕጻልን ሃገር ድሉዋት ንኹን። እንተ ኣሳሰይቲ ህግደፍ ንግዜኡ ምሳና ከምዘይስለፉ ባዕላቶም   ይነግሩና ኣለዉ።

Last modified on Thursday, 09 December 2021 12:52